ቀጥታ, ዕጡቓት ሑቲ ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ኣውዲቘም

ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።
  • ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።
  • ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ፈደራል ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ተዛዊሮም ትምህርቶም ክቕፅሉ ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።
  • ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።
  • ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ዘሎ ስግኣታት "ሓሶት" ወይ ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነቒፉ።
  • ናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ሰብ ናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ ናይ ብርኪ (ኣክስዮን) መሸጣ ብምብጋስ፡ ካብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲኡ 3 ሚእታዊት ዝኸውን ብጽሒት ንህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።
  • ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ኢራንን ገበን ከም ዝፈጸማ ኣፍሊጡ

    ዝዓነወ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብኡ ካብ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ቈልዑ ድማ ብዕንባባ ተኸቢቡ ስእሎም ኣብ ታሕቲ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, WANA via Reuters

    ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ክልተ ደብዳባት ኣየር ብውሑዱ 177 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል "ገበናት ኲናት" ከም ዝፈጸመት ዘእምን እኹል መረዳእታ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

    እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኢራን እውን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብዝወሰድዎ ዘስካሕክሕ ስጕምቲ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊሮም ኣለዉ።

    ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ናይታ ብዛዕባ ኢራን እትምርምር ናጻ ዓለምለኻዊት ልኡኽ መርማሪት ኮምሽን፡ ኣብ 28 ለካቲት ኣብ ከተማ ሚናብ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መባእታ ቤት-ትምህርቲ (120 ቈልዑ ዝርከብዎም 156 ሰባት ዝሞቱላ) ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ላመርድ ኣብ ልዕሊ ስፖርታዊ ማእከል (21 ሰላማውያን ሰባት ዝተቐትሉላ) ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ንስቪላውያን ዒላማ ዝገበረ ገበን ኲናት እዩ።

    እቶም ክኢላታት፡ ኣብቲ ኲናት 'ቶማሃውክ'ን 'ፒ.ኣር.ኤስ.ኤም'ን (PrSM) ዝተባህሉ ሚሳይላት እትውንን ኣመሪካ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣመሪካ ከም ዝተፈጸመ ዘረድእ እኹል መርትዖታት ከም ዘለዎም ኣረጋጊጾም።

    ኣመሪካ ብወገና ነቲ ጸብጻብ ተኣማንነት ከም ዘይትህቦ ብምግላጽ፡ ንላመርድ ከም ዘይወቕዐት፡ ኣብ ሚናብ ንዘጋጠመ ድማ ትምርምሮ ከም ዘላ ገሊጻ።

    በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ጸብጻብ መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ 31 ኣውራጃታት ዝተኻየደ ጸረ-መንግስቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ናሕስታት ተዅሲ ብምኽፋት፡ ኣብያተ-ሕክምና ብምጥቃዕ፡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ብምእሳርን ብምሳቓይን፡ ከምኡ’ውን ን29 ሰባት ብሞት ብምቕጻዕ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸመ ሓቢሩ።

    መንግስቲ ኢራን ቍጽሪ ምዉታት 3,000 እዩ ኣኳ እንተ በለ፡ ትካል ተጣባቒ መሰላት ህራና ግና ልዕሊ 7,000 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

    እቲ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰላማውያንን ዜጋታት ኢራን ኣብ መንጎ’ቲ መንግስቶም ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መንጎ’ቲ ሃገሮም ምስ ኣመሪካን እስራኤልን እተካይዶ ዘላ ቐታሊ ውግእን ተቐርቂሮም ከም ዝሳቐዩ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

  2. ቢቢሲ ዘረጋገጾ ቪድዮ፡ ነፋሪት ውግእ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ወዲቓ

    ነፋሪት ኤፍ-15

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዝመርመሮ ተንቀሳቓሲ ምስልን ሳተላይታዊ ሓበሬታን፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ስዑዳዊት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15 ኣብ የመን ብዕጡቓት ሑቲ ተወቒዓ ከም ዝወደቐት ኣረጋጊጹ።

    እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ማእሪብ ብወገን ምዕራብ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ብሚሳይል ተወቒዓ ዝተሓምሸሸት ኰይና፡ ዕጡቓት ሑቲ ባንዴራ ስዑዲ ዓረብን ፍሉይ ተኸታታሊ ቍጽርን ዝሓዘ ጭራ እታ ነፋሪት ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሖም ኣለዉ።

    ካብ ትካል ወተሃደራዊ ስለያ ጄንስ ዝዀኑ ክኢላታት ኣጽዋር፡ ነቲ ናይ ጭራ ቅርጽን ቍጽርታትን ብምምርማር፡ እታ ነፋሪት ካብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻሊድ ዝተበገሰት ምዃና ብናጻ ኣረጋጊጾም እዮም።

    ወተሃደራዊ ተንተንቲ፡ እዚ ፍጻመ ዕጡቓት ሑቲ ካብ ኢራን ቴክኖሎጅያዊ ደገፍ ብምውሳድ ወተሃደራዊ ዓቕሞም እናዕበዩ ምምጽኦም ዘርኢ "ዓቢ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዓወት" ምዃኑ ይገልጹ።

    እዚ ምዕባለ ዝመጽእ ዘሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ጥቓ’ቲ ወሳኒ ዓለምለኻዊ መተሓላለፊ መራኽብ ባብ ኣል-መንደብ ዝርከብ ስትራተጅያዊ ገማግም ባሕሪ ንምቍጽጻር ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይድሉን ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ናይ ኣየርን ሚሳይልን ደብዳባት ብዝገደደ ኣብ ዝዓረገሉን እዋን እዩ።

    ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ውግእ ኤፍ-15
  3. ትግራይ፡ ንውሳነ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ምላሽ

    ተምሃሮ ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

    ምንጪ ስእሊ, FBC

    ምኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስቲታት ፈደራል ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ተዛዊሮም ትምህርቶም ክቕፅሉ ከምዝወሰነ ምግላፁ ይዝከር።

    ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ውሳነ ተቓውሞ ኣስሚዑ ኣሎ።

    ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መጥቃዕቲታት ድሮን እናተፈፀመ ከምዝፀንሐ ዝኸስስ እቲ መግለፂ፡ እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ድማ፡ ናይ 2019 ዓ.ም.ግ ሓድሽ ዘበን ትምህርቲ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ከምዝዀነ ይኸስስ።

    እቲ መግለፂ፡ “መላእ ኣመራርሓን ምሁራትን ዩኒቨርስቲታት፡ ማሕበረሰብናን ተምሃሮናን ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ነውራም ተግባር እዙይ ክኹንንዎን ፅዕንቶኦም ከዕርፉሉን” ብምባል ይፅውዕ።

    ከም ፀብፃብ ድምፂ ወያነ፡ ቅድም ክብል ከዘራርብ ዝፀንሐ ምቍራፅ ባጀት’ቲ ክልል ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሃርን ምስትምሃርን ትግራይ ከበድቲ በደላት እናተፈፀመ ከምዝመፅአ እቲ መግለፂ ይኸስስ።

    ምኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ብሰንኪ ህልው ኵነታት፡ "ካብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ምስ ዝመፅኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝዝተየሉ እዋን"፡ እቶም ተምሃሮ ኣብ ካልኦት ዩኒቨርሲታት ተመዲቦም ንግዚኡ ትምህርቶም ክቕፅሉ ከም ዝተወሰነ ትማሊ ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወተሃደራዊ ግፋን ወጥርን ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡዎም ዝበዝሑ መናእሰይ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ይስደዱ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

  4. ቀዳማይ ሃብታም ኣፍሪቃ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ መሸጣ ብርኪ ኣበጊሱ

    ዳንጎተ እናተዛረበ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ናይ ኣፍሪቃ ዝሃብተመ ሰብ ናይጀርያዊ ቢልየነር ኣሊኮ ዳንጎተ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ኣህጉር ዝዓበየ ናይ ብርኪ (ኣክስዮን) መሸጣ ብምብጋስ፡ ካብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲኡ 3 ሚእታዊት ዝኸውን ብጽሒት ንህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

    እዚ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ ናይ ብርኪ መሸጣ (IPO) ክሳብ 2.1 ቢልዮን ዶላር ከዋጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

    ዳንጎተ፡ ተራ ዜጋታት ናይጀርያ ናይዚ ዓወት`ዚ ተማቐልቲ ንክዀኑ ዕድል ንምሃብ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

    እቲ ብ2024 ስራሕ ዝጀመረ መጻረዪ ነዳዲ፡ ኣብ መዓልቲ 650,000 በርሚል ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘለዎ ኰይኑ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ናይቲ ሃገራዊ ሃልኪ ጸዓት ዝሽፍን እዩ። ካብዚ መሸጣ ዝእከብ ገንዘብ ድማ ዓቕሚ እቲ ትካል ንዕጽፊ ንምዕባይ ዝውዕል እዩ።

    እዚ ንሓደ ወርሒ ክፉት ኰይኑ ዝጸንሕ መሸጣ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዓቢ ተገዳስነት ፈጢሩ`ኳ እንተ ሃለወ፡ ክኢላታት ቍጠባ ግን ዋጋ ብርኪታት ክወርድ ስለ ዝኽእል መወዳድርቲ ወፈርቲ ኵሉ ገንዘቦም ኣብ ሓደጋ ከየእትዉን ካብ መታለልቲ ክጥንቀቑን ኣተሓሳሲቦም።

  5. ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንኣውፈርቲ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ

    ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA)፡ ኣብ ጽላት ዕደና ኦሮምያ ንዝዋፈሩ ኣውፈርቲ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት ክኽተሉን ኣብ ስርሓቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከሳትፉን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

    እቲ ጕጅለ ናብ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ቍጠባውያን ትካላት ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ “ኣብ ውሽጢ ኦሮምያ ክንቀሳቐስ ዝደሊ ዝዀነ ይዅን ኣካል፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብቐጥታ ዝሳተፈሉን ካብቲ ዝካየድ ፕሮጀክትታት ቀጥታዊ ተጠቃሚ ዝዀነሉን ኣገባብ ብዝምልከት ኵለንተናውን ግሉጽን ዘተ ከካይድ ግዴታ ኣለዎ።

    ከምዚ ዝኣመሰለ ኵሉ-ዝሓቍፍ ምድላዋት ከይተገብረን ስምምዕ ከይተበጽሐን ዝዀነ ስርሒት ወይ ስጕምቲ ክቕጽል የብሉን።”

    ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣከባብያዊ ቅጥዒታት “ኣብ ኵሉ መድረኻት ስርሒት ብግቡእ ክትግበር፡ ክዕቀብን መረጋገጺ ክቐርበሉን” ከም ዘለዎ ብምስማር፡ እዚ ተገዛእነት እዚ “ዘተ ዘይግበረሉን ብጽኑዕ ዝቈጻጸርን” ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እቲ ጕጅለ፡ ነዚ መምርሒ ዘይክተል ኣካል፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝርከብ ፕሮጀክት ወርቂ ቱሉ-ካፒ ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ሳዕቤናት ክወርዶ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ብኩባንያ ‘ከፊ ጎልድ ኤንድ ኮፐር’ ዝካየድ ፕሮጀክት ቱሉ-ካፒ፡ ብ4 መስከረም 2026 ኣብ መንጎ ኣባላት ጸጥታን ነበርቲ እቲ ከባቢን ብዘጋጠመ ቀታሊ ፍጻመ ተዅሲ ስዒቡ ስርሓቱ ደው ኣቢሉ እዩ።

    ኩባንያ ‘ከፊ’ ብ7 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነዚ ምቍራጽ ስራሕ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ካብ ዝተቐትሉ ሰባት ኣባላት ጸጥታ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ኩባንያን ከም ዝርከቡዎም ሓቢሩ።

    ኩባንያ ‘ከፊ’ ምስ ሰበ-ስልጣን ዝተፈላለዩ ምኒስትሪታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታን ዘተ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መዓስከር ፕሮጀክት ዕደና ቱሉ-ካፒ ዝካየድ ልምዓታዊ ንጥፈታት ደው ኢሉ ይርከብ።

    እቲ ኩባንያ፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት፡ ኮንትራክተራትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ንምውሓስ ዘኽእል ውሕስነት ወይ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ክሳዕ ዝረጋገጽ፡ ስርሓቱ ዳግማይ ዝጅምረሉ ተኽእሎ የሎን ክብል ኣፍሊጡ።

  6. ትራምፕ ንተወሳኺ ጥንቃቐታት ውሕስነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ይነጽግ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ድሕነት ቴክኖሎጂ ኪነታዊ ብልሒ ዘሎ ስግኣታት “ሓሶት” ወይ ኣመና ዝተጋነነ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብዚ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተወሳኺ ምቍጽጻር ክግበር ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒታት ነቒፉ።

    እዚ መግለጺ ትራምፕ ዝመጸ፡ መስራቲ ዓባይ ኩባንያ ኪነታዊ ብልሒ ኣንትሮፒክ ጃክ ክላርክ፡ ሓደገኛ ንዝዀነ ቴክኖሎጂ ኤ.ኣይ ደው ከብል ዝኽእልን ብሳልሳይ ኣካል ዝቈጻጸርን ናይ “መጥፍኢ ቍልፊ” ኣብቲ ኢንዱስትሪ ብግዴታ ክትግበር ከምዘለዎ ንቢቢሲ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

    እዚ ሓሳባት ክላርክ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓያሎ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መሪሕ ኩባንያታት ኪነታዊ ብልሒ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ከስዕቦ ንዝኽእል ሓደጋታት ስዒቡ ዝቐረበ መጠንቀቕታ እዩ።

    እዚ ስግኣታት፡ ኣውፈርቲ ዕብየት ኪነታዊ ብልሒ ብዘይምሕላው ክዝሕትል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ብምሕዳር፡ ሰኑይ ኣብ ዋጋ ብጽሒት ገለ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ርኡይ ምጕዳል ኣስዒቡ ተራእዩ።

    ትራምፕ ብሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብተኸታታሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፋት፡ ነቲ ብዛዕባ ኤኣይ ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታታት ምስ “ውዲት ኵነታትዋዒ-ዓለም” ብምንጽጻር፡ “ብደፋእቲ ጸጋማውያን ዲሞክራት” ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ምዃኑ ገሊጹ።

    “መፍሸል ሓሶት” ክብል ንነብሱ ዝጸውዐ ትራምፕ፡ነቲ ብዛዕባ ኤኣይ ዝለዓል ዘሎ ስግኣታት ምስ “ናይ ሩስያ ሓሶት” ብምምስሳል ነጺጉዎ ኣሎ።

    ኣብ ካልእ ጽሑፉ ድማ፡ “ኣንጻር ኤኣይን ማእከላት ዳታን ዝካየድ ዘሎ ‘ሕሙም’ ውዲት ኣሎ፡ በዚ ዝሕጐስ ድማ ቻይና ጥራይ እያ። ን-ኤኣይ ዝተዓወተሉ፡ ንዅሉ ይዕወት!” ኢሉ። ብተወሳኺ፡ንኤኣይ ዘድሊ ሓደ ጥራይ እዩ “መሐለዊ”፡ ንሱ ድማ “ሓያልን በሊሕን” ፕረዚደንት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ዋሽንግተን ኣብ ቻይና ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ኤኣይ ብምስጋእ፡ ፖሊሲታታ ተዛብዕ ኣላ ክብሉ ዝገለጽዎም ክኢላታት ጠቒሰን። “ኣመሪካ፡ ቻይና ሓያል ተወዳዳሪት ከምዝዀነት ትፈልጥ እያ።

    ኣመሪካ ምቍጽጻር እንተ ኣትሪራ ወይ ዕብየት እንተ ኣዛሕቲላ፡ ቻይና ቀልጢፋ ክትቅድማ ምዃና ትሰግእ እያ” ክብል፡ ፕሮፌሰር ኣመሪካዊ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ፉዳን ሺን ኪያንግ ንግሎባል ታይምስ ሓቢሩ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኩባንያታት ቴክኖሎጂን ፖለቲከኛታትን፡ ንኤኣይ ብዝምልከት ዝያዳ ምቍጽጻር ክግበር ብትሪ ይጽውዑ ኣለዉ።

