ዳን ኮነል፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ዘፋለጠ ጸሓፊ

ዳን ኮነል
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ዳን ኮነል ህርኩት ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ፡ ደራሲ፡ ተመራማሪ ጥራይ ዘይኰነስ ብመሰላት ደቂ-ሰባት ዝግደስ መምህርን ጸላውን ተቓላሳይ'ዩ።

ንሱ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ኰይኑ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ፍጹም ተገዳስነት ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ብመትከል ንገድሊ ኤርትራ ደጊፉ ዓገብ ዝበለ ጸሓፊ'ዩ።

ኣበየ ጋዜጣታት ዓለም ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተጻሕፉ ዛንታታት፡ ንህላወ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሑ (ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ማለት'ዩ) ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኑ ኵነታት ውሽጢ ንዓለም ዘፍለጠ ንጡፍ ጐስጓሲ ብምንባሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝፈልጥዎ ጥራይ ዘይኰነስ ጽሑፋቱ'ውን ዝምስክርሉ ሓቂዩ።

ንሱ በቲ ዘካየዶ ጐስጓስ መሰረት ማዕከናት ዜናታት ዓለም ንጉዳይን ሕቶ ቃልሲ ኤርትራውያን ቆላሕታ ከንብራሉ ከኣላ።

ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ዝጀመረ ጐስጓስ

ዳን ኮነል ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ዑደት እናካየደ እንከሎ ብዛዕባ ኤርትራ ተገዳስነት ሓደሮ።

ብሚያዝያ 1976 ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወ ዘይተጸበዮ ጕዳይ ተፈጸመ፤ ቅንጸላ ኮሎኔል ብሹን ምስኡ ኸኣ ብሕነ-ፍዳ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ዝቐተልሉ ህሞት ብቐረባ ክዕዘብ ከኣለ።

ኮሎኔል ብሹ ቃፍላይ መሪሑ ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝኣተወ መኰነን ነበረ። ዳን ኮነል ነቲ ማዕረ 400 ናይ ወተሃደራትን ጽዕነትን መካይን ዝነበሮ ቃፍላይ ሰራዊት ኣብ ሳልስቱ ንኣስመራ ክኣቱ ዝረኣየ ናይ ዓይኒ ምስክር 'ዩ።

ነቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምድላዋት ኢትዮጵያ ብደቂቕ ይከታተሎ ስለ ዝነበረ ኸኣ ንከቃልሖ ወሰነ። ኰይኑ ድማ ብ13 ግንቦት 1976 ፈላሚ ጸብጻቡ ኣብ 'ዋሺንግተን ፖስት' ዝበሃል ፍሉጥ ጋዜጣ ከሕትሞ በቕዐ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሽዑ ዘሕተሞ ጸብጻብ ተመሊስና ምስ እነንብቦ መስተንክር ምንባሩ ክንግንዘብ ንኽእል። ዳን ኮነል ምስ ሓደ ሰኣላይ ብጻዩ ኰይኑ ነቲ ቃፍላይ ተኸቲሎም ብራማ፡ ዓዲዃላ ኣቢሎም ኣብ ኣስመራ ክኣትዉ ነቲ ዅሉ ኣብ መንገዲ ዘጓነፎም ሓጐጽጐጻት ሓደ-ብሓደ ብምጽብጻብ እቲ ኵነታት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ'ዩ።

ምስኡ ኸኣ ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ብሹ እንታይ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፈረ።

ኮሎኔል ብሹ ገብረተኸለ ብትውልዱ ኤርትራዊ ኰይኑ ብወተሃደራቱ ክቡርን እሙንን መኰነን ከም ዝነበረ ይገልጾ።

"ይዅን'ምበር" ይብል ዳን ኮኔል፡ "ድሕሪ'ቲ ዅሉ መንገዲ ንወተሃደራቱ መሪሑ ብሰላምን ጥበብን ኣብ ኣስመራ ምስ ኣብጽሐ ከይጸንሐ ንጽባሒቱ ብጥይት ተጋደልቲ ተወቒዑ ሞተ።"

