እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማናቱ ኣሕዋት ብማናቱ ኣቕሽሽትን ማናቱ ድያቆናትን እናተመርሑ ንማናቱ ኣሓት ዝተመርዓዉሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ
ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ክልተ ማናቱ ኣሕዋት ንክልተ ማናቱ እናተመርዓው ዘርእይ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ጉዳይ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን፡ ነቲ መርዓ ዝመርሕዎ መራሕቲ ሃይማኖት'ውን መናቱ'ዮም።
ብተወሳኺ ኣብቲ መርዓ ንዝነበረ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብቅዳሰ ዝተጸንበርዎ ክልተ ድያቆናት'ውን ማናቱ ምዃኖም ዝያዳ ኣቓልቦ ክረክብ ክኢሉ።
እዚ ዘይተለምደ መርዓ ንዓመታት ብጥንቃቐ ተወጢኑ ዝተገበረ'ዩ።
ሓደ ካብቶም መርዓውቲ ዝዀነ ኣኪል ቶማስ "ኣብ ሓደ መርዓ ኣርባዕተ ጽምዲ ማንታ ምህላውና ኣጋጣሚ ኣይኰነን" ይብል።
ንኣኪል ቶማስ ማንታኡ ዝዀነን ሓደ ካብቶም መርዓውትን ኒክሂል ቶማስ ነቲ ኣጋጣሚ ክገልጾ እንከሎ "ካብ መጀመርታ መናቱ ክንምርዓው ኣለና ዝብል ሓሳብ'ዩ ነይሩና፡ ስድራና'ውን ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ንዓና ዝዀና መናቱ ኣሕዋት ክደልዩልና'ዮም ጸኒሖም" ኢሉ።
ኣኪልን ኒክሂልን ደቂ 32 ዓመት'ዮም፡ ኣብቲ ከባቢ ከኣ ንመርዓ ደንጉዮም ተባሂሎም ክግለጹ ዝኽእሉ'ዮም።
ኣክሂል ነዚ ከረድእ እንከሎ "ዕድሜና ኣብ ሰላሳታት ስለዝበጽሐ ኣዝማድና ግድን ማናቱ ክንምርዖ ኢለኪም ግዜኹም ኣይተባክኑ'ዮም ዝብሉና ነይሮም፡ ካብዚ ሓሊፎም'ውን ማናቱ ክንረክብ ክንብል ዕድመና እንተሓሊፉ ፈጺምና'ውን ዘይክንምርዖ ከም እንኽእል'ዮም ዘጠንቅቑና ነይሮም" ይብል።
ስድራ እዞም ማናቱ ንደቆም ዝዀና ማናቱ ኣሕዋት ንምርካብ ንሓደ ፍሉይ ማናቱ ዝምዝግብ ትካል'ዮም ተወኪሶም።
ኣክሂል ቅድሚ ነዘን ሕጂ ዝተመርዓውወን ማጊን ማርያን ዝተበሃላን ማናቱ ምርካቦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝያዳ ንምምራጽ ንሱን ማንታኡ ሓዉን ኣስታት 40 ዝዀና ማናቱ ደቀንስትዮ ብመንገዲ እቲ ንማናቱ ዝምዝግብ ትካል ከምዝተራኸቡ ይሕብር።
ማጊ ብወገና "ካብ ህጻንነትና ጀሚርና ክንምርዖ እንተዄንና ማናቱ ክንምርዖ ከምዘለና ኢና ወሲንና" ትብል።
ማርያ ኣስዒባ፡ "ንኣከሂልን ኒክሂልን ምስ ረኸብናዮም ከኣ ብቕጽበት ኢና ፈቲናዮም፣ መናብርትና ክዀኑ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ኢና ወሲንና" ትብል።
