ኣመሪካ ኣብ ህዋ እንታይ ዓይነት ኣፅዋራት ኲናት ኣለዋ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣመሪካ ኣብ ቅናት መሬት ኣፅዋር ኲናት ከም ዘለዋ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባራ፡ ኣብ ህዋ (ጠፈር) እንታይ ዓይነት ኣፅዋራት ኲናት ከም ዘለዉን፡ ሓያላት ሃገራት ንህዋ ንምቍፅፃር ኣብ ዝገብረኦ ንሕንሕ፡ እቶም ኣፅዋራት እንታይ ዓይነት ግደ ክህልዎም ከም ዝኽእልን ሕቶታት ኣበጊሱ ኣሎ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ትሮይ ሜንክ፡ ኣብ ቅናት-ዙረት መሬት ዘለዉ ኣፅዋራት፡ ንሓይልታት አመርካ ካብ መጥቃዕቲ ፀላኢ ንምሕላው ኣድለይቲ ምዃኖም'ኳ እንተገለፀ፡ ብዛዕባ ዓቕሚ ወይ መዓስ ኣብ ህዋ ከም ዝተተኸሉ ግን ዋላ ሓደ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተወሃበን።

እሞ ድኣ እዚ ኣፅዋር እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ህዋ ዘሎ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቃስ ከ እንታይ ይመስል? ተመሳሳሊ ኣፅዋር ዘለወን ካልኦት ሃገራት በዓል መን ክዀና ይኽእላ?

ዳህሳስ ህዋ ካብ ዝጀመረሉ ዘበን ንደሓር፡ ጠፈር፡ መድረኽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክኸውን ከም ዝጀመረ ይግለፅ።

ኣብ መወዳእታ 1960ታት [ኣ.ኣ] ሕብረት ሶቭየት ናብ ጠፈር ኣፅዋር ኲናት ኣዋፊራ ነይራ።

"ኢስትሬቢቴል ስፑትኒኮቭ" (ኣይኤስ) ዝበሃል ንሳትላይት ዘዕንው መደብ፡ ንኻልኦት ሳትላይታት ብፍላይ ድማ ሳትላይት ኣመሪካ ንምጥፋእ ዝተሓሰቡ ሳትላይታት ዝሓዘ ነይሩ።

እዞም ሳትላይታት ተወንጨፍቲ ብምትኳስ ክፍንጀሩ እንከለዉ፡ እቶም ንጣራት ድማ፡ ኣብ ካልኦት መስመር ሳትላይታት ይዝርግሑ።

ኣብዚ እዋን፡ ዘመናውያን ወተሃደራዊ ሓይልታት፡ ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ናብ ጠፈር ሳትላይታት የዋፍሩ።

ሓበሬታ ምእካብ፡ ድሕነት ርክባቶም ምውሓስ፡ ንመጥቃዕቲታት ሚሳይል ኣቐዲምካ ምፍላጥን ንዝፍፅምዎም መጥቃዕቲታት ልክዕነት ቦታ እቶም ዒላማታት ሓበሬታ ምሃብን፡ ካብቶም ቀንዲ ዕላማታት እዮም።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኲናት ብቴክኖሎጂ እናተመርሐ ብምምፅኡ፡ ተንተንቲ፡ ኣጠቓቕማ እቶም ኣብ ጠፈር ዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት፡ ኣብ መፃኢ ዝያዳ ክውስኽ ትፅቢት ይገብሩ።

ብሌዲን ቦወን፡ ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪሲዝ ኢንስቲትዩት ተሓባባሪ በዓልሞያ ወተሃደራዊ ሳይንስ ኣብ ዩኒቨርሲቱ ዱርሃም ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ህዋን ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ወግዓዊ ዝገበረቶ ኣፅዋር ኲናት ንጹር ሓበሬታ ስለዘየለ፡ ግምት ካብ ምሃብ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ከምዘየለ ይገልፅ።

"ብናተይ ግምት፡ እዚ ምናልባት ሓደ ዓይነት ናይ ኤሌክትሮኒክ ኲናት ወይ መልእኽቲ ራዲዮ ዝዕንቀፈሉ መድረኽ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ንሳትላይታት እንከየዕነወ ዘዐንቅፍ ዓይነት ፀረ- ሳትላይት ክኸውን ይኽእል" ብምባል፡ ንቢቢሲ ራዲዮ 4 መደብ "ቱደይ" ገሊፁ።

"ንመስመራት ርክብ ራድዮ እንተኣቋሪፆም፡ እቲ ሳትላይት ክንድ'ቲ ረብሓ ኣይህልዎን" ይብል።

ከምዚኦም ዝበሉ ኣፅዋራት ሕጂ'ውን ኣብ መሬት ከም ዘለዉን ንስርዓታት ርክብ ከዐንቅፉ ከም ዝኽእሉን ይገልፅ።

ቦወን ወሲኹ፡ ከምዚ ዓይነት ኣፅዋር ኣብ ጠፈር ስብርባራት ብምፍጣር፡ ዝበለፀ ሓደገኛን ከቢድ ጉድኣት ዘስዕብን ዓይነት ኣፅዋር ክኸውን ይኽእል ኢሉ ይኣምን።