    ሰኑይ፡ ማይክሮሶፍት ኤኣይ ብዛዕባ ገደብ ቴክኖሎጂኡ ዝገልጽ ሓድሽ መምርሒ ዘውጽአ ክኸውን እንከሎ፡ ዝመጽእ ሰሉስ ድማ ስቲቭ ባኖንን በርኒ ሳንደርስን ኣብ ሓደ መድረኽ ቀሪቦም ፖሊሲ ኤኣይ ዳግማይ ክረአ ክጽውዑ እዮም።

    ሳንደርስ፡ እዚ ቴክኖሎጂ ንደቂ-ሰብ ንምጥፋእ ስግኣት ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡መራሕቲ ዕብየት ኤኣይ ዕብየት እዚ ቴክኖሎጂ ክዝሕትልን ብደቂቕ ምክትታል ክግበረሉን ኣብ ዝጽውዑሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

  7. ኬንያ፡ ብሰንኪ መምርሒ ንግዲ ተሸጊሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምዝጋብ ትሰርሕ

    ብሩንዳውያን ቦርሳታቶም ኣብ ኤምባሲኦም ተኣኪቦም ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ንኡሳን ንግዳዊ ስራሓት ዝተዋፈሩ ወጻእተኛታት ንምክልኻል ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ ዝተፈጥረ ስግኣት ንምህዳእ፡ ኣብታ ሃገር ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታት ቡሩንዲን ካልኦት ተቐማጦ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም ዝምዝግብ ኣፍሊጡ።

    ፕረዚደንት ሩቶ ከም ኣብ ጐደናታት ዝካየዱ ንግዲታት ንኡሳን ድኳናትን ዝኣመሰሉ ስራሓት ንዜጋታት ኬንያ ጥራይ ክዕቀቡ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ወጻእተኛታት ነቲ ንጥፈታት ደው ከብሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ነይሩ።

    እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ቡሩንዲ ጸቕጥን ስግኣትን ብምፍጣሩ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ኤምባሲኦም ተሰሪዖም ሰነዳት ክሓቱ ተራእዮም እዮም።

    ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኬንያ ቻርለስ ኦዊኖ፡ እቶም ሰነድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብኤምባሲታቶም ኣቢሎም ኵነታቶም ከዐርዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ፤ እቲ መስርሕ ምምዝጋብ ክሳብ ዝዛዘም ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ገይርካ ከም ዝውሰድ ገሊጹ።

    መንግስቲ ኬንያ ብተወሳኺ፡ ወጻእተኛታት ነጋዶ ፍቓድ ስራሕን ንግድን ንምምላእ ናይ 90 መዓልታት ግዜ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝዀነ ዓይነት ምፍርራሕ ከይፍጸም ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኬንያ ኮሪር ሲንግኦይ፡ እቲ ናይ ፕረዚደንት ትእዛዝ ብጌጋ ርድኢት ከም ዝፈጠረ ብምጥቃስ ብሰንኩ ንዝበጽሐ መግፋዕቲ ይቕረታ ሓቲቱ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡሩንዲ ኤድዋርድ ቢዚማና ብወገኑ፡ ኬንያ ንድሕነት ዜጋታት ቡሩንዲ ተሓታቲት ምዃና ኣተሓሳሲቡ፡ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ከየሕድር ምስ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ተዘራሪቡ ኣሎ።

  8. ሑቲ፡ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን 32 መቃዕታት ከምዘካየደ ይሕብሩ

    ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ሓልታት ሑቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ከምዝተኻየደ ጸብጺቦም።

    እዚ መጥቃዕቲ፡ ​​ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጸዓትን ካልኦት በርጌሳውያን ትሕተ-ቅርጽታትን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድሮናትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሰንኩ ድማ 73 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።

    ምስ ሓልታት ሑቲ ምትእስሳር ዘለዋ ኣልማሲራ ቲቪ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት ነፈርቲ ጸላኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት 32 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይደን" ክብል ኣፍሊጡ።

    ስዑዲዓረብ ንጸብጻባት ሑቲ ክሳብ ሕጂ ብወግዊ መልሲ ኣይሃበትን።

    ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ብሰሉስ ምሸት ንገለ ትካላት ነዳዲ ንግዚኡ ከምዝተዓናቐፈን 73 ሰባት ከምዝቖሰሉን ገሊጾም ነይሮም።

    ሑቲ፡ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን 32 መቃዕታት ከምዘካየደ ይሕብሩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

  9. ኢራን ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ መደበር ኣመሪካ ዒላማ ትገብር፡ ኣመሪካ ንመርከብ ነዳዲ ኢራን ትሃርም

    ሓይልታት ኣመሪካ ትማሊ ኢራን ንሓንቲ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ክልተ ግዜ ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ንሓሙሽተ ታንከራት ኢራን ብምውቃዕ ሓንቲ ከምዘጥሓሉ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ኣፍሊጡ።

    ምስ ሓልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ምትእስሳራ ዘለወን ኣብ ወሽመጥ ዖማን ዝርከባ ኣርባዕተ መራኽብ ነዳዲ ኢራን ከምኡ’ውን ኣብ ጥቓ ደሴት ካርግ እትርከብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢራን እትርከብ ዓቢ መዓርፎ ነፈርቲ ነዳዲ እትርከብ ካልእ መርከብ ዒላማ ከምእተገብረት ሴንትኮም ወሲኹ ሓቢሩ።