ሰንበት መዓልቲ'ዩ ነይሩ። ኮሎኔል ብሹ ምስ ሓላው-ነብሱ ኣብ ባር-ነብያት ፈደይን ተጋደልቲ ህግሓኤ ንኮሎኔል ብሹን ሓላዊኡን ብጠያይት ከም ዝቐተሉዎም ጽሒፉ'ሎ።

"እታ ምሸት'ቲኣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሸሞንተ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ቀተልዎም፣ ንጽባሒቱ ድማ 37 ሰባት ብጥርጠራ ተቐቲሎም ሬሳኦም፡ ሰብ ምእንቲ ክርእዮ፡ ኣብ ኣደባባይ ተደርብዩ ወዓለ" በለ ዳን ኮኔል።

መቸም እቲ ሽዑ ዝነበረ ርሱን ኵነታት ንምርዳእ እቲ ብመጽሓፍ መልክዕ ጠሪዙ ዘሕተሞም - ካብ 1976 ጀሚሩ ክሳብ 1982 - ኣብ ፈቐድኡ ጋዜጣ ዓለም ዘሕተሞም ዛንታታት ቃልሲ ገናጺልና ምንባብ ነቲ ዝተሰግረ ሽግር ብቀረባ ኣብ ሓሳብና ክንስእሎ የኽእለና።

እቶም ከም መወከሲ እንጠቕሶም ዘለና ክልተ ቅጺ ዘለዎም መጽሓፍቲ፡ እቲ ቀዳማይ "Taking On The Superpowers – Collected Articles on the Eritrean Revolution (1976 – 1982)" ኰይኑ እቲ ካልኣይ ቅጺ ድማ "Building a New Nation Collected Articles on the Eritrean Revolution (1983-2002)" እዮም።

ገበር መጽሓፍ ሓንቲ ካብ መጻሕፍቲ ዳን ኮነል

እዞም ክልተ ቅጽትታ ንተመራመርቲ ታሪኽ ኣዝዮም ጠቐምቲ'ዮም። ክልቲኦም ብዘመን ገድሊ ዝተኻየዱ ስርሒታት፡ ኣብ ሜዳን ገጠራትን ኤርትራ ዝነበረ ጥምየት፡ ኣህጕራዊ ጣልቃነት፡ እቲ ቃልሲ ካብ በረኻ ከመይ ኢሉ ኣብ ናጽነት ገጹ ከም ዘምርሐ የዘንትዉ።

ንኣብነት እቲ ቀዳማይ ቅጺ ካብ 1976 ጀሚሩ ዝነበሩ ምንቅስቓሳት፡ ብኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ወራራት፡ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት (ንኢትዮጵያ ንምድጋፍ) ዝሰዓበ ስትራተጂያዊ ምንስሓብ ሓደ-ብሓደ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡሎም'ዩ።

እቲ ካልኣይ ቅጺ ድማ በቲ ዝነበረ ቀጻሊ ጥምየት፡ ዝተኻየዱ ውግኣትን፡ ናብ ናጽነት ዘምርሐ ቃልሲ፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተኻየደ 'ውግእ ባድመ'፡ ከምኡ'ውን ብድሕሪኡ ዝተረኽቡ ፖለቲካዊ ጸገማት ገሊጹዎ'ዩ። ሰነዳቱ ብድግማ ካብ ታሪኽ ዝተዋጽኡ ጸብጻባት ዘይኰኑስ ቀንዲ ምንጭታት ተጠቒሙ'ዩ ኣቕሪቡዎም።

ዳን ኮነል ኣብ መላእ ኤርትራ ተጋደልቲ ኣብ ዝወዓልዎ ክውዕል፡ ዝተገብረን ዝተዋዕለን ኣናድዩ መዝጊቡ ንዓለም ክነግር ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ክንመዝኖ እንከለና፡ ኣመና ከቢድ ምንባሩ ንምርዳእ ኣየጸግምን። እቶም ዛንታታት ኣብ BBC, Reuters, Associated Press, The Boston Globe, The Guardian, The Miami Herald, The Irish Times, The Observer, The Toronto Globe & Mail, Africa News, The Christian Science Monitor, The Independent, The Seattle Times, ዘኣመሰሉ ጋዜጣትታ ይሕተሙ ነበሩ። ኵሉዅሎም 270 ሓተታታት ከሕትም በቕዐ።

