እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ኣንጻር ኬንያ፡ ናይ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ገፊሕ ዓወት ይድገምዶ ይኸውን?
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣፍኮን 2027 ኣንጻር ኬንያ ንምግጣም፡ ሎሚ 26 መስከረም 2026 ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ኒያዮ ናብ ሜዳ ክትወርድ እያ።
ነዚ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ግብጻዊ ሓሽም ያካኒን ሓያሎ ተጻወትትን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ጽቡቕ ውጽኢት ንምምዝጋብ ምሉእ ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዝተኻየደ ዘተ፡ መብዛሕትኡ ጠመተ ኣብ ሓደሽቲ ተጻወትቲ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ምስዋር ተጻወትትን ትጽቢት ናይቲ ጸወታን ዘተኰረ ነይሩ።
ኤርትራ ኣብዚ መጻረዪ ውድድር፡ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን ዝኣመሰላ ሓያላት ሃገራት እያ ተመዲባ ዘላ።
ኬንያ ምስ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ኣአንጋዲት ሃገር ናይ ኣፍኮን 2027 ብምዃና፡ ኣቐዲማ ብቐጥታ ናብቲ ውድድር ሓሊፋ እያ። እዚ ማለት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ (ሃራምበ ስታርስ) ኣብዚ ጸወታ ናይ ምሕላፍ ጸቕጢ የብላን።
እዚ ንኤርትራ ብልጫ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሕቶ ንኣሰልጣኒ ያካኒ ቀሪቡሉ ነይሩ። ንሱ ግና ንኣንጻሮም ጋንታ ፈጺሞም ከም ዘየቕልሉዋን ነቲ ጸወታ ብምሉእ ቈራጽነት ከም ዝገጥምዎን ኣረዲኡ።
ሓዳስን ብፕሮፌሽናላት ዝደመቐትን ጋንታ
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 14 ክሳብ 15 ሓደሽቲ ተጻወትቲ ሓቚፋ ኣላ። እዚ ሓድሽ ስጕምቲ፡ ንመጻኢ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ዓቢ ተስፋ ዘንብር ምዃኑ እቲ ኣሰልጣኒ ይገልጽ።
ብዛዕባ ተራ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ካብ ጋዜጠኛ 'ቦክስ ቱ ቦክስ' ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ያካኒ "ኣብ ጋንታና ፍሉያት ዝዀኑ ሓያሎ ተጻወትቲ ኣለዉና። ኵሎም ዳርጋ ኣብ ሊጋት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝጻወቱ እዮም፡" ኢሉ።
ሓደ ካብዞም ብሩህ ተስፋ ዝንበረሎም ተጻወትቲ፡ ወዲ 18 ዓመት ዝዀነን ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ኣካዳሚ መንእሰያት ኣያክስ ዝጻወትን ዮሴፍ ምስግና እዩ።
ዮሴፍ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ካብ ደገ ዝዕዘበና ሰብ ከም 'ጸሊም ፈረስ' (ዘይተጸበኻዮ ዓወት እተመዝግብ ጋንታ) ገይሩ ክወስደና ይኽእል እዩ፣ ንሕና ግን ዓቕምና ንፈልጥ ኢና። ካብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ዝመጻእና እኳ እንተዀንና፡ ከም ሓንቲ ሃገር ብሓድነት ኢና እንጻወት ዘለና፡" ብምባል እታ ጋንታ ኣብ ሓድሽ ጐደና ዓወት ትስጕም ከም ዘላ ኣረዲኡ።
ዮሴፍ ወሲኹ፡ "ኣብ ልዕሌና ዝዀነ ጸቕጢ የሎን። ንሃገርና ብምጽዋትና ንሕበን ኢና። ኣብ ሆላንድ ዝጻወተሉ ሊግ ዓቢ ብምዃኑ፡ እቲ ኣገባብ ጸወታ ምስ ናይ ኣፍሪቃ ዝተፈልየ እኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ዝረኸብኩዎ ተመኵሮ ብዙሕ ናብዚ ከምጽእ ትጽቢት ኣለኒ፡" ክብል ብምትእምማን ተዛሪቡ።
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ትጽቢት ጋዜጠኛታትን
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ዘዘኻኽር ነይሩ። ጋዜጠኛ ማርቲን ዋንጁሂ ካብ 'ስፖርት ዋን'፡ ነቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት (2019) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ ዝነበረ ውጽኢት ብምዝካር ንኣሰልጣኒ ያካኒ ሓቲትዎ።
ኣብቲ እዋን ኤርትራ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ንኬንያ 4 ብ 1 ብምስዓር ከም ዘስንበደታ ዝገለጸ እቲ ጋዜጠኛ፡ "ሕጂ'ውን ከምኡ ዓይነት ዘሰንብድ ውጽኢት ክንርኢ ተስፋዶ ኣለና?" ክብል ሓቲቱ።
ሓሽም ያካኒ ብወገኑ፡ "ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ሓንቲ ኣዝያ ጽብቕትን ክብርትን ጋንታ ክትርእዩ ኢኹም፣ ኵሉ ተጻዋታይ ኣብ ልዑል ደረጃ እዩ ዘሎ፡" ብምባል እወታዊ ምላሽ ሂቡ።