    ቴህራን ድማ ከም ግብረመልሲ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣመሪካ ሚሳይላት ደርቢያ። እንተዀነ፡ መብዛትኦም ሚሳይላት ኣብ ዕላማኦም ከይበጽሑ ከምዝበረዓኑ ተፈሊጡ። ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝርከባ ክልተ መራኽብ ኣመሪካን ሸሞንተ ታንከራት ነዳዲን ከምዘጥቅዐን’ውን ገሊጻ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምራ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ድማ እናገደደ መጺኡ’ሎ።

    ብሰንኪ እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ምሉእ ዓለም ክውስኽ ተራእዩ።

    ዮርዳኖስ ካብቶም 20 ሚሳይላት ኢራን እቶም 18 ከምዝወደቐት ክትገልጽ ከላ፡ እቶም ክልተ ድማ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ከምዝወደቑ ወግዓዊ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ዮርዳኖስ ሓቢሩ።

    ኢራን ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ መደበር ኣሜሪካ ዒላማ ትገብር፡ ኣሜሪካ ንመርከብ ነዳዲ ኢራን ትሃርም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  10. ኬንያ፡ ኣማኢት ብሩንዳያውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ይጓየዩ

    ብሩንዳውያን ኣብ ኤምባሲኦም ተኣኪቦም ይርኣዩ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኣማኢት ዜጋታት ብሩንዲ፡ እቲ መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ንዝነጥፉ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ስጕምቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ንምድላው ይጓየዩ ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ እቶም ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ነቲ ንዜጋታት ኬንያ ጥራይ ዝተሓዝአ ንኡስ ዕዮታት ካብ ሰኑይ ደው ከብሉ ገደብ ምንባሩ ይፍለጥ።

    ምኒስትሪ ንግዲ ኬንያ፡ ገለ ወጻእተኛታት ብቪዛ ወፍሪ ወይ ምብጻሕ ኣትዮም፡ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ንኣሽቱ ዕዮታት ይነጥፉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

    በዚ ምኽንያት፡ ሓያሎ ብሩንዳውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ተሰሪዖም ህጹጽ ሰነዳት ጕዕዞ ክረኽቡ ይጽዕሩ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ንብረቶም ብምዕሻግ ትኬት ኣውቶቡስ ንምዕዳግ ኣብ ታህዋኽ ይርከቡ።

    ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሩንዲ ኤድዋርድ ቢዚማና፡ ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ዜጋታቶም ንዝዀነ መጥቃዕቲ ክቃልዑ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቑ። ኬንያ ንድሕነት ዜጋታት ብሩንዲ ተሓታቲት ምዃና ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ፕረዚደንት ሩቶ ብወገኑ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ፡ ዕድል ዕዮ ክፈጥሩ እምበር ኣብ ንኣሽቱ ንግድታት ክዋፈሩን ምስ ኬንያውያን ክወዳደሩ ከም ዘይግባእ ገሊጹ።

    እዚ ሓድሽ ስጕምቲ ጽልኢ ወጻእተኛታት ከይቅስቅስ ስግኣት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ገለ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ግን ሕጋዊ ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ወጻእተኛታት ዕዮታቶም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም ኣለዉ።

    እዚ ኵነታት’ዚ፡ ዜጋታት ኬንያ እውን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ዕዮታት ዝሰርሑ ብምዃኖም፡ ኣብቲ ዞባዊ ምትእስሳር ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።

  11. ኣመሪካ፡ ድሕሪ ሓደጋ ነፋሪት ኣማዞን መመዝገቢ መሳርሒታት በረራ ተረኺቦም

    ነፋሪት መንገዳ ስሒታ መካይን ናብ ዝተሰርዓሉ እናኣተወት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ማያሚ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ድሕሪ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኣማዞን፡ ናይ በረራ መመዝገቢ መሳርሒታት (black box) ከም ዝተረኽቡ ሰብ-መዚ ገሊጾም።

    ይዅን’ምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሬሳታት ግዳያት ናይ ምውጻእ ስራሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ከም ዘሎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ድሕነት መጓዓዝያ ሓቢሩ።

    እታ ብኩባንያ '21 Air' እትመሓደር ቦይንግ 767-300 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ካብ መስመር በረራ ብምውጻእ ምስ ክልተ ተሽከርከርቲ ድሕሪ ምግጫዋ፡ ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ከቢድ መጕዳእቲ ወሪድዎም ኣሎ። እታ ነፋሪት ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጻኢ ንሓንቲ ሸውዓተ ሰባት ዝጸዓነት ቫንን ሓንቲ ንእሽቶ መኪናን ከም ዝሃረመት ተገሊጹ።

    ሓላፊት ናይቲ መንገዲ ኣየር ጀኒፈር ሆመንዲ፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ገና ኣብ "ምእካብ ሓበሬታ" ከም ዘለዉ ገሊጻ። እቲ መጽናዕቲ፡ ንታሪኽ በረራ፡ ተመኵሮ ኣባላት በረራን ኵነታት ኣየርን ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።

    ብተወሳኺ’ውን፡ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ መስመር ንዝወጽኣ ነፈርቲ ንምዕጋት ዘገልግል ዘመናዊ መሳርሒ (EMAS) ክህልዎ ይግባእ ነይሩዶ ዝብል ነጥቢ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መርመራ ዝካየደሎም ጉዳያት ክኸውን እዩ።

