ሽልማት መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም 2023

ጄሰን ሙር - ኣብ ፐርዝ፡ ኣውስትራልያ
መግለጺ ስእሊ, ጄሰን ሙር - ኣብ ፐርዝ፡ ኣውስትራልያ
Published

መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2023 ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኻይዱ፤ ተዓወትቲ እውን ሽልማቶም ተቐቢሎም ኣለዉ።

ካብ 85 ሃገራት ዝመጹ ፕሮፌሽናላትን ኣማተርን ሰኣልቲ ከምኡ’ውን 5300 ኣሳእልን ኣብቲ ውድድር ተሳቲፎም እዮም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ምድብ ዝተዓወቱን ገለ ካብቶም ሕሩያት ኣሳእልን ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ሓፈሻዊ ተሸላሚት

እዛ ‘ኤር ጊታር ሩ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃባ ስእሊ፡ ሓፈሻዊ ተዓዋቲት ከምኡ’ውን ኣብ ምድብ ፍጥረታት ምድሪ ተሸላሚት ብምዃን ድርብ ዓወት ረኺባ።

"ከም ንቡር ካንጋሩ ብመጠኑ ዘይንጡፍ ዋላ'ውን ቁሩብ ዘሰልችው ከምዝዀነ ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን" ይብል ሰኣሊኣ ጄሰን ሙር። "እንተዀነ ግን እዚ ካንጋሩ ኣብ ኣየር ጊታር ክጻወት ምስ ረኣኹዎ፡ ብኡንብኡ ፍሽኽ ኢለ፤ ብሓቂ ፍሉይ ነገር ከም ዝሰኣልኩ ድማ ፈሊጠ።"

ድርብ ዓወት

ጃሴክ ስታንኪች - ኣብ ጫካ ቢያሎዊዛ፡ ቤላሩስ
መግለጺ ስእሊ, ጃሴክ ስታንኪች - ኣብ ጫካ ቢያሎዊዛ፡ ቤላሩስ

ካልእ ድርብ ዓወት ዝረኸበ መንእሰይ ሰኣላይ ጃሴክ ስታንኪች እዩ፤ ንሱ ኣብ ምድብ መንእሰያትን ኣብ መረፃ ህዝብ ክልተ ሽልማት ረኺቡ ኣሎ።

"ኣብ ጫካ ቢያሎቪየዛ ኣዕዋፍ እናረኣኹ እየ ስኢለያ። ሓንቲ ዑፍ ወለዳ ይምግብዋ ነይሮም፡ ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን እተን ኣዕዋፍ ዝካታዓ እየን ዝመስላ ነይረን" ይብል።

“መሓዙተይ ብኽልተ መንገዲ ተርጒሞሞ። 1 - ሓንቲ መትከኽ ዑፍ ምስ ወለዳ ትጨቛጮቕ፤ 2 - ሓንቲ ዑፍ ሓዋ ከምዝበደላ ንወለዳ ተቃጥር።”

ምድብ ፍጥረታት ማይ

ኦተር ኬውክ
መግለጺ ስእሊ, ኦተር ኬውክ

እዛ ትስዕስዕ ዘላ ትመስል ኦተር ኣብ ምድብ ፍጥረታት ማይ ተዓዊታ።

“እታ ኦተር እናዘለለት ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተንጠልጠለ ቆጽሊ ክትሕዝ ትፍትን ነይራ፤ ኣብ ዘይተለምደ ምዕላብ ድማ በዚ ሳዕስዒት ዝመስል ኣቃውማ ተዛዚሙ” ይብል ሰኣሊኣ ኦተር ኬውክ።

ምድብ ፍጥረታት ኣየር

ቪቶርዮ ሪቺ
መግለጺ ስእሊ, ቪቶርዮ ሪቺ

እዛ ኣብ ዘይዕውት ኣለሻ ዓሳ ዝተሰኣለት ዑፍ ኣብ ምድብ ፍጥረታት ኣየር ዝተዓወተት እያ።

ሰኣሊኣ ቪቶርዮ ሪቺ፡ እቲ ጻዕራ “ዘይተለምደን ዳርጋ ዘሕፍርን ናይ መወዳእታ ህሞት” ከምዝነበረ ይዛረብ።

ካልኦት ሕሩያት ኣሳእል

ጃክ ፖውላርድ - ኣብ ስፒትስበርገን፡ ኖርወይ
መግለጺ ስእሊ, ጃክ ፖውላርድ - ኣብ ስፒትስበርገን፡ ኖርወይ
ዛሂ ፊንከልስታይን
መግለጺ ስእሊ, ዛሂ ፊንከልስታይን
ኣለን ሆልምስ - ኣብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሚንስመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ
መግለጺ ስእሊ, ኣለን ሆልምስ - ኣብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሚንስመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ
ፖል ጎልድስታይን - ኣብ ማሳይ ማራ ኬንያ
መግለጺ ስእሊ, ፖል ጎልድስታይን - ኣብ ማሳይ ማራ ኬንያ
ብሪጂት ኣልካላይ ማርኮን - ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ክሩገር ደቡብ ኣፍሪቃ
መግለጺ ስእሊ, ብሪጂት ኣልካላይ ማርኮን - ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ክሩገር ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣድሪያን ስላዞክ - ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ
መግለጺ ስእሊ, ኣድሪያን ስላዞክ - ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ
ክርስቲያን ሃርጋሰር - ኣብ ማሳይ ማራ ኬንያ
መግለጺ ስእሊ, ክርስቲያን ሃርጋሰር - ኣብ ማሳይ ማራ ኬንያ
ቶማስ ቪጃያን - ኣብ ሃገራዊ ፓርክን ዕቃበን ካትማይ፡ ኣላስካ፡ ኣመሪካ
መግለጺ ስእሊ, ቶማስ ቪጃያን - ኣብ ሃገራዊ ፓርክን ዕቃበን ካትማይ፡ ኣላስካ፡ ኣመሪካ
ደልፊን ካሲሚር - ኣብ ባሊ
መግለጺ ስእሊ, ደልፊን ካሲሚር - ኣብ ባሊ
ላራ ማቲውስ - ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ
መግለጺ ስእሊ, ላራ ማቲውስ - ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ
ጆን ብሉመንካምፕ - ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ግራንድ ቴቶን፡ ኣመሪካ
መግለጺ ስእሊ, ጆን ብሉመንካምፕ - ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ግራንድ ቴቶን፡ ኣመሪካ
ኩራም ካን - ኣብ ደሴት ባርተር፡ ኣላስካ፡ ኣመሪካ
መግለጺ ስእሊ, ኩራም ካን - ኣብ ደሴት ባርተር፡ ኣላስካ፡ ኣመሪካ
ዞይ ኣሽዳውን - ኣብ ዮርክሻየር ዓባይ ብሪጣንያ
መግለጺ ስእሊ, ዞይ ኣሽዳውን - ኣብ ዮርክሻየር ዓባይ ብሪጣንያ

* ኵሎም ኣሳእል ካብ ሽልማት መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም 2023 ዝተረኸቡ እዮም።