እዘን ክልተ ማናቱ ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ስነስርዓት መርዓ'ውን ብማናቱ መራሕቲ ሃይማኖት ክምራሕ ዘለወን ባህጊ ገሊጸን።
እዘን ክልተ ማናቱ ቅድሚ ሓደ ዓመት ክልተ ጀሮንን ጆሃንን ዝብሃሉ ድያቆናት ኣብ ቤተ ክርስትያን ጸሎት ክመርሑ ምስ ርኣያኦም'ዩ እቲ ሓሳብ መጺኡለን።
እቲ መዓልቲ መርዓ ምስ ተወሰነ ከኣ ንጅሮንን ጆሃንን ኣብ መርዓአን መጺኦም ክካፈሉ ዓዲመናኦም።
ኣዲኦም ንብዓል ኣክሂል'ውን ቅድሚ ውሑድ ኣዋርሕ ኣንቶን ከምኡ ከኣ ኣጆ ፐሩመካቲል ዝብሃሉ ክልተ መናቱ ኣቕሽሽቲ ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ሃይማኖታዊ ስብከት ክመርሑ ርእያቶም ስለዝነበረት፡ ንሃይማኖታዊ ስርዓት ናይቲ መርዓ ክመርሕዎ ዕድመ ኣቕሪባትሎም።
ኣክሂል ነቲ ኩነታት ከረድእ እንከሎ "ነዞም ማናቱ ኣቕሽሽቲ ረኺበ ነቲ ኩነታት ብዝርዝር ምስ ኣረዳእክዎም ኣዝዮም'ዮም ተመሲጦም" ይብል።
ናይቲ መርዓ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣቓልቦ ስሒቡ ብዙሓት ክቐባበሉሉን ክዘራረቡሉን ምስ ጀመሩ እዞም ማናቱ ኣቕሽሽቲ ኣዝዮም'ዮም ተመሲጦም።
ኣጆ ካብዚ ብምብጋስ "ንዓና እዚ መርዓ ኣዝዩ ተዘካሪ መርዓ'ዩ ኮይኑልና" ኢሉ።
ብምስዓብ፡ እቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰብ ክዘራረበሉ ምስ ጀመረ፡ ካልእ ጓልን ወድን ማናቱ ከመርዕዉ ቆጸራ ዝሓዙ ስድራቤት ንሃይማኖታዊ ስርዓት እቲ መርዓ ክመርሕሎም ዕድመ ከምዘቕረብሎም ኣጆ ይሕብር።
ኒክሂል ቶማስ "እዚ ናትና መርዓ ብስድራ ዝመጽአ'ዩ ንሕናን መጻምድትናን ባዕልና ተራኺብና ፍቅሪ ጀሚርና ናብ መርዓ ዝበጽሐ ኣይኰነን" ይብል።
ኣብ ህንዲ ከኣ ወለዲ ንደቆም መጻምድቲ ክመርጽሎም ኣዝዩ ንቡር ባህላዊ መስርሕ'ዩ።
ኣብ ምምራጽ መጻምድቲ ከኣ ስድራን ዓበይቲ ኣዝማድን'ዮም ዝሳተፉ።
ስእሊ ናይቲ መርዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣቓልቦ ምስ ረኸበ፡ እዞም ማናቱ መጻምድቲ ካብ ብዙሓት ዝፈልጥዎምን ዘይፈልጥዎምን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽትታት'ዩ ውሒዝዎም።
ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ "እንቋዕ ሓጐሰኩም" ኢለሞም፡ ገለ'ውን ነቲ መርዓ ኣብ ማናቱ ከም ሕልሚ ሳሕቲ ዘጋጥም ተጓንፎ ብምባል'ዮም ገሊጸሞ።
"ስእሊ መርዓና ክሳብ ክንድዚ ተፈታዊ ክኸውን እዩ ኢለ ፈጺመ ኣይተጸበኹን" ትብል ማርያ።
"እዚ ዝና ወይ 'ላይክ' ንምርካብ ኣይኮናን ጌርናዮ። እዚ ካብ ብንእሽነተና ንሓልሞ ዝነበርና መርዓ'ዩ ንእግረ መንገዱ ከኣ ኣዝዩ ግኑን ክኸውን ክኢሉ" ትብል።