ሱዳን፡ ሆስፒታላት ኣል-ፋሸር ብዳዕመ-ሰሪዕ ብደይመደይ ከም ዝዓነዋ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ካብ ግንቦት 2024 ክሳብ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ እዋን ከበባን ናይ መወዳእታ ምቍጽጻር ኣል-ፋሸር - ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር፡ ንሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዒላማ ከም ዝገበሩወን ዘርኢ መርትዖታት መርመራ ቢቢሲ ረኺቡ።

እቲ ርኽበታት፡ ምስ ሓካይም፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ከባቢያውያን ምንጭታትን ብዝተገብረ ቃለ-መሕትት ዝተመርኰሰ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ 17 ኣዋርሕ ከበባ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ሕክምናዊ ትካላትን እንተወሓደ 43 መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ። ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ሕክምናዊ ትካላትን ሰራሕተኛታትን ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ግጭት ዕቝባ ይግበረሎም እዩ።

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ነቲ ርኽበታት "ኣዝዩ ዘሻቕል" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ክንክን ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግን ምናልባት እውን ገበን ኲናትን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉዎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

ኣብቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝድገፍ ምምሕዳር ዝርከቡ ሓለፍቲ ንቢቢሲ ከም ዝነገርዎ፡ እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን ንስም ናይቲ ጕጅለ ንምጽላም ዝተዳለወን እዩ ኢሎም።

እቲ መርመራ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝወረደ ከቢድ ጉድኣት እውን የጕልሕ እዩ። መረዳእታታት ቢቢሲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ምያዝያ 2023 ክሳብ ጥቅምቲ 2025፡ ኣብ ውሽጥን ከባቢን ኣል-ፋሸር እንተወሓደ 55 ሰብሞያ ሕክምና ተቐቲሎም፣ 120 ቆሲሎም፣ 10 ድማ ተጨውዮም ወይ ብግዲ ተሰዊሮም።

ኣብታ ከተማ ንዝተረፉ ሓካይም፡ እቲ መጥቃዕትታት ዝተወደበ ይመስል ነይሩ።

ኣብ ምሉእ እዋን እቲ ከበባ ኣብ ኣል-ፋሸር ዝሰርሐ ሓኪም መጥባሕቲ ዶክተር መሓመድ ሱሌማን፡ "ስርዓት ጥዕና ናይ ዝዀነት ከተማ እምነ-ዅርናዕ እዩ፣ እቲ መጥቃዕትታት ብርቱዕ፣ ኮነ ተባሂሉን ብውጥንን ዝተገብረ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

እዚ ርኽበታት ዝመጽእ ዘሎ፡ ሓደ ካብቶም ብምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝጀመረ ዝኸፍአ ምዕራፋት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝዀነት ከተማ ኣል-ፋሸር ኣብ ኢድ እቶም ሓልታት ድሕሪ ምውዳቓ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ክስታት እኳ እንተቐረበሎም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ኣብ ኣል-ፋሸር ዘጋጠመ ፍጻመታት ሓደ ካብቲ ኲናት ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሕደሮ ጽልዋ ዘርኢ እቲ ዝነጸረ ኣብነት እዩ ኢሉዎ።

ሆስፒታላት ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ

ኣብ 2024 ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ኲናት ምስ ሓየለ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣል-ፋሸር ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣቐዲሙ ተዳኺሙ ነይሩ እዩ።

ሆስፒታል መሰልጠኒ ሓኻይም፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሕክምናዊ ማእከላት እታ ከተማ ኰይኑ፡ ጥቓ ንጡፍ ግምባራት ኲናት ብምንባሩ ስርሑ ጠጠው ከብል ተገዲዱ ነይሩ።

ኣገልግሎታቱ ድማ ናብ ሆስፒታል ደቡብ ተሰጋጊሩ። እዚ ሆስፒታል እዚ ዋላ እኳ ድሩት ሕጽረት መድሃኒት፣ ኤሌክትሪክን ነዳድን እንተነበሮ፣ ናይታ ከተማ ቀንዲ ትካል መብጣሕቲ ኰይኑ ነይሩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብግንቦት 2024 ኣብ ልዕሊ ኣል-ፋሸር መጥቃዕቱ ምስ ጀመረ ግን እዚ ኵነታት ተቐይሩ።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብታ ከተማ እናገስገሱ ምስ ከዱ፡ ሆስፒታል ደቡብ ብተደጋጋሚ ብከበድቲ ኣጽዋር ከም ዝተሃርመ ሓካይም ይገልጹ። ሰራሕተኛታት ሕክምና ኵነታት እናገደደ እኳ እንተኸደ ንዝቘሰሉ ምሕካም ቀጺሎም፣ እቲ መጥቃዕትታት ግን ብ8 ሰነ - ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ምስ ኣተው - ተጋዲዱ።

ብመሰረት ቃል መሰኻኽር፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ትካል ምስ ኣተው ሰራሕተኛታት ብድሕሪት መንደቕ ናይቲ ሆስፒታል ዘሊሎም ሃዲሞም።

ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ሓኪም መጥባሕቲ ዒዘልዲን ኣሕመድ ዳውድ ኣሶው፡ ተቐጥቂጡ ዓሌታዊ ጸርፊ በጺሕዎን ዝሞተ መሲሉ ብምድቃስ ከም ዝደሓነ ገሊጹ።

ጸኒሑ ምስ ተመልሰ፡ ገለ ክፋል እቲ ሆስፒታል ከም ዝዓነወ፣ መሳርሒታት ከም ዝዓነወን ሓያሎ ሕሙማት ከም ዝተቐተሉን ረኺቡ።

ስዒቡ ሆስፒታል ደቡብ ስርሑ ኣቋሪጹ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ወዲቑ።

ኣካታዒ ክስታት እቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝድገፍ ምምሕዳር፡ እቲ ሆስፒታል ንወተሃደራዊ ዕላማ ይውዕል ስለ ዝነበረ ዕቝባኡ ስኢኑ እዩ ዝብል መከራኸሪ የቕርብ።

ምኒስተር ጥዕና ዶክተር ኣላእ ኣ'ዲን ኑጉድ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ምስ ሰራዊት ዝወገኑ ሓይልታት ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ኰይኖም ይሰርሑ ነይሮም። እዚ ድማ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ከም መርትዖ ብምቕራብ ጠቒሱ።

ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሆስፒታላት ኣብ ልዕሊ ኣንጻር ሓይሊ ጐዳኢ ዝዀነ ተግባራት ንምፍጻም እንተ ውዒሎም ዕቝባኦም ክስእኑ ይኽእሉ እዮም።

ይዅን እምበር፡ ቢቢሲ ነዚ ክስታት ዝድግፍ ናጻ መርትዖ ኣይረኸበን። ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይም ነቲ ሆስፒታል ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ኰይኑ የገልግል ነይሩ ዝብል ክስታት ነጺጎምዎ፣ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ እውን ነቲ ክስታት ነጺጎምዎ።

መወዳእታ - ኣብ ሆስፒታል ስዑዲ

ድሕሪ ምዕጻው ሆስፒታል ደቡብ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ናብቲ ኣብ ምዕራብ ኣል-ፋሸር ዝርከብ መሕረሲ ሆስፒታል መሕረሲ - ስዑዲ ተሰጋጊሩ።

እዚ ትካል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይታ ከተማ ቀንዲ መወከሲ ሆስፒታልን፡ ነቶም ብኲናት ተዓጽዮም ዝነበሩ ሲቪላት ዘገልግል ሓደ ካብቶም ናይ መወዳእታ ማእከላትን ኰይኑ።

መጥቃዕትታት ዳርጋ ብኡንብኡ ከም ዝሓየለ ሓካይም ንቢቢሲ ነጊሮምዎ። ብተደጋጋሚ ደብዳብን መጥቃዕቲ ድሮናትን ከም ዘጋጠመ፣ ገለ መዓልትታት እውን ዓሰርተታት መጥቃዕትታት ከም ዝነበረ ገሊጾም።

ንኣሽቱ ክሊኒካትን ፍሉያት ትካላትን እውን ብተደጋጋሚ ተሃሪሞም። ድሕሪ ኣቐዲሙ ዝነበረ መጥቃዕትታት ቦታኦም ዝቐየሩ ሓያሎ ሆስፒታላት፡ ኣብቲ ሓድሽ ቦታኦም እውን እንደገና ከም ዝተሃርሙ ተሓቢሩ።

ሆስፒታል ቈልዑ ክልተ ግዜ ቦታ ክቕይር ተገዲዱ፤ ክልቲኡ እቲ ተተካኢ ቦታታት ድማ ጸኒሑ ብከበድቲ ኣጽዋር ተሃሪሙ። ማእከል ሕክምና ኵሊት እውን መጥቃዕቲ ወሪድዎ፤ ቦታ ቀይሩ ድማ እንደገና'ውን ተሃሪሙ።

እዚ ብተደጋጋሚ ዒላማ ምግባር፡ ትካላት ክንክን ጥዕና ብስርዓት ተለልዮምን መጥቃዕቲ ይፍጸመሎም ከም ዘሎን ዘእምን ከም ዝዀኖም ሰራሕተኛታት ሕክምና ገሊጾም።

ኣብ ትሕቲ ተዅሲ ኴንካ ምስራሕ፡ ኵነታት እናገደደ ምስ ከደ፡ ሓካይም ነቲ ኣገልግሎት ንምቕጻል ዘኽእል ሜላታት ኣማ'ዕቢሎም።

ኣብ ዙርያ ህንጻታት ሆስፒታላት መካበብያታት ሑጻ ተሰሪሑ፣ ኮንተይነራትን ዝተገድፉ ህንጻታትን ብምጥቃም ድማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ መዕቈቢታትን ግዝያዊ ክፍልታት መጥባሕትን ተዳልዩ።

እዞም ትካላት ህጹጽ እዋን እውን ከይተረፉ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ በጺሕዎም እዩ።