ብተመሳሳሊ፡ ንኣብ ምጥቃዕ ዘድሃበ ስልቲ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛ ካውሳር ንዝቐረበ ሕቶ፡ እታ ጋንታ ሎሚ'ውን ብተመሳሳሊ ንምርኣዩ ዝማርኽ ጸወታ ክትክተል ምዃና ኣብርሂ።
ሓላዊ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ዮናታን ስልጣን በዚ መዳይ ርእይቶኡ ክህብ ከሎ፡ "ታሪኽ ሃገርና ንፈልጥ ኢና። ንነዊሕ እዋን ካብ ውድድራት ርሒቕና ጸኒሕና። እንተዀነ ኣብ መጋቢት ዘርኣናዮ ብቕዓት ደጊምና፡ ኣብቲ ክንበጽሖ ዝግብኣና ቦታ ምህላውና ዓቢ ነገር እዩ።
ሎሚ ኣንጻር ኬንያ እንገብሮ ጸወታ ቀሊል ክኸውን ትጽቢት የብልናን፣ ስለዚ 100 ሚእታዊት ዓቕምና ኣውጺእና ንዓወት ክንሰርሕ ኢና፡" ክብል ቈራጽነት እታ ጋንታ ኣረጋጊጹ።
ብድሆታት ምስዋር ተጻወትትን ምላሽ ኣሰልጣንን
ኣብቲ ዘተ ዝተላዕለ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ ብዛዕባ እቶም ድሕሪ ጸወታ ኤስዋቲኒ ዝጠፍኡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ዝምልከት ብጋዜጠኛ ኣይቪ ዝቐረበ ሕቶ እዩ።
ከም ዝዝከር፡ ኤርትራ ኣብ ቅድመ መጻረዪ ንኤስዋቲኒ ብድምር 4 ብ 1 ብምርታዕ እኳ እንተ ሓለፈት፡ ድሕሪ እቲ ጸወታ ሸውዓተ ኣባላት እታ ጋንታ ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዕቝባ ሓቲቶም እዮም።
እታ ብጠቕላላ 24 ተጻወትቲ ሒዛ ዝገሸት ጋንታ፡ ካብቶም 10 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጻወቱ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ሰለስተ ጥራይ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይፍለጥ።
ዛጊት ምኒስትሪ ስፖርት ይዅን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን ጸኒሖም። እዚ ድማ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ንኣስታት 80 ኣባላት ስፖርት ኤርትራ ዝደረኸ ምስዋር ኰይኑ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ንዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ከም እትርሕቕ ገይሩ እዩ።
ነዚ ዓቢ ብድሆ እዚ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣሰልጣኒ ሓሽም ያካኒ እቲ ኵነታት ብርግጽ ስንባደ ዝፈጠረ ምዃኑ ኣይሓብአን። እንተዀነ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓዳስ ጋንታ ምህናጽ ከም ዝተኻእለ ኣረዲኡ።
"ኣብ ትሕቲ 4 ወይ 5 መዓልታት ሓንቲ ክብረት እትህበናን ኣብ ልዑል ደረጃ እትርከብን ጋንታ ከነቚውም ክኢልና ኢና፡" ብምባል፡ እቶም ሕጂ ዘለዉ ተጻወትቲ ዘለዎም እዙዝነትን ብስርዓት ናይ ምኻድ ባህርን ንኢዱ።
ተጻዋታይ ዮናታን ስልጣን'ውን ብዛዕባ እዚ ብድሆ ክዛረብ ከሎ፡ "ካብ ጋንታ ዝወጽኡን ዝኣትዉን ተጻወትቲ ምህላዎም ኣየሻቕለናን እዩ። ኣተኵሮና ኣብቲ ክንገብሮ ዘለና ዕማም ጥራይ እዩ፡" ብምባል ድስኩል መንፈስ ከም ዘይብሎም ኣነጺሩ።
ትጽቢት ተዓዘብትን ቀጻሊ ጕዕዞን
እቲ ኣስታት 30,000 ተዓዘብቲ ክሕዝ ዝኽእል ስታድዩም ኒያዮ፡ ብኤርትራውያን ደገፍቲ ብብዝሒ ተረኺቦም ደገፎም ክህቡ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ናይሮቢ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዩትዩበርን ጋዜጠኛን ነጋ ወልደግዮርግስ፡ ብዛዕባ ተራ ደገፍቲ ኤርትራ ኣብ ዘልዓሎ ሕቶ፡ ኣፈኛ እታ ጋንታ ዝዀነ ያሬድ ተስፋይ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኩዕሶ እግሪ ንኤርትራውያን ኣብ ስደት ዘለዉ ዝጥርንፍን ተስፋ ዝህብን ዓቢ ዘይርአ ሓይሊ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትማሊ ድሕሪ-ቐትሪ ኣብቲ ስታድዩም ናይ መወዳእታ ልምምዳ ብዕዉት ዛዚማ እያ።
ሎሚ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ዝካየድ ጸወታ፡ ኣብቲ ልሙድ ማእከላይ ሙቐትን ጽቡቕን ኵነታት ኣየር ናይሮቢ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።
ይዅን'ምበር፡ ጕዕዞ እታ ጋንታ ኣብ ኬንያ ጥራይ ኣይከብቅዕን እዩ፤ ድሕሪ እዚ ጸወታ ኣርባዕተ መዓልታት ነታ ሓያል ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምግጣም እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ከተካይዶ ዝነበራ ጸወታ ብሰንኪ ዘይብቕዓት ስታድዮማታ ናብ ካይሮ ግብጺ ክትጓዓዝ እያ።