ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?

ምንጪ ስእሊ, NASA/Bill Ingalls
ጠፈርተኛትት ኣርተሚስ-2 ዕዉት ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ ናብ ምድሪ ብሰላም ተመሊሶም።
እዞም ጠፈርተኛታት ኣብ ዙርያ ወርሒ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዮም ኣካይዶም።
ናሳ ኣብቲ ተልእኾ ካብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ዝተቐድሑ ዘደንጽዉ ምስልታት ኣውጺኡ።
ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ስእሊ፡ ናሳ አርዝ ሰት ( Earthset) ኢሉ ዝሰመያ ኰይና መሬት ቀስ ኢላ ብድሕሪ ኣድማስ ወርሒ ክትቅመጥ እንከላ ዘርኢ እዩ።
ካልእ ምስሊ ድማ ወርሒ ንጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ክትጋርዳ ከላ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘደንጹ፡ እቶም ጠፈርተኛትታት ብድሕሪ ወርሒ ክሓልፉ ከለዉ ንኣስታት 54 ደቓይቕ ዝኸውን ፍጹም ከውሊ ግርደት ዝገልጽ ትርኢት ነይርዎም።
ንሳቶም ኣብ ውሽጢ ኦርዮን እትብሃል መንኮርኮር ኰይኖም፡ ነቲ ናይ 250000 ማይል( 400000 ኪ.ሜ) ዝርሕቀቱ ናይ ግዳም ጕዕዞኦም ኣብ ዝቀጸልሉ፡ መሬት ቀስ ብቐስ ብድሕሪኦም እናንኣሰት ክትከይድ እውን ተዓዚቦም።
ነዚ ርሕቀት ካብ መሬት ክሳብ ወርሒ ንምሽፋን ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA/Bill Ingalls
እታ መንኰርኰር ኣብ ወርሒ ንምዕላብ ዒላማ ኣይገበረትን፣ ኣብ መሬት ኴንካ ናብ ዘይርአ ርሑቕ ክፋል ክትበርር እዩ ተልእኾኣ።
ቅድሚ ሕጂ ሳተላይታት ንርሑቕ ሸነኽ ስኢለን እኳ እንተ ነበራ፡ ጠፈርተኛታት ብዓይኖም ነቲ ርሑቕ ሸነኽ፡ ጐዳጐዲታትን ላቫታትን ክርእዩ ግን ፈላማይ እዩ።
ኣብ ተልእኾ ዳግማዊት ኣርተሚስ ዝተራእየ ምዕራፋት ካብ መላእ ዓለም ብቐረባ ክከታተልዎ ጸኒሖም እዮም፤ እዚ ናይ ሎሚ ምምላስ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን።
ኣብ ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣየርን ህዋን - ኣብ ጥቓ እቲ እቶም ጠፈርተኛትታት ዝዓልቡሉ ቦታ - ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምክትታል ድግስ ድማ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም፡ ነቲ ታሪኻዊ ህሞት ተዓዚቦም።

