‘ከተማ ይሓይሽ እንተበልናስ. . . ይገድድ’ - ኣዛነይቲ ኣሳእል እንስሳ ዘገዳም

Published

ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዝሰርሐ ሰብ፡ ‘ድኻም ወይ ጸቕጢ’ እንተተሰምዖ ዘይልሙድ ኣይኰነን።

ድኻም ወይ ጸቕጢ ክስመዓና እንከሎ ድማ ገለ መዛነዪ ክንረክብ ደስ ይብለና።

እነሆ ብዞም 10 ኣዛነይቲ ኣሳእል፡ ብዛዕባ መነባብሮ እንስሳታት ዘገዳም እናሓሰብና ድኻምና ኣፍኩስ ነብል።

‘መጥቃዕቲ ድሮን’
መግለጺ ስእሊ, ‘መጥቃዕቲ ድሮን’

ክሪስቶፈር ኮሎምቦስ ብ1494 ኣብ ካሪብያን ኣብ ዝገበሮ ጉዕዞ፡ ቀጠልያ ኣባ ጎብየታት ካብ ምብዝሖም ዝተለዓለ፡ መራኽቡ ዳርጋ ረጊጻቶም ደው ከም ዝበለት ይንገር። ሎሚ ግን እዞም እንስሳ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።

‘እንታይ’ያ ትዀን ዘላ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘እንታይ’ያ ትዀን ዘላ?’

ምጹጽላያት መብዛሕትኡ ግዜ ግዳይ ጉንጓ እዮም። እዚኣ ግን ኣብ ቅድሚ ሃደንታ፡ እሞ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝአን ምዝላላ፡ ነተን ጉንጓታት ዘደንጸወን ይመስል።

‘ኣደዋይ ገለ ዝብላዕ እንተለኪ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣደዋይ ገለ ዝብላዕ እንተለኪ?’

ኣብ ኣዕዋፍ፡ ኣደታት ንጫቚተን ካብ ኣፈን ምምጋብ ልሙድ’ኳ እንተዀነ ጫቚት ግን ክሳብ ጐሮሮ ኣዲኣ ኣትያ መግቢ ክትእልሽ ከላ፡ ማዕረ ክንደይ እንተጠመየት ክኸውን ይኽእል?

‘ናብ መረበትና ንመለስ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘ናብ መረበትና ንመለስ!’

ኣብ ወደብ ጎልድ ሃርበር ኣመሪካ፡ ፐንጉን ብሰልፊ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ብቤን ክራንከ ተሳኢሎም።

‘ከተማ ይሓይሽ እንተበልናስ . . .ይገድድ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ከተማ ይሓይሽ እንተበልናስ . . .ይገድድ’

ኣብ ከባቢኣ ብሰንኪ ዘሎ ጥሜት ናብ ከተማ ዝገዓዘት እዛ ጉንጓ፡ “ ኣብ መንጎ ጐሓፍ እውን ገለ ዝብላዕ ዝጠፍዓሉ ግዜ እዩ መጺኡ” ክትብል ንማዕከን ዜና 00 ኣብ ዝሓበቶ ቃል ገሊጻ። ኣብ ከተማ ዘሎ ዝምልከቶ አካል እውን ሓገዝ ክገብር ተማሕጺና።

‘እሞ ዘይንደራደር?’
መግለጺ ስእሊ, ‘እሞ ዘይንደራደር?’

እንታይ’ሞ ይገበር? እዚ ብኢርማ ስዛቦ ዝተሰኣለ ኮርሞራንት፡ ካርና ዝጠመየን ንምድርዳር ግዜ ዘለዎን ኣይመስልን።

‘ክበልዓ ክብላ ይብላዓ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ክበልዓ ክብላ ይብላዓ’

ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ መብዛሕትኦም እንስሳታት ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም’ዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት፡ እንተላይ እዚ ቀይሕ ወኻርያ፡ መግቢ ንምርካብ ካብቲ ንቡር ዝያዳ ሓደጋታት ይወስዱ - ገሊኦም ድማ ‘ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ’ ዘብል ኵነታት ይገጥሞም።

‘ሱር ቦቀስ ለውጢ እዚ ድዩ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሱር ቦቀስ ለውጢ እዚ ድዩ?’

ዝዀነ ይኹን ለውጢ ሓባራዊ ጻዕሪ ይሓትት። እዞም ዘደንቑ ጻጸ ኩሉ ግዜ ግድን ኣይቀትሉን’ዮም፤ ንገለ ሓሳኹ ካብ በላዕትን ጽግዕተኛታትን ይከላኸልዎም’ዮም። ንኣብነት ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጽማቝ ተኽልታት ዝመጥጡ ሓሳኹ ኰይኖም፡ ንሳቶም ዘውጽእዎ ምቁር ጽማቝ ንጻጸታት’ውን ይተርፍ’ዩ። ስለዚ እዞም ጻጸታት ኣብ ልዕሊ ‘ሊፍ ሃፕርስ’ ጉድኣት ከይበጽሕ ክከላኸሉ ተራእዮም’ዮም።

‘ወይስ እዚ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ወይስ እዚ?’

ክልተ ጻጸ ዝሞተ ንእሽቶ ሕንጅጅ ንምስካም ይተሓባበሩ፤ ኣብ ሞንተቨርደ ኮስታሪካ ብሮማን ዊሊ ተሳኢሎም።

‘ከምዚ’ውን ለውጢ ይህሉ’ዶ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ከምዚ’ውን ለውጢ ይህሉ’ዶ?’

ሓንቲ ግስላ ኣደ ኣብ ልዑል ቦታ ኰይና ግዳይ ክትእልሽ ከላ፡ ጻወታ ዝፈቱ ኩርኩር ወዳ ድማ ንኣዲኡ ከምስል ይፍትን። ኣብ ሓደ እዋን ዳርጋ ክሳብ ዝጠፍኡ ዝተሃደኑ ግስላታት፡ ሳላ ፍሉይ ስጉምትታት ምክልኻል ናብ ንቡር እናተመልሱ ይርከቡ።