እቲ ግዝያት ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ውሑድ ኣፍልጦ ከም ዝነበሮ፡ ዛንታታት ዳን ኮነል ብምንባብ ድማ ንጕዳይ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ድርኺት ከም ዝፈጠረሉ ምግማቱ ኣየሸግርን።

ዳን ኮነል ብተወሳኺ ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይ ምርምር መጽሔታት ይዅኑ ኣካደምያዊ መጻሕፍቲ ብዙሓት ኤርትራ-ተንከፍ ዓንቀጻት ኣቕሪቡ'ዩ።

ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ሰነዳዊ (ዶኩመንታዊ) ፊልምታት ኣብ ምቕራብ ከም ዝተዋስአ ምዝካር ግቡእ'ዩ። ስለዚ ከም ጋዜጠኛ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ተንታኒ ፖለቲካ ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ ዘመን ናይ ቀረባ ተዓዛብን መሓዛን ገድሊ ኤርትራ ኰይኑ ንኤርትራ ጕልበቱ ከም ዘፍሰሰ ክርሳዕ ዘይብሉ ታሪኽ'ዩ ሰሪሑ።

ድሕሪ ናጽነት'ውን ብኤርትራ ከጽንዕን ክጽሕፍን ደው ኣየበሎን። ዳን ኮነል ብኤርትራ ዓሚቝ መጽናዕትታት ስለ ዘካየድ ብዓውዲ መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ጋዜጠኝነት ንክምህር ዝበቕዐ ተመራማሪ 'ዩ። ኣብ ቦስቶን ዩኒቨርሲቲ ድማ ምስ ማእከል ምርምር ኣፍሪቃ ብምትእስሳር'ውን ፍልጠቱ ናብ ተምሃሮኡ ኣመሓላሊፉ'ዩ።

እታ ዝያዳ ተፈላጥነት ዝረኸበት መጽሓፉ

ዳን ኮነል ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell

ዳን ኮነል በታ ብ1993 ዘሕተማ (ብ2021 ከኣ ደጊሙ ሓበሬታ ወሲኹ ዘውጽኣ) Against All Odds (ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት) ዘርእስታ መጽሓፉ'ዩ ዝፍለጥ ...፤ እዛ መጽሓፍ ንመዋእል ሰውራ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ።

ኣርእስታ ከም ዝሕብሮ፡ ንኤርትራ ተጸፋጺፎም'ኳ እንተገጠሙዋ ንዅሉ ተጻብኦታትን ዕንቅፋታትን መኪታ'ያ ዘስምዕ መልእኽቲ ሒዛ'ያ ቀሪባ።

እታ መጽሓፍ ኣገዳሲት ዝዀነትሉ ምኽንያት ብደቂቕ፡ ካብ ባይታ ሜዳ ኤርትራ ዝመንጨወ ናይ ሰላሳ ዓመታት ክስተታት ሓዚላ፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ጥርዚ ቃልሲ ከመይ'ሉ ከም ዝበጽሐ እተዘንቱ መጽሓፍ ብምዃና'ዩ።

ዳን ኮነል እቲ ብረታዊ ዓወት ብዘይ ተራ ናይ ኵሎም ኤርትራውያን - ሓረስቶት፡ ሰራሕተኛታት፡ መምህራን፡ ኣባላት ሕክምና፡ ተጋደልቲ፡ ዕቝባት (ስደተኛታት) - ኣይምተዓወተን ኢሉ መጐተ። እቶም ተኸታተልቲ ውግኣት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘተኮሩ ጥራይ ዘይኰኑስ እቲ ገድሊ ንሕብረተሰብ ኤርትራ እናመሃረን እናኣሳተፈን ከም ዝተጓዓዘ ኣስሚሩ ይትንትን።