ምንጪ ስእሊ, NASA/Bill Ingalls

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጕጅለ ናሳ ንዕዉት ተልእኾ ኣርተሚስ-2 ገምጊሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ዕዉት ምምላስ ኣርተሚስን ጠፈርተኛታት ኦርዮን፡ ናሳ ገምጋሙ ዝሓዘለ መግለጺ ሂቡ።
ሃዋርድ ሁ፡ ኣካያዲ መደብ ናሳ ኦርዮን፡ ሎሚ "ምጅማር ሓድሽ ዘመን ዳህሳስ ህዋ ደቂ ሰባት" ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ፡ ዳይረክተር መእተዊ በረራ ሪክ ሄንፍሊንግ፡ ዝቕጽል ተልእኾ - ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክግበር ዘለዎን - "ኣብ ቀረባ መጻኢ" ምዃኑ ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ጕጅለ ጠፈርተኛታት ተልእኾ ኣርተሚስ-2 ኣብቲ ጕዕዞ 700,237 ማይላት ተጓዒዞም ኣብ ሰዓት 24,664 ማይል ዝለዓለ ፍጥነት ከም ዝበጽሑ ሄንፍሊንግ ሓቢሩ።
ድምቀት ናይቲ ተልእኾ'ውን ተዘኪሩ፣ ግዝያዊ ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪት ሎሪ ግሌዝ ነቲ ዝተዓዘብናዮ ከውሊ ጸሓይ "ፍጹም ፍሉይ ተመኵሮ" ብምባል ገሊጻቶ።
ወሲኻ'ውን እቲ ካብቶም ኣብ ህዋ ዝነበሩ ጠፈርተኛታት ዝረኸብናዮ ዘደንቕ ናይ መጀመርታ ምስልታት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ክትንተን ምዃኑ ብምሕባር እታ ጕጅለ "ብዙሕ ዳታ ኣኪባ" ትብል።
ኣካያዲ መደብ ሁ ብወገኑ ልቢ ዝትንክፍ ውልቃዊ መግለጺታት'ውን ሂቡ፣ ሎሚ ካብ ስታር ዋርስ ፊልም "ብኣሽሓት ዕጽፊ" ዝሓሸት እያ ክብል ንናይቲ ህሞት ጦብላሕታኡ ኣካፊሉ።
(እታ ስታር ዋርስ ዘርእስታ ፊልም ምስ ነፍስሂር ወላዲኡ ከይዱ ዝረኣያ እያ)
ግዝያዊ ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪት ሎሪ ግሌዝ፡ ነዚ ታሪኻዊ ተልእኾ ን ናሳ ኣብ 2028 ክልተ ግዜ ናብ ወርሒ ምብጻሕ ከካይድ ዝድርኽ ብድሆ ጌርካ ክርአ ከምእትደሊ ብምግላጽ፣ ንኵሎም ኣብ ናይ ህዋ ኢንዱስትሪታት ዘለዉ ነዚ ዓላማ ንምዕዋት 'ምሳና ሕበሩ" ክትብል ጻዊዒት ኣቅሪባ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ኣሚት ክሻትሪያ ብወገኑ፡ ታሪኽ ነቲ ተልእኾ ብትርጕም ዓወቱ ክዝከር ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣሚት ክሻትሪያ፡ ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ናሳ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝገበሮ "ኣገዳሲ ተልእኾ በረራ ህዋ ደቂ ሰባት" ምዃኑ ይዛረብ።
ሎሚ መወዳእታ ናይ ነዊሕ ጕዕዞ ምዃኑን ንናሳ "ነጥበ መቐይሮ" ከምዝዀነን ይዛረብ።
እዚ ንናሳ ተመሳሳሊ ተልእኾታት ንኽገብር 'ትብዓት' ኣብ ምሕዳር ዓቢ ስጕምቲ ከምዝዀነ እውን ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ወለዶ ኣርተሚስ'

ምንጪ ስእሊ, BBC/Shaimaa Khalil
ን 43 ዓመትታት ብዛዕባዋ ህዋ ክትምህር ዝጸንሐት ፓም ለስተማ ብወገና፡ ኣርተምስ-2 ኣብ ሎስኣንጀለስ ክትዓልብ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስደምም ተመኵሮ ምንባሩ ብምጥቃስ
"እቲ ህሞት ልክዕ ከምዚ ሓደ ወለዶ ንኻልእ ወለዶ ተመኵሮኡ ዘሕልፈሉ ኰይኑ ይስምዓካ። ኣርምስትሮንግ ናብ ወርሒ ክስጕም እንከሎ 10ይ ክፍሊ ነይረ፣ እዚ ድማ ካልእ ወለዶ እዩ 'ወለዶ ኣርተሚስ' ብምባል ከምዚ ዓይነት ተልእኾ ኣብ ኣብዛ ብኩናት ዝተሓመሰት ዓለም ሃገራት ብኸመይ ሓቢረን ብሰለማዊ መንግዲ ክሰርሓ ከምዝኸእላ ዘርኢ ኣብነት እዩ" ትብል።
እቶም ታሪኻዊ ዳህሳስ ወርሒ ዘካየዱ ጠፈርተኛታት ኣብዚ እዋን'ዚ ንኣድላዩ መርመራ ናብ ሕክምና ኣምሪሖም ኣለው። እቲ ቀጺሉ ብቐዳምነት ዝኸውን ድማ ምስቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎም ዘለዉ ስድራቤቶም ምርኻብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


