ብስእልታት ዝተሰነዩ መዛነዪ ሓቅታት ሓራምዝ

‘ሰላምታ ብቴስታ’ ኣብ ቺያን ማይ፡ ታይላንድ ብዴቪድ ማክማስተርስ ዝተሰኣሉ እዮም።
መግለጺ ስእሊ, ‘ሰላምታ ብቴስታ’ - ኣብ ቺያን ማይ፡ ታይላንድ ብዴቪድ ማክማስተርስ ዝተሰኣሉ እዮም።
Published

ትማሊ ቀዳም 12 ነሓሰ 2023 ዓለማዊ መዓልቲ ሓርማዝ እዩ ነይሩ።

ዓለማዊ መዓልቲ ሓርማዝ ንፈለማ እዋን ብ12 ነሓሰ 2012 እዩ ተጀሚሩ።

ሓራምዝ ኤስያን ኣፍሪቃን ትኹረት ክረኽቡ ብምግባር ካብ ሓደጋታት ንኽዕቀቡ ድማ ይሕግዝ።

ነዚ መዓልቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዘዛንዩ ስእልታትን ከምኡ'ውን ገለ ሓቅታትን ብዛዕባ ሓራምዝ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

‘ሰልፊ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሰልፊ!’

ወዲ 22 ዓመት ክርስቲያን ለ ብላንክ ንሓደ ሓርማዝ እናመገበ እንከሎ፡ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጋጢምዎ።

"ባናና ቀልጢፈ ወዲአ፡ እቲ ሓርማዝ ድማ ብቕልጡፍ ጎፕሮ ካሜራይ ሒዝዋ። ዕድለኛ ኮይነ ኣብ ቀጻሊ ቀረጻ ስለዝነበረት እቲ ሓርማዝ ዝገበሮ ነገር ተቐሪጹ" ይብል።

‘ሚስጥር እዩ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሚስጥር እዩ’

ኣብ ዝተፈላለዩ ቪድዮታትን ፊልምን ሓርማዝ ፉል ክበልዕ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቲ ሓቂ ግን፡ መብዛሕትኦም ሓራምዝ ፉል ኣይበልዑን - ኣይፈትዉን።

‘ሓርማዝስያ መዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሓርማዝስያ መዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ’
ሓርማዝ ኣብ ጭቃ
ሓርማዝ ኣብ ጭቃ
ሓርማዝ ኣብ ጭቃ

እዘን ተኸታታሊ ኣርባዕተ ስእልታት ኣብ ውድድር መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም 2021 ዝተዓወታ ኰይነን ብቪኪ ጃውሮን ዝተሰኣላ እየን።

ኣብ ጭቃ ምግልባጥ ንሓራምዝ ዘዘናግዕ ክመስለና ይኽእል’ዩ፤ ሃራምዝ ውሑድ ጸጉር ስለዘለዎም፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ጸሓይ ኣፍሪቃ ክዝሕሉ ይጽገሙ እዮም። ስለዚ እቲ ጭቃ የዝሕሎም ጥራይ ዘይኰነስ ሓሳኹ ከይነኽስዎም’ውን ይከላኸለሎም’ዩ።

'ጽንዓት ይሃብኩም'
መግለጺ ስእሊ, 'ጽንዓት ይሃብኩም'

ሓራምዝ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስምዒታት ከም ዘርእዩን ዋላ’ውን ከም ዝሓዝኑን ዝሕብር ብዙሕ መርትዖ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ሬሳታት ኣዝማዶም ደው ኢሎም ክበኽዩ ዝተረኣዩሉ ኣጋጣሚ ሒደት ኣይኰነን።

‘ካብ ምህሮስ ኣእምሮ’ - ሓራምዝ ኣዝዩ ልዑል ናይ ምዝካር ክእለት ኣለዎም።
መግለጺ ስእሊ, ‘ካብ ምህሮስ ኣእምሮ’ - ሓራምዝ ኣዝዩ ልዑል ናይ ምዝካር ክእለት ኣለዎም።
‘ሰበይቲ ዝመርሐቶ ሞት ኣይፈርሕን’ - ሓራምዝ ብደቂ ኣንስትዮ እዮም ዝምርሑ።
መግለጺ ስእሊ, ‘ሰበይቲ ዝመርሐቶ ሞት ኣይፈርሕን’ - ሓራምዝ ብጓል ኣንስተይቲ እዮም ዝምርሑ።
‘ኣጽልልኒ ማማ’ - ኣብ ስሪላንካ ዝተሰኣላ ኣደን ውላድን ሓራምዝ።
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣጽልልኒ ማማ’ - ኣብ ስሪላንካ ዝተሰኣላ ኣደን ውላድን ሓራምዝ።
‘ኣነኸ?’ ብፓንኪል ዴሳይ ኣብ ህንዲ ዝተሰኣላ ኣደን ውላድን ሓራምዝ።
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣነኸ?’ - ብፓንኪል ዴሳይ ኣብ ህንዲ ዝተሰኣላ ኣደን ውላድን ሓራምዝ።
‘ኣብ ላዕላይ መንደር እንታይ ይውረ ኣሎ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ላዕላይ መንደር እንታይ ይውረ ኣሎ?’

ሓራምዝ ኣብ መስትያት ንነብሶም ከለልዩ ከም ዝኽእሉ ትፈልጡዶ?

ሳይንቲስት፡ እዚ ናይ ዝዓበየ ርእሰ-ንቕሓት ምልክት ምዃኑ ይኣምኑ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ሓንቲ ሃፒ ዝተባህለት ኤስያዊት ሓርማዝ፡ ኣብ መስትያት እናጠመተት ኣብ ግንባራ ዝተቐብአ ‘X’ ብተደጋጋሚ ተንኪፋ፡ እዚ ድማ ንናይ ገዛእ ርእሳ ነጸብራቕ ትጥምት ከም ዘላ ከም እትፈልጥ ዘመልክት እዩ።

መብዛሕትኦም እንስሳታት ነጸብራቕ ካልእ እንስሳ ስለዝመስሎም ብድሕሪ እቲ መስትያት ክደልይዎ ይፍትኑ’ዮም።

‘ደቂስኪ ድኺ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ደቂስኪ ድኺ?’

ተመራመርቲ ኣብ በረኻ ዝርከቡ ሓራምዝ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰዓታት ከም ዝድቅሱ ኣረጋጊጾም። ብተወሳኺ ብዘይ ዝዀነ ድቃስ ዳርጋ ክልተ መዓልቲ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም!

በጽሒታት
መግለጺ ስእሊ, በጽሒታት

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ተባዕትዮ ሓራምዝ ብሆርሞናት ምፍራይ ይዕለቕለቑ።

እዚ እዋን ‘ሙስት’ ብዝብል ዝጽዋዕ ኰይኑ ‘ሰኺሩ’ ዝብል ትርጉም ዝህብን ብባህርያት ዓመጽ ዝተሰነየን እዩ።