ኣብ ጥቓኦም ቦምባታት እናተደርበየ እንከሎ መጥባሕቲ ከም ዝገበሩ ዶክተር ኣሶው ገሊጹ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ሕሙም ካብ ክፍሊ መብጣሕቲ ቅድሚ ምዕናዉ ንስክላ ብምውጻኡ ጥራይ ብህይወት ክድሕን ክኢሉ።

ሕኻይም፡ ቀጻሊ ሓደጋን እናወሓደ ዝኸይድ ጸጋታትን እናሃለወ ንኣማኢት ዝቘሰሉ ሲቪላት ምሕካም ቀጺሎም።

ክስታት መጥቃዕቲ ድሮን

ካብቶም ዝኸበዱ ክስታት፡ ድሮናት ንሕሙማትን ንሰራሕተኛታት ድሕነትን ዒላማ ገይረን ዝብል እዩ።

ኣብ መጋቢት 2025፡ ዝቘሰሉ ሕሙማት ተሰኪሞም ናብ ግዝያዊ ሕክምናዊ ቦታ ንዝኸዱ ዝነበሩ ሲቪላት ብድሮን ኣብ ዝተሃርመሉ፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ዶክተር ኣሶው ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ፍጻመ ድማ፡ ሕሙማት ናብ ኣማራጺ ክፍሊ መጥባሕቲ ዘጓዓዕዝ ዝነበረ ዓረብያ ኣድጊ ብድሮን ተሃሪሙ፤ ክልተ ሕሙማትን እቲ ዘዋራይን ተቐቲሎም ኢሉ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ነዚ ክስታት እዚ ብትሪ ይነጽጎ።

ዶክተር ኑጉድ ነቲ ጸብጻባት ሓሶት እዩ ብምባል ነጺግዎ። ነቶም መሰኻኽር ድማ ምስ ወተሃደራት ሱዳንን መሻርኽቶምን ዝወገኑ እዮም ክብል ከሲስዎም።

ውድቀት እታ ከተማ

ኣብ ጥቅምቲ 2025፡ ሆስፒታል ስዑዲ ኣብ ኣል-ፋሸር ዝተረፈ እንኮ ዝሰርሕ ዓቢ ትካል ጥዕና እዩ ነይሩ።

ቀጻሊ መጥቃዕትታት፣ ከቢድ ሕጽረታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ሞትን መጕዳእትን እናሃለወ ሓካይምን ወለንተኛታትን ሕሙማት ምሕካም ቀጺሎም።

እቲ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ዝመጸ፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ሆስፒታል ምስ ተቘጻጸርዎን ነታ ከተማ ምስ ሓዝዋን እዩ።

ነቲ ምቍጽጻር ስዒቡ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝነበሩ ልዕሊ 460 ሕሙማትን ኣዝማድን ከም ዝተቐተሉ ክስታት ቀሪቡ። ዳዕመ-ሰሪዕ ህልቂት ከም ዘጋጠመ ይነጽግ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ዝተነግረ ቅትለት ኰኒኑዎ። ብናጻ ተዓዘብቲ ዝተራእየ ምስልታት ሳተላይት ድማ ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ኵምራ ሬሳታት ዘርኢ ይመስል ነይሩ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ኣል-ፋሸር ሕጂ በቲ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝድገፍ ምምሕዳር ይከታተል ኣሎ። እዚ ምምሕዳር ድማ ሓያሎ ሆስፒታላት ዳግማይ ከም ዝተኸፍታን እንደገና ሕሙማት ይሕክማን ኣገልግሎት ይህባን ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ሰበስልጣን፡ እታ ከተማ ድሕሪ ምሓዛ ሓካይም ከም ዝተኣስሩ ወይ ብግዲ ክሰርሑ ከም ዝተገደዱን ዝብል ክሲ ይነጽጉ።

ይዅን እምበር፡ ምስ ቢቢሲ ቃለ-መሕትት ዝገበሩ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ሕክምና፡ ካብቲ ቦታ ከይወጹ ከም ዝተኸልከሉን ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ምሃብ ንኽቕጽሉ ከም ዝተገደዱን ገሊጾም።

ሓደ ሓኪም፡ ዶክተር ኣል-ሓጅ መሓመድ ኣሕመድ፡ ምርጫ ከም ዘይነበሮ ገሊጹ።

"ኣብኡ ክጸንሕ ተገዲደ እየ። ሓንቲ ዘይትኸውን ቃል እንተዝዛረብ ነይረ፣ ኣብ ርእሰይ ጥይት ምተኰሱለይ ነይሮም" ክብል ንቢቢሲ ነጊሩ።

ኣል-ፋሸር ድሕሪ ምውዳቓ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና በቲ ከበባን ዕንወት ሕክምናዊ ስርዓት እታ ከተማን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስምባደ [ትሮማ] ኣብ ውሽጦም ተሪፉ ኣሎ።

እቲ ኲናት ናብ ካልእ ከባቢታት ሱዳን እኳ እንተ ገዓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ክንክን ጥዕና ዝግበር መጥቃዕትታት ግን መወዳእታኡ ዘይርአ ዝሰፍሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ይቕጽል ኣሎ።