ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዘዘራርብ ዘሎ ደረት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ህጻናት

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ንወለዲ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሱ፡ ሰፊሕ ስግአት ኰይኑ ይርከብ።

መርዛም ትሕዝቶታት ወይ ድማ ወልፊ ከትሕዙ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ከብፀሑዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ሰፊሕ ከምዝዀነ ሰብ-ሞያ ይዛረቡ።

ሕብረት ኣውሮጳ ድሕነት ህጻናት ንምዕባይን ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሓደጋ ንምቕናስን ብምዕላም ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራቱ ንዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ንምድራት ሓድሽ መደብ ኣውፂኡ ኣሎ።

እቲ መደብ ቀስ ብቐስ ዝትግበር ኣገባብ ክህልዎን፡ ንትሕቲ 13 ዓመት ዛዕድሜኦም ድማ ክሳብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይጥቀሙ ምግዳብ ዝኸይድ እዩ።

እቶም ካብ 13 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሜኦም ድማ፣ ብ ኣፍልጦን ፍቃድን ወለዲ ወይ ኣላዩ ዝተዳለዉ "ንኡሳት ኣካውንት" (mini account) ተጠቒሞም ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ጥራይ ክጥቀሙ ክፍቀደሎም እዩ።

ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ መድረኻቶም ንህጻናት ውሑሳት ከምዝኾኑ ከረጋግጹ ክግደዱ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ሓላፊት ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ላየን ድማ፣ እቲ ስጉምቲ "ወለዲ እንደገና ኣብ ናይ ምምራሕን ቦቶኦም ክኾኑ ዝሕግዝ" እዩ ኢላ።

ንሳ፣ እቲ EU Kids Act [ደንቢ ህጻናት ሕብረት ኣውሮጳ] ዝተባህለ ሕጊ፣ ወለዲ ደቆም ኣብ ዝያዳ ውሑስ ዓለም ኦንላይን ንኸዓብዩ ሓጋዚ እዩ ትብል።

ቮን ደር ላየን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ "ብዙሓት ህጻናት ኣቐዲሞም ዘይተዳለዉሉ ናይ ኦንላይን ዓለም ይኣትዉ ኣለዉ፤ እዚ ማለት ኩሉ እቲ ዘስካሕኽሕ ፀርፍታት ንገዛኻ ክስዕበካ ይኽእል፣ ኩሉ ጌጋኻ ድማ ንዘልኣለም ክቕዳሕ ይኽእል" ብምባል ንዘለዎ ሓደገኛነት ኣስሚራትሉ።

እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ፣ 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ህጻናት ጥራይ ብስሞም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካውንት ክኸፍቱ ክፍቀደሎም እዩ።

ቮን ደር ላየን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ፓርላማ'ቲ ሕብረት ከምዝበለቶ፣ "ዕድመ ምድራት ማለት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ኣብ መድረኻቶም ዘሎ ትሕዝቶ ሓላፍነት ክህልዎም ከምዘይግባእ ዝገብር ማለት ኣይኮነን" ብምባል እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ፣ ኩባንያታት ዝርዝር መደብ ውሕስነት ህጻናት ከቕርቡ ክግደዱ ምዃኖም ተረድእ።

ወሲኻ'ውን "ንነፍሲ ወከፍ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ሰብ፣ እቶም መተግበሪታት ነቶም መሰረታውያን ናይ 'ድሕነት ከይዲታት' (safety by design) ክኽተሎም ብጥብቂ ክሰርሑ ኣለዎም።

ዝኾነ ናብ ወልፊ ዝወስድ ይኹን መርዛም ትሕዝቶን መጻወድያን ክህልዉ የብሎምን" ኢላ።

እቲ ሓሳብ ዕድመ ንምርግጋጽ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቐዲሙ ዝጥቀመሉ ናይ ዕድመ መረጋገጺ መተግበሪ ክጥቀም እዩ ዝውከስ።

ቮን ደር ላየን ቅድሚ ሕጂ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ንህጻናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምጥቃም "ንምድንጓይ" ዝምልከት ሓሳብ ኣቕሪባ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ብዕሊ ብ ሓሙስ ተገሊጹ፣ ብቐዳም እውን ኣብ ዓመታዊ መደረ ቮን ደር ላየን ተጠቒሱ ነይሩ።

ከም ፈረንሳን ስጳኛን ዝርከባአን ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት'ውን፡ ንህጻናት ማሕበራዊ ሚድያ ንምድራት ናይ ባዕለን መደባት ኣውጺአን እየን።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕጊ እንተጸዲቑ ግን፡ ነቶም ዝፀንሑ ናይ ነፍስወከፍ ሃገራት መደባት ክትክእ ይኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣባላት ሃገራት ግን ካብቲ ናይ ሕብረት ሕጊ ዝያዳ ጥብቂ ስጉምቲ ክወስዳ ይኽእላ እየን።

እቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ስጉምቲ ብትኽክል ኣየኖት መተግበሪታት ዓላማ ከምዝገብር ንጹር'ኳ እንተዘይኮነ፡ ቮን ደር ላየን ግን፣ እቲ ኮሚሽን ነቲ መደብ ኣብ ምድላው ኣውስትራልያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብነት ከምዝረኣየ ገሊጻ።

ከም በዓል ኢንስታግራም፣ ስናፕሻትን ቲክቶክን ዝኣመሰሉ መተግበሪታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ፡ ንትሕቲ 16 ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ተኸልኪሎም'ኳ እንተነበሩ፡ ዛጊት እቲ እገዳ ኣብ ኣውስትራልያ ንምትግባሩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ። ።

ገለ መጽናዕቲ ብዙሓት ትሕቲ 16 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ገና ኣብቶም መተግበሪታት ከምዘለዉ እዩ ዝሕብር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም እውን፡ እገዳ ንትሕቲ 16 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክጅምር ተዳልዩ ኣሎ።