እቶም 7 ኤርትራውያን ኣብ ኢስዋቲኒ ዕቝባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታኦም ኣብ ኢስዋቲኒ ተሪፎም ዝሃደሙ 7 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ዕቝባ ከም ዝሓተቱን ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ጠቒሱ ሓቢሩ።

ካብ ፖሊስ ንዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገበረ ጸብጻብ ኤ.ኤፍ.ፒ፡ ድሕሪ'ቲ ብ31 መጋቢት ኣብ ኤስዋቲኒ ዝተኻየደ ካልኣይ ግጥም እዮም እቶም ተጻወትቲ ብምስጢር ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ዝተረፉ።

ኤርትራ፡ ኣብ ሞሮኮን ኢስዋቲንን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ እግሪ