ካብ ኣመሪካ ብተወሳኺ፡ ከም ሩሲያን ቻይናን ዝኣመሰላ ተነሓናሕቲ ሓያላት ሃገራት፡ ተመሳሳሊ ኣፅዋራት ኣቐዲመን ኣብ ቅናት-መሬት ተኺለን እንተድኣ ኰይነን ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ።

ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪሲዝ ኢንስቲትዩት ተመራማሪት ዝነበረትን ሕጂ ኣብ ትካል ሳይንስን ፖሊሲን ጀርመን ተመራማሪት ዝኾነትን ጁሊያና ዙስ፡ "ቻይናን ሩስያን እንተድኣ ርኢና፡ ክልቲአን ኣብዚ ዓውዲ ምንቅስቃስ ክገብራ ተራእየን'የን" ብምባል፡ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ንኣብነት፡ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ካብ ቅናት-መሬት ዝሰርሕ ኣፅዋር ኲናት ፈተነ ይግበር ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ምንቅስቓሳት ርኢና ኢና። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ቅናት-ዙረት መሬት ከም ፈተነ ሓደ ተወንጫፊ ተተኵሱ ክኸውን ከም ዝኽእል ርኢና።"

"ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓለም ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣፅዋራት ኣለዉ፤ እንተኾነ እቲ ናይ ኣመሪካ ኣፅዋር ብትኽክል እንታይ ከም ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ዘየለወሉ ቀጥታዊ ንፅፅር ምግባር ኣፀጋሚ እዩ" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ናብ ቅናት-መሬት ዝተልኣኸ ኣፅዋር ዘይልሙድ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ መነሓንሕታ ሩስያን ቻይናን ድማ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ፡ ናብ ጠፈር ዘነፃፀሩን ክትኩሱ ዝኽእሉን ኣፅዋራት ኣለወን።

ቦወን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ቻይና፡ ኣመሪካ ዕላዊ ንዝገበረቶ ሓበሬታ ብምንቃፍ፡ ኣብ ህዋ ንሕንሕ ኣፅዋር ኲናት ከይፍጠር ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ይነፅጐ።

"ኣመሪካ፡ ሩስያን፡ ቻይናን ህንድን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፀረ ሳትላይት ወይ ፀረ ናይ ጠፈር ኣፅዋር ኲናት ኣዳልየን እየን። ብተወሳኺ፡ ሩስያን ቻይናን ልዑል ዓቕሚ ኣፅዋር ክህልዎም ዝኽእሉ ብዙሓት ቴክኖሎጂታት ናብ ጠፈር ኣዋፊረን'የን" ብምባል ይውስኽ።

ብርግፅ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ጠፈር ዝተወጠኑ ምንቅስቓሳት ይገብራ ነይረን። ንሳትላይታት ምዕራባውያን ኣመና ቀሪበን ብምክትታል ወይ ብምፅጋዕ ዳህሳስ ከካይዳ ፀኒሐን።

ኣብ ለንደን ኪንግስ ኮሌጅ መምህር መፅናዕቲታት ምክልኻልን ድሕነትን ሩስያ ዝኾነ ዶክተር ሮድ ቶርነተን፡ "ብክልሰ ሓሳብ ደረጃ፡ እዘን ናይ ዳህሳስ ሳትላይታት ምስ ካልኦት ሳትላይታት ብቀጥታ ብምግጫው ወይ ካብ ቅናት-መሬት ብምፍንቓል 'ሃዲነን ዝቐትላ' ክበሃላ ይኽእላ እየን" ይብል፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት።

ቦወን ብወገኑ፡ ቻይና "ኣብ ንሕንሕ ጠፈር፡ ዓቕሚ ከም ዘለዋ" ከም ዘርኣየት ብምግላፅ፡ እዚ፡ ንኣብነት ኣብ ጠፈር ዝተገደፉ ዘይጠቕሙ ነገራት ንምእላይ ወይ ኣብ ስራሕ ዘለዋ ሳትላይታት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ንምግባር ክውዕል ይኽእል እዩ ይብል።

እንተኾነ ገለ ናይ ጠፈር ኣፅዋራት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስብርባራት ( space junk) ናይ ምፍጣር ዓቕሚ'ውን ኣለዎም።

ጁሊያና ዙስ ብወገና፡ ብሰንኪ እቲ ፈተነ ዝተፈጠረ ፍርስራስ ሕጂ'ውን ኣብ ቅናት-መሬት ምህላዉ፡ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ትገልፅ።

"ጉድኣት ንምብፃሕ ናይ ግድን ዓብይ ቁራፅ ብረት ኣየድልን፣ ብዛዕባ እንዛረቦ ቅልጣፈ ቅናት-መሬት እንተሓሲብና፡ ንእሽተይ ቁራፅ ፕላስቲክ'ውን፡ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ይኽእል እዩ" ትብል።

