እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ሱዳን 'ኣብ ደንደስ ገደል'፡ ኣብ መንጎ ተስፋ መረጻን ስግኣት ዳግማይ ውግእን
ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ንፈለማ ግዜ ናብ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ትቐርብ እኳ እንተሃለወት፡ እቲ ንሰላማውን ተኣማንን መስርሕ መረጻ ዘድሊ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ሰብኣዊ መሰላትን ውሕስነት ግና ብሰፊሑ ጐዲሉ ከም ዘሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመደበ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
እቲ ኮሚሽን፡ "ኣብ ደንደስ ገደል፡ ንኣሰቃቒ ገበናት ምክልኻልን ስግግር ደቡብ ሱዳን ምውሓስን፡" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓሚቝ መማኸሪ ሰነድ ትማሊ 20 ነሓሰ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ሃገራዊ መረጻ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ንምድልዳልን ሃገራዊ ምክፍፋላት ንምክልኻልን ዝዓለመ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲድሉ፡ ዳግማይ ደማዊ ግጭታት ክውላዕን ኣሰቃቒ ገበናት ንኽፍጸሙ ዘሎ ተኽእሎ ከጋድድን ከም ዝኽእል እቲ ኮሚሽን የጠንቅቕ።
ደቡብ ሱዳን ካብ እትምስረት (2011) ጀሚራ፡ ን15 ዓመታት ዝኣክል መረጻ ከይገበረት ጸኒሓ ኣላ።
ኣብቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝቐጸለ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 400,000 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ወግዓዊ ሰነዳት የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ ኣስታት 4 ሚልዮን ዝዀኑ ዜጋታት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 2 ሚልዮን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም።
እቲ ግጭት ኣብ መሰረተ-ልምዓት እታ ሃገር ዘስዓቦ ዕንወት'ውን ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ክፍልታት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ካልኦት ንብረታትን ዓንዮም።
ፕረዚደንት እቲ ኮምሽን ያስሚን ሶካ፡ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ድምጹ ዝስማዓሉ መረጻ'ምበር ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መስርሕ ከም ዘይግብኦ ብምግላጽ፡ ሰላማዊ ደሞክራሲ ኣብ ልዕሊ ዕጥቃዊ ግጭትን ፍርሕን ክህነጽ ከም ዘይክእል ኣጠንቂቓ።
እታ ሃገር ናብ መረጻ ኣብ እትቐርበሉ ዘላ እዋን፡ እቶም ዳግማይ ናብ ውግእ ንኸይትምለስ ተባሂሎም ዝተነደፉ ውሕስነታት ይፈራርሱ ምህላዎም'ውን እቲ ኮምሽን ይገልጽ።
ኣብ መንጎ እቶም ቀንዲ መነሓንሕቲ ዝዀኑ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምኽትሉ ዶክተር ሪያክ ማሻርን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ዘይምትእምማን፡ ነቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ "ዝተሓደሰ ስምምዕ ሰላም" (R-ARCSS) ክሳብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ንኸይትግበር ዓንቂጽዎ ይርከብ።
እቲ ኮምሽን ከም ዘመልክቶ፡ 46.4 ሚእታዊት ካብቲ ስምምዕ ገና ኣይተተግበረን። ብፍላይ፡ እቲ ንመረጻ ወሳኒ ዝዀነ ምውሃድ ሃገራዊ ሓይልታት ጸጥታ ዛጊት ከይተዛዘመ ምጽናሑ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
ሰራዊት ክልተኦም ወገናት ገና ተፈላልዮም ምህላዎም ድማ ነቲ መረጻ ናብ ሓድሽ መድረኽ ኲናት ናይ ምቕያር ተኽእሎ ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ቍጠባዊ ጸቕጥታትን ዞባዊ ጽልዋን
እታ ሃገር ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ትቃለስ ኣላ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ደቡብ ሱዳን ዝዀነ ሰደድ ነዳዲ ተዓጽዩ ይርከብ። እዚ ድማ መንግስቲ ንመደበኛ መሳለጥያታትን ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ዝኸውን ባጀት ንኽስእን ገይርዎ።
ካብ ሱዳን ብሰንኪ እቲ ውግእ ዝውሕዙ ዘለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታትን ተመዛበልትን ድማ ነቲ ድሮ ተዳኺሙ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታትን ጸጥታን እታ ሃገር ተወሳኺ ጾር ኰይንዎ ይርከብ።
ኮምሽነር ባርኒ ኣፋኮ፡ ደቡብ ሱዳን ገና ካብቲ ተደጋጋሚ ዓንኬል ጐነጽን ጭቈናን ንምውጽእ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ እቲ መረጻ ዳግማይ መድረኽ ውግእ ክኸውን ዕድል ክወሃቦ ከም ዘይግባእ ኣገንዚቡ።
ንተኣማኒ መረጻ ዘድልዩ ቅድመ-ኵነታት
ኮምሽነር ካርሎስ ካስትሬሳና ፈርናንደዝ፡ ሓደ መረጻ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ግዜ ስለ ዝተኻየደ ጥራይ ተኣማኒ ክኸውን ከም ዘይኽእል ብምሕባር፡ ተኣማኒ መረጻ ዜጋታት ብዘይ ፍርሒ ክመርጽሉ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ብናጻ ክሳተፉሉን ትካላት ድማ ንስልጣን ክቈጻጸርሉን ዝኽእልሉ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኮምሽን ንተኣማንን ሰላማውን መረጻ ኣገደስቲ ዝበሎም ስጕምቲታት ብዝርዝር ኣቕሪቡ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፡ ጭቡጥን ብቐጻሊ ክትትል ዝግበረሉን ምቍራጽ ተዅሲ ምርግጋጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሎም ሃገራዊ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዘይሻራዊ እዚ ክጠቓለሉ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።
ብተወሳኺ፡ ናጻ ትካላት መረጻን ዘይሻራዊ ኣገባብ መፍትሒ ግጭታትን ክህልዉ ከም ዘለዎም፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ስንኩላንን ተመዛበልትን ብግቡእ ክረጋገጽ ከም ዝግባእ፣ ከምኡ'ውን ጽልኢ ዝዘርኡን ንግጭት ዝቕስቅሱ ዝርርባትን ብሕጊ ክኽልከሉ ከም ዘለዎም እቲ መማኸሪ ሰነድ የገንዝብ።
ናይ መወዳእታ ጻውዒት
እቲ ኮምሽን ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ኵሎም ወገናትን ውግእ ብቕጽበት ደው ከብሉ፡ ናይ ስግግር ስምምዓት ጸጥታ ናብ ንቡር ክምለሱ፣ ከምኡ'ውን ዶክተር ሪክ ማሻር ዝርከብዎም ፖለቲካውያን መራሕቲ ተኣሲሮም እንተ'ለዉ ብዘይ ውልውል ክፍትሑ ጸዊዑ።
ዝዀነ እሱር ፖለቲካ ድማ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ብዝተሓለወሉ ኣገባብ ጉዳዩ ክርአ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ ከምኡ'ውን ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣሳታፍን ኣብ ስምምዕ ዝተመርኰሰን ስግግር ንምድጋፍ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታቶም ከሐይሉ እቲ ኮምሽን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
"ደቡብ ሱዳን ስምምዓት ሰላም ወይ መደብ ዕዮ ኣይኰነን ጐዲልዋ፤ ዘሎ ጸገም ኣተገባብራን ተሓታትነትን እዩ፡" ክብል እቲ ኮምሽን ጸብጻቡ ዛዚሙ።