ኰይኑ ድማ ሰውራ ኤርትራ ብሃገራዊ ስምዒት ጥራይ ዘይኰነ፤ ከምኡ'ውን ብተጋደልቲ ጥራይ ዝመጸ ዓወት ዘይኰነ፡ ብዘይ ማሕበረሰባዊ መቐይሮ - ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ብዘይ ጽገና መሬት ብዘይ ፈተነ ፖለቲካዊ ስርዒታት ሓመድ-ሓፋሽ ክዕወት ከቶ ኣይምኸኣለን ይብል።

ይዅን'ምበር፡ ናጽነት ናቱ ጸገማት ክፈጥር ምስ ተዓዘበ እታ መዘና ዘይነበራ መጽሕፉ ብ2021 ንሕልንኡ ዳግማይ ብምፍታሽ፡ ፍጮኣዊ ክስተታት ዘመንጨዉዎም ሓደስቲ ርእይቶትታ ሓዊሱ ዳግማይ ንከሕትማ ተገደደ።

ርግጽ'ዩ፡ እታ ብዳግመ-መጽናዕቲ ተወሃሂዳ ዝወጸት ካልአይቲ ሕታም ክሳብ'ዚ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ እዋን እትሽፍን እያ። ብሓፈሻ ኸኣ "ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ጉድ ንኤርትራውያን ኣይምተገብአን" ዘስምዕ መልእኽቲ ሒዛ ከም ዝቐረበት ክንርዳእ ንኽእል።

ፍልቀታዊ ኣረኣእያ ዳን ኮነል

እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዳን ኮነል እቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር (ሻዕብያ) ዝነበሮ ዓሚቝ ርክብ፡ በቶም ብቐረባ ብድሕሪ ናጽነት ዝተዓዘቦም ቄናናት ምዕባለታት ተደሪኹ ይኣክል ክብል ብምኽኣሉ'ዩ ር፤እይቶ ክወሃበሉ ዘይቅኑዕ ኣይኰነን።

ንሱ በቶም ዳርጋ ንሰላሳ ዓመትታ ዘካየዶም ናይ ብሕቲ ጽዑቓት ጐስጓሳት ተደጊፉ ምስ ሓለፍቲ ሰውራ - ድሒሩ ኸኣ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ - ጽኑዕ ርክብ መስሪቱ ነበረ።

እቲ ርክብ'ቲ ነቶም ስዒቦም ዝተኣታተዉ ጌጋታት ብቐረባ ከለልዮም በቕዐ። በቲ ዝነበሮ ርክብ ተጋሪዱ ደው ከይበለ፡ ብዲናሚካዊ ባህሪኡ ተደሪኹ ዓገብ ክብል ጀመረ።

ኰይኑ ድማ ዳን ኮነል - ብድሕሪ ውግእ ባድመ - ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ 'ሕጅስ ይኣክል!' በለ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ቀደም ንህዝቢ ኣሚኑን፡ ብህዝቢ ተደጊፉን ኣብ ናጽነት ዝበጽሐ ሕጂ ድማ ከም ቀደም ንህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ንቕድሚት ክግስግስ ምተገብአ በለ።

ዳን ኮነል ህይወቱ ንዓሰርተታት ዓመታት ንኤርትራ ብምውፋዩ ክድነቕ ዝግብኦ ተቓላሳይ ዓርኪ ኤርትራ'ዩ ኢልካ ዝምስከረሉ ኣመሪካዊ እዩ።

ብመንግስቲ ኤርትራ ቅሒሩ ዓገብ ብምባሉ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ይምጕስዎ'ዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ድም ደገፍቲ መንግስቲ ዓገብ ስለ ዝበለ ኣትሪሮም ብምንቃፍ ዘይስሙ ክህብዎ ይጕስጉሱ'ዮም፣ ንታሪኹ ግን ጠሪዙ ስለ ዘቕረቦ ክድምስሶ ዝኽእል ከቶ'ኳ የለን።

ክርስዑ ዘይግብኦም መጻሕፍቲ

እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዳን ኮነል እቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር (ሻዕብያ) ዝነበሮ ዓሚቝ ርክብ፡ በቶም ብቐረባ ብድሕሪ ናጽነት ዝተዓዘቦም ቄናናት ምዕባለታት ተደሪኹ ይኣክል ክብል ብምኽኣሉ'ዩ ር፤እይቶ ክወሃበሉ ዘይቅኑዕ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell

ዳን ኮነል በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም መጻሕፍቱ ጥራይ ኣይኰነን ክዝከር ዝግብኦ፣ ካልኦት'ውን ኣለዉ።

እዚ ሕጂ 82 ዝዕድመኡ ዓርኪ ኤርትራ፡ ዘዘክሮ መጽሓፉ 'Historical Dictionary of Eritrea' (ታሪኻዊ መዝገበ ቓላት ኤርትራ) ከይኰነ ኣይተርፍን።

'ታሪኻዊ መዝገበ-ቓላት ኤርትራ' ብቕልጡፍ ናብ ትግርኛን ዓረብኛን ክትርጐም ዝግብኦ ካብ ዳን ኮነል ዝተወረሰ ዓቢ ህያብ'ዩ።

እቲ መጽሓፍ ብጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ጀሚሩ ክርስትናን ምስልምናን ከመይ ኢሉ ኣብ ዞባና ከም ዝማዕበለ፡ ከምኡ'ውን እቲ ዝሓየለ ሸነኹ - ምቛም ዘመናዊት ኤርትራ - ይሽፍን።

ዳን ኮነል፡ ነቲ ትረኻ ብመግዛእቲ ኦቶማን (ቱርኪ) ጀሚሩ: ብዘመናት ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ሓሊፉ፡ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ናጽነት ኤርትራን ከመይ ኢሉ ኣብ 1991 - ዓመተ ናጽነት - ከም ዝበጽሐ፡ ብድሕሪ ናጽነት ዝተኻየዱ ግጭታት፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ዝተኻየዱ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኤርትራ ሓዊሱ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ እታ ዳን ኮነል 'ብ2005 ዘሕተማ "ዝርርብ ምስ ናይ ኤርትራ እሱራት ፖለቲካ' (Conversations With Eritrean Political Prisoners' ዘርእስታ፡ ንብዙሓት ከኣ ዘዛረበት መጽሓፉ ክንጠቅስ ይግባእ።

ትሕዝቶ'ታ መጽሓፍ ዳን ኮኔል ምስ መራሕቲ ሰውራ ዝነበሩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንግስት ልዑል ሓላፍነት ዝነበሮም፡ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቓት'ያ ትምልከት።

ንሳቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣካይድኡ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ብምምጓት ትጋገ ኣለኻ ዝበልዎ ቀንዲ ብጾቱ ነበሩ። ዳን ኮኔል ኣብቲ ህሞት'ቲ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ምስ ሃይለ ወልደትንሳአ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሔር - ሕጂ መእተዊኦም ዘይተፈልጠ ናይ ሕልና እሱራት - ዘካየዶም ቃለ-መጠይቓት ኣኪቡ ኣብ መጽሓፉ ኣውጽኦ።

መቸም ኣበርክቶ ዳን ኮነል ብሒደት ምሉእ ሓሳባት ምግላጹ የሸግር። ኣሕጺር ኣቢልና ንክንፍትን ግን፡ ዳን ኮነል ንነዊሕ እዋን ከም ጋዜጠኛ ዘገልገለ፡ ከም ተመራማሪ ታሪኽ ድማ ንኤርትራውያን ታሪኾም ሰኒዱ ከም ህያብ ከበርክት ዝኸኣለ፣ ከም ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ንስደት ኤርትራውያን ጸብጺቡን ኣጽኒዑን ኣብ ጽሑፋቱ ዘስፈረ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ድማ ቅድም ፍጻመታት ሜዳ ብምስናድ፡ ድሒሩ ኸኣ እቲ ሰውራ ኣብ ናጽነት ምስ በጽሐ ከመይ ኢሉ ኣብ ዓውዲ መድቈስቲ ከም ዝተሸመመ ኣስፊሑ ብምትንታን ኣብ ታሪኽ ዝሰነደ ክኢላ ሰብ'ዩ።