እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣብ ልዑላውነትን ጸጥታን ዘለወን ሓባራዊ ደገፍ ኣረጋጊጸን
መራሒ ወተሃደራዊ ባይቶ ልዑላውነት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ብተለፎን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ልዑላውነትን ቀጣናዊ ጸጥታን ዘለወን ሓባራዊ ደገፍ ኣረጋጊጸን።
ኣብዚ ዝተገብረ ዘተ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ብትሪ ብምዅናን፡ ሪያድ ዶባታ ንምሕላው ዝወሰደቶ ጸጥታዊ ስጕምቲ ደገፉ ገሊጹ።
ምስ ኢራን ምሕዝነት ዘለዎም ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ባሕራዊ ዕጽዋ ምእዋጆም ስዒቡ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ብድሮናትን ባሊስቲክ ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ መሬትን መራኽብን ስዑዲ ዝዓለመ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም።
ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንኽልተአን ሃገራት ስትራተጅያዊ ህልውና ኰይኑ፡ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ ግዝያዊት ርእሰ-ከተማ መንግስቲ ሱዳን ኰይና ተገልግል ኣላ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ደገፍ ኣልቡርሃን ነቲ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዘመተ ምስ ስዑዲ ብምዃን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ብምልኣኽ ዝወሰደቶ ታሪኻዊ ፍጻመ ዘዘኻኽር እዩ።
ወራሲ ዓራትን ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብወገኑ፡ ሃገሩ ንልዑላውነትን ምሉእ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርጋእን ንምምላስ፡ ኵለመዳያዊ ቍጠባዊ ልምዓት ንምስጓምን ኵሎም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሃገሩ ከም እትድግፍ ገሊጹ ነይሩ።
ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣመሪካ ብምዃን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ኣብ ጅዳ ተኸታታሊ ዘተታት ሰላም ከተአንግድ ዝጸንሐት ኰይና፡ ነቲ ብሰራዊት ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ከም ሕጋዊ ብዓል-መዚ ብምውሳድ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ደገፋ ክትህብ ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጐድኒ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ እተን 'ኳድ' ብዝብል ዝፍለጣ ሃገራት—ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን—ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዘካየድኦ ናይ ምኒስተራት ኣኼባ፡ ሪያድ ንልዑላውነትን ሃገራዊ ትካላትን ሱዳን ዝሕሉ ጽኑዕ መርገጺ ኣንጸባሪቓ ነይራ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ልኡል ፈይሰል ቢን ፈርሓን፡ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ሰላም ኣብ ውዕል ጅዳ ዝተመርኰሰ ክኸውን፡ ተዅሲ ብቕልጡፍ ደው ክብል፡ ከምኡ'ውን እቲ ፖለቲካዊ ፍታሕ ብባዕሎም ሱዳናውያን ዝምራሕን ንትካላት ሃገር ዘየፍርስን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ ነይሩ።
ስዑዲ ኣብቲ ኣኼባ፡ ንሓድነት ሱዳን ዘዳኽም ግዳማዊ ጸቕጢ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ፡ ንወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ዘግልል ዝዀነ ይዅን ናይ ደገ ኣጀንዳ ከም ዘይትድግፍ ብንጹር ኣፍሊጣ እያ።
እዚ ናይ ተለፎን ዘተ ዝካየድ ዘሎ፡ ካርቱም ተሃዋሲ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን እዩ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ቴህራን ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምሕዳስ፡ ኣብቲ ኲናት ዝሕግዝዎ ደገፍ ድሮናት ከም ዝረኸበ ተገሊጹ ነይሩ።
ይዅን`ምበር፡ ዕጡቓት ሑቲ ብኢራን ዝድገፉ ብምዃኖም፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ንመጥቃዕቲ ሑቲ ብትሪ ብምዅናን ምስ ሪያድ ዘለዎ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንምዕቃብ ጥንቁቕ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ወሲዱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምሕየዲን ሳሊም፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊኣ ዝጻዓን ግዳማዊ ኣጀንዳታት ከም ዘይትቕበልን ዝዀነ ይዅን ባዕዳዊ ምትእትታው ቅቡል ከም ዘይኰነን ኣስሚርሉ ነይሩ።
መንግስቲ ሱዳን ንገለ ዞባውያን ሓይልታት ንዕጡቓት 'ዳዕመ-ሰሪዕ' ብገንዘብን ኣጽዋርን ይድግፉ ኣለዋ ብምባል ክኸስስ ምጽናሑ ድማ ይፍለጥ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት፡ ነታ ሃገር ናብ ጐደና ቍጠባዊ ዕንወትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከም እትወድቕ ገይሩ እዩ።
እዚ ግጭት'ዚ ንኣሽሓት ዜጋታት ንሞትን መቝሰልትን ክቃልዕ እንከሎ፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።