‘ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ’- መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም

Published

ካብ ንሜሲ ዝወዳደር ተጻዋቲ ኩዕሶ ሊላ ክሳብ ዘምልስ ዓሳ፡ 10 ኣዛነይቲ ኣሳእል መሪጽናልኩም ኣለና። ተዓደሙ . . .

‘ኣለኻ'ዶ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣለኻ'ዶ?’ - ኣብ ካምቦድያ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ እናተጓዓዘ እንከሎ ነዞም ኣህባይ ከም ዝሰኣሎም ዝገልጽ ቪንቺ፡ “እቲ ሓደ ክከናኸን እንከሎ ዓርኩ ድማ ፍጹም ፍትሕ ኢሉ” ከም ዝረኸቦም ይዛረብ።
'ሜሲ? እንታዋይ’ዩ ሜሲ?'
መግለጺ ስእሊ, 'ሜሲ? እንታዋይ’ዩ ሜሲ?' - ነዘን ተኸታተልቲ ዝቐረባ ኣርባዕተ ኣሳእል "ሕልሚ ኩዕሶ እግሪ" ዝብለን ሰኣሊ ጂያ ቸን ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ከም ዝሰኣለን ይዛረብ።
'ሜሲ? እንታዋይ’ዩ ሜሲ?'
'ሜሲ? እንታዋይ’ዩ ሜሲ?'
'ሜሲ? እንታዋይ’ዩ ሜሲ?'
‘ምግፋፍ ዓሳ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ምግፋፍ ዓሳ’ - ዊለም ክሩገር ኣብ 2019 ኣብ ውድድር መስሓቕ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም ዘቕረባ’ያ።
‘ጥምቀተ ድቢ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ጥምቀተ ድቢ’ - ኣብ ውድድር ‘ዋይልድኣርት 2021’ ዝቐረበት እዛ ስእሊ ብኣሚት ኢሸል ኣብ ኣላስካ፡ ኣመሪካ’ያ ተሳኢላ።
‘በይኑ ዝበልዕ፡ በይኑ የምልስ’
መግለጺ ስእሊ, ‘በይኑ ዝበልዕ፡ በይኑ የምልስ’ - እዚ ‘ፒካሶ ትሪገርፊሽ’ ዝተበሃለ ዓሳ ኣብ ግብጺ’ዩ ተሳኢሉ። ክበልዖ ዝጸንሐ መርጀን ሓንቲ ከየትረፈ እናምለሰ እንከሎ ከም ዝሰኣሎ ፓውል ኢጅከማንስ ይገልጽ።
‘ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ’ - እዞም ስብቁላት ፐንጉን ኣብ ደሴት ፎክላንድ ዝተሰኣሉ’ዮም - ብጆሽዋ ጋሊኪ።
‘ፍሽኽ በሊ’
መግለጺ ስእሊ, 'ሓሳውን ስንቅንስንስያ እናሓደረ . . .’ - ኣሊሰን በቲጌግ፡ “እዛ ኣንበሳ ድሕሪ ምምብሃቕ ዘስሕቕ ኣጠማምታ ኣርእያትኒ፤ ከም ዕድል ንሓጺር እዋን ትኽ ኢላ ናብታ ካሜራይ ክትጥምት እንከላ 'ናይ ሓሶት ፍሽኽታኣ' ስኢለያ” ትብል።