ስግኣት ኒዩክለር

ቶርንተን ከም ዝብሎ፡ ሩስያ ኣብ ጠፈር ንዘለዋ ብዝሒ ሕፅረት ኣፅዋራት ኲናትን ሳትላይታትን፡ ብናይ ሚሳይል ዓቕማ ተከሓሕሶ እያ።

"ሩስያውያን... ናብ ጠፈር ተወንጪፎም ኣብቲ ዝተሓተ ቅናት-መሬት ንዝርከቡ ሳትላይታት ክወቕዑ ዝኽእሉ ኣብ መሬት ዝተተኸሉ ሚሳይላት ኣለዎም። ብተወሳኺ ኣዝየን ልዒለን ካብ ዝበርራ ነፈርቲ ዝውንጨፉ ፀረ-ሳትላይት ሚሳይላት ኣለዎም" ይብል።

"ብመንፅር ሩስያ፡ ኔቶ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ ብዙሕን ዝሐሹን ሳትላይታት ከም ዘለዎም'ዮም ዝጥምቱ። ስለዚ ሚዛን እቲ ኲናት ብኽፋል ንምስትኽኻል ክብሉ ኣብ ኣፅዋር ፀረ- ሳትላይት ብዙሕ ገንዘብ'ዮም ኣፍሲሶም።"

ቶርንተን፡ ካልእ ዘሻቕል ሓሳብ'ውን ይውስኽ፤ "ከም ናይ መወዳእታ ኣማራፂ፡ ሩስያውያን ኣፅዋር ኒዩኵለር ናብ ጠፈር ከወንጭፉ ይኽእሉ'ዮም። ብሰንኪ እዚ ዝፍጠር ፍንጀራ ኒዩኵለር ድማ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ንዘለዉ ንምክልኻል ዘይተዳለዉ ሳትላይታት ምሉእ ብምሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ክገብሮም ይኽእል'ዩ" ይብል።

ኣብ ጠፈር (ህዋ) ኲናት ናይ ምውላዕ ዕድል፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ መሬት ኲናት ኒዩኵለር እንተተወሊዑ ጥራይ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ቦወን፡ "ኣብ ጠፈር ንበይኑ ተነፂሉ ኲናት ክውላዕ ኣይኽእልን፡ ዋላ ሓደ ከየጋጥም ይኽእል'ዩ፤ ወይ ብዙሓት ነገራት ክኽሰቱ ይኽእሉ'ዮም" ይብል።

ኣብ ጠፈር ዝጥቀምሎም ኣፅዋራት ንነዊሕ እዋን ዝፀነሑ እንተድኣ ኰይኖም፡ ኣመሪካ ነዚ ምእዋጅ ወይ ኣብ ጠፈር ኣፅዋር ከም ዘለዋ ንምንታይ ኣብዚ እዋን ወግዓዊ ክትገብር ደልያ?

ሰብሞያ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ጉዳይ ሓድሽ ክስተት ዘይኰነስ፡ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ እዩ።

ቦወን፡ እዚ ስጕምቲ፡ ቻይና ተማዕብሎ ንዘላ ናይ ህዋ ተሳትፎን ዝተመዝገቡ ዕብየታትን ዝተውሃበ ምላሽ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ ይኣምን።

"ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ወተሃደራዊ ሓይላ ኣዝያ ዘመናዊ ገይራቶ እያ። ብዙሓት ተወሰኽቲ ወተሃደራዊ ሳትላይታት ናብ ጠፈር ኣዋፊራ'ያ። ከምኡ'ውን ንትኹረት ሰራዊት ኣመሪካ ዝስሕቡ ብዙሓት ሓደሽቲ ዒላማታት ፈጢራ'ያ" ይብል።

ብመንፅር እዚ፡ "ኣመሪካ ናይ ጠፈር ኣፅዋር ኲናት ናይ ምምዕባል ጥሙሕ ድሌት ኣለዋ። ምኽንያቱ ቻይና'ውን ልክዕ ከም ኣመሪካ ኣብ ጠፈር ዝተቐመጡ ስርዓታት ኣፅዋር ብብዝሒ ስለ ትጥቀም፡ ንተመሳሳሊ ስግኣት ተቓሊዓ'ያ" ብምባል ይገልፅ።

እዚ ኵነታት፡ ዝገርም ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ሚዛን ዝፈጠረ ይመስል።

ቶርንተን ከም ዝበሎ፡ ሩስያ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ናይ ጠፈር ኵናት "ቀንዲ ተዓዋቲት" ክትኸውን ትኽእል እያ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ብዝሒ ኣብ ጠፈር ዘለዋ ሳትላይት ምስ ኣመሪካን ቻይናን እንክነጻጸር ኣዝዩ ዝወሓደ ስለ ዝኾነ።

"ከምዚኦም ዓይነት ግጭታት፡ ናብ ጠፈር ብዝትኰሱ ሚሳይላት፣ ካልኦት ሳትላይታት ንምፍንቓል ወይ ንምጥፋእ ዓሊሞም ዝተነደፉ ተንቀሳቐስቲ ሳትላይታት፡ ከምኡ'ውን ካብ መሬት ብዝሰርሑ ስርዓታት ጨረር ክካየድ ይኽእል'ዩ" ይብል።