    እቲ ሓደጋ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝርኣየሉ ናይ 'መዓልቲ ሰራሕተኛታት' ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኩባንያ ኣማዞን በቲ ዘጋጠመ ህይወት ምጥፋእ "ልቡ ከም ዝተሰብረ" ገሊጹ ኣሎ።

    ኩባንያ '21 Air' ብወገኑ፡ ንቤተሰብ ግዳያት ምስጋናኡ ብምግላጽ ምስቲ መርመራ ዝገብር ዘሎ ትካል ምሉእ ብምሉእ ይተሓባበር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

  12. ሩስያን ሰሜን ኮርያን ዘራኽብ ቀዳማይ ድልድል ተመሪቑ

    ኣብቲ ሓድሽ ድልድል መመረቕታ እናተኻየደ ከሎ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣብ መንጎአን ዝርከብ ፈለግ ቱመን ብምቍራጽ ዘራኽብ ናይ መጀመርታ ድልድል ብወግዒ ኣመሪቐን። እዚ ድልድል’ዚ ክልተአን ሃገራት ጽዕነትን ተጓዓዝትን ብዝያዳ ንኽለዋወጣ ዝሕግዝ ኰይኑ፡ ንርክበን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር ግደ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ሩስያ ሚካኤል ሚሹስቲን ነቲ ድልድል ከም "ሓድሽ ምልክት ዕርክነት" ክገልጾ ከሎ፡ ሰሜን ኮርያ ድማ "ታሪኻዊ ፍጻመ" ኢላቶ።

    ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ እቲ ድልድል "ብምስጢር ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ሰራዊትን ንምምልላስ" ዝዓለመ ከም ዝዀነ የጠንቅቑ።

    እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ንሩስያ ትህቦ ዘላ ደገፍ ንምስፋሕ ዝሕግዝ "ናይ ወተሃደራዊ ሎጂስቲክስ መስመር" ክኸውን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይሕብሩ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ታስ፡ እቲ ድልድል ብመዓልቲ ክሳብ 300 ተሽከርከርትን ልዕሊ 2,300 ሰባትን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ኣለዎ።

    ቅድሚ ሕጂ እዘን ክልተ ሃገራት ብባቡርን ኣየርን ጥራይ ይራኸባ ከም ዝነበራ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ቀጥታዊ ርክበን ግን ኣብ ልዕሊ መስመር ባቡር ብዝተነጽፈ ግዝያዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ነይሩ።

    እቲ ንዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ዝወሰደ ሓድሽ ድልድል፡ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣጽዋርን ኣሽሓት ወተሃደራትን ትሰድድ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ ተዛዚሙ።

    ተንተንቲ ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ርክብ እዚ ክልተኣን ሃገራት ኣብ 2024 ዝኸተማኦ ስትራተጅያዊ ምሕዝነት ተግባራዊ ንምግባር ዝተወሰደ ወሰንቲ ስጕምታት ሓደ እዩ።

  13. ትራምፕ ምስሉ ኣብ ሳንቲም ዝተቐረጸ ፈላሚ ህሉው ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ

    ምስሊ ትራምፕ ዝሓዘ ዶላር ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ምስሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓደ ዶላር ሳንቲም ኣመሪካ ተሓቲሙ።

    ንሳነቲም ኣመሪካ ዝሰርሕ ትካል 'ሚንት' ከምዝበሎ፡ እቲ ገጽ ትራምፕ ዝሓዘ ዶላር ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ዘይኮነ፡ ከም ቅርሲ ዝተሓዝ እዩ።

    እቲ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ትራምፕ ኣብ ትካላትን ቅርስታትን ኣመሪካ ሓድጉ ንምውቃር ክወስዶ ዝጸንሐ ተበግሶታት ምዃኑ ይግለጽ።

    ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ብህይወቱ ዘሎ ፕረዚደንት ምስሉ ኣብ ዝኾነ ባጤራ (ገንዘብ) እታ ሃገር ክሕተም ፍቚድ ኣይኮነን።

    ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ነቲ ትካል፡ ክፍሊ ፋይናንስ፡ ከምኡ'ውን ዋይት ሃውስ ተወኪስዎም ኣሎ።

    ብረቡዕ ናይ ፈለማ ሕታም ምስ ወጸ ቀልጢፉ ከምዝተወድአን፡ ተወሳኺ ሳነቲም ክሕተም ምዃኑን ሚንት ሓቢሩ'ሎ።

    ን25 ምስሊ ትራምፕ ዘለዎ ሳነቲም 61 ዶላር፡ ን100 ሳነቲም ድማ ብ154.5 ዶላር ይሽየጥ ከምዘሎ'ዩ ተፈሊጡ ዘሎ።

  14. ልዕሊ 80 ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

    ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ካብ ጃልባ እናወረዱ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብኣንፈት ኣትላንቲካዊ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝተበገሱ ስደተኛታት 80 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብቲ ውቅያኖስ ጠፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ዝነበሩ ሓደ ህጻን ዝርከቦም 83 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 44 ዕድለኛታት ግን ድሒኖም ኣለዉ።

    እታ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ጋምቢያ ዝተበገሰት ጃልባ 127 ሰባት ጽዒና ምንባራ ይፍለጥ።

    ስጳኛዊ መድሕን ባሕሪ (ስፓኒሽ ማሪታይም ረስክዩ) ዝተባህለ ማሕበር ከምዝበሎ፡ እታ ጃልባ ሓሙሽተ ሬሳታትን 44 ሰባትን ሒዛ ኣብ ገማግም ደሴታት ካናሪ እያ ተረኺባ።

    ብሰንኪ ሕማቕ ኲነታት ነቲ ሬሳታት ካብታ ጃልባ ከግዕዝዎ ከምዘይክኣሉ'ውን እቲ ማሕበር ሓቢሩ።

    ንዓመታት በዚ ሓደገኛ መስመር እዚ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብዙሓት ስደተናታት ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዘጋጠሞም ይፍለጥ።

  15. ዓለም 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢል ኒኖ' ኣንጻላልዩዋ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቚ

    ኣብ ሰማያት ዝርአ ሓያል ዝናብ ዝሓዘለ ህቦብላዊ ጸሊም ደበና

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዓለም ኣብ "ሓደገኛ ምዕራፍ ዝኸፍአ ኲነታት ኣየር" ከምዝበጽሐትን ሳዕቤናት ኢል ኒኖ ንመላእ ዓለም ከምዝጸሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቚ።

    ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓያል ኲነታት ኣየር ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ንፈለማ ዝኽሰት ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    እቲ ኲነታት፡ ዋዒ ፕላነት ምድሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ይመጽእ ምህላዉ'ውን ነቲ ስግኣት ኣዕብይዎ ኣሎ።

    እቲ 'ኢል ኒኖ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት ዘይርጉእን ተቐያያሪን ኲነታት ዝፈጥር ኮይኑ ኣብ ገለ ዞባታት ዓለም ደርቂ፡ ኣብ ካልእ ድማ ህቦብላታትን ዕልቕልቓትን ዘስዕብ'ዩ።

    ፈለማ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምስ ማዕበለ ንኣንፈታት ንፋስ ብምዝባዕ ውዑይ ማይ ናብ ምብራቕ ብምድፋእ ዋዒ ናብ ጠፈር ክዓርግ ይገብር።

  16. ቅትለት ቻርሊ ኪርክ፡ ተኸሳሲ ክሒዱ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ድማ የንጸላልዎ

    ቻርሊ ኪርክ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እቲ ንቻርሊ ኪርክ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ታይለር ሮቢንሰን፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ቅትለት "በደለኛ ኣይኰንኩን" ክብል ክሒዱ።

    ዳኛ እቲ ጉዳይ፡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክሓትት ከም ዝተፈቐደሉ ተገሊጹ።

    መስራቲ 'ተርኒንግ ፖይንት ዩኤስኤ' ዝዀነ ወዲ 31 ዓመት ቻርሊ ኪርክ፡ ብ10 መስከረም 2025 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩታ ቫሊ መደረ እናሃበ እንከሎ እዩ ብተዅሲ ክሳዱ ተወቒዑ ተቐቲሉ።

    ጠበቓታት ተኸሳሲ፡ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ካብቲ ክሲ ክእለ እኳ እንተ ሓተቱ፡ ዓቃቢ ሕጊ ግን እቲ ተኸሳሲ ቈልዑ ኣብ ዝነበርሉን ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉን ቦታ ብምትኳሱ፡ እቲ ገበን ከቢድን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘውህብን ምዃኑ ተኻቲዑ ኣሎ።

    ዓቃቢ ሕጊ ቻድ ግሩናንደር፡ "ታይለር ሮቢንሰን ንቻርሊ ኪርክ ካብ ዝቐትሎ 356 መዓልታት ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል ፍርዲ ክወሃብ ጸዊዑ።

    ኣብቲ ጉዳይ ቀሪቦም ዘለዉ መርትዖታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ተኸሳሲ ቅድሚቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ተደጋጋሚ ግዜ ይከታተሎ ከም ዝነበረን፡ ነቲ ጠመንጃ ንምሕባእ ክዳውንቱ ቀይሩ ብምምጻእ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞን ተገሊጹ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ጠመንጃ ዲኤንኤ እቲ ተኸሳሲ ከም ዝተረኽቦን ንመዳቕስቱ "ገበን ፈጺመ" ኢሉ ከም ዝተናዘዘሉን ተሓቢሩ።

    እዚ ጉዳይ ብ23 ጥቅምቲ ዳግማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ቀጥታዊ ናይ መጋባእያ ዕለት ክውሰን ትጽቢት ይግበር።

    ታይለር ሮቢንሰን ምስ ጠበቓኡ እናተላዘበ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    መግለጺ ስእሊ, ታይለር ሮቢንሰን ምስ ጠበቓኡ እናተላዘበ
  17. ዛምብያ፡ ፕረዚደንት ሂቺለማ መናሓንሕቱ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝርከበሉ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ

    ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማ፡

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ዛምብያ ሃካይንደ ሂቺለማ፡ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ቀንዲ መናሓንሕቱ ብገበን "ጥልመት ሃገር" ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘለወሉ፡ ንኻልኣይ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

    ኣብቲ ብ13 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሂቺለማ 60% ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ወግዓዊ ውጽኢት እኳ እንተ ሓበረ፡ 38% ድምጺ ዝረኸበ መናሓንሕቱ ብራያን ሙንዱቢለ ግን "ውጽኢቱ ተደናጊሩ እዩ" ብምባል ይቃወም።

    ሕብረት ኤውሮጳ እውን ኣብቲ መስርሕ ኣጸዋውዓ ድምጺ ሕቶታት ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

    ድሕሪ ምርጫ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዘካየድዎ ወፍሪ ሓደ ምኒስተር ነበር ክቕተል እንከሎ፡ ሙንዱቢለ ዝርከቦም ሓያሎ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት "ዕልዋ ንምክያድ ተዳልዮም" ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

    ሂቺለማ ኣብ ናይ ቃለ-መሓላ መደረኡ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝበሎ ነገር እኳ እንተ ዘየሎ፡ "ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ህርፋን ንሰላምን ምርጋእን ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቕ የብሉን፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

    ንቝጠባ እታ ሃገር ንምርጋእ ብዝገበሮ ጻዕሪ ዝንኣድ ሂቺለማ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ዘመኑ "ዝዓነወት ሃገር" ከም ዝተረከበ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን ካብቲ ዝነበረ ናይ ምርጋእ ስጕምቲ ናብ ዕብየት ቍጠባዊ ብልጽግናን ክሰጋገር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

    እቲ ቃለ-መሓላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነስርዓት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ ነሓስ ብምውሳኹ ሰብ ሃብቲ ኣብ ቍጠባ ዛምብያ ተስፋ ከም ዘለዎም ይግለጽ።

  18. ጀርመን ኣብ መዓርፎ ነፈርታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ሩስያ ኣለዎ ትብል

    ሓደ ጸሊም ልብሲ ዝገበረ መርማሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ሩስያ ዝፈጸመቶ ምዃኑ ጀርመን ከሲሳ።

    ብ4 ነሓሰ ሓንቲ ነተጒቲ ዝጸዓነት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ላይፕዚግ/ሄል ኣብ ጥቓ ሓንቲ ዩክሬናዊት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

    እታ ድሮን ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገማት ክትፍንጀር ከምዘይክኣለት ዝገለጹ ጀርመናውያን መርመርቲ፡ ካልኣይቲ ድሮን ግን ምስ ካልእ ናፊረት ከምዝተጋጨወት ተዛሪቦም። ሳልሰይቲ ድሮን'ውን ድሕሪ 10 መዓልታት ኣብ ጥቓ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺባ ነይራ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ጆሃን ቫደፉል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ቦን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሩስያ ከምዝዓጽዎ ኣፍሊጡ።

    ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ብወገና "በርሊን ንሽበራ ትድግፍ ኣላ" ክትብል ብምኽሳስ ሞስኮ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ።

  19. ዛምቢያ፡ ፕረዚደንት ሂቺለማ ቃለማሕላ ፈጺሙ

    ሃካይንደ ሂቺለማ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሓዝ ኣብ ቅድሚ ማይክሮፎናት ቃለማሕላ እናፈጸመ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፕረዚደንት ዛምቢያ ሃካይንደ ሂቺለማ ካልኣይ እብረ ስልጣን ንምፍላም ኣብ ርእሰከተማ ሉሳካ ቃለማሕላ ፈጺሙ።

    ሂቺለማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 13 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ 60% ብምርካብ'ዩ ስልጣኑ ኣጽኒዑ ዘሎ።

    እቲ 38% ረኺቡ ዝተባህለ ቀንዲ መቐናቕንቱ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ብራያን ሙንዱቢለ ድሕሪ'ቲ መረጻ ብክድዓት ሃገር ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

    ወዲ 64 ዓመት ፕረደዚንት ቺለማ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር "ዓንዩ ጸኒሑና" ዝበሎ ቊጠባ እታ ሃገር ከመሓይሽ ብምኽኣሉ ይንኣድ እዩ።

    ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ተዓዘብቲ ናይቲ ምርጫ ዋላ'ኳ ብሰላም ዝተወድአ እንተነበረ፡ ኣብ ምቚጻር ድምጺ ጸገማት ከምዝነበሮ'ዮም ገሊጾም።

    እታ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ጥቅምቲ 1964 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ካብ እትረክብ ንድሓር ሸውዓተ መራሕቲ ከምዝሸመት ይፍለጥ። ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ካብ 1964 ክሳብ 1991 ዝመርሓ ኬነት ካውንዳ ሃገራዊ መረጻታት ብምክያድ መራሕታ ክትቀያይር ጸኒሓ እያ።

  20. እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ ከምዝማረኸት ገሊጻ

    ኣብ ማእከል ጐደና ዝዓነወት መኪናን ዝዕዘቡን ዝሓልፉን ሰባትን

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    እስራኤል ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ከምዝማረኸት ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሓቢሩ።

    እስራኤል ካትዝ ከምዝበሎ፡ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት እስራኤልን ብእስራኤል ዝድገፉ ሚሊሻ ቓዛን ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት'ዩ እቲ መንነቱ ዘይተገልጸ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ ጉጅለ ተታሒዙ።

    ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ክልተ ቆልዑን ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ከምዝሞቱ ሰብሞያ ጥዕና እታ ወሽመጥ ገሊጾም። ሳልሳይ ቆልዓ'ውን ካብቲ ከባቢ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቓዛ ተቐቲሉ ኣሎ።

    "ኣቐድም ኣቢሉ፡ ላዕለዋይ ኣሸባሪ ሓማስ ተኣሲሩ ኣሎ- ፖሊሲና እዚ'ዩ፡ ስግኣታት ኣይንጽበን ኢና፡ ግና ንኣሸበርቲ ሓማስ ክንሃድኖም ኢና፡ ንትሕተቅርጺ ሽበራታቶም'ውን ከነፍሽሎን ከነዕንዎን ኢና" ክብል'ዩ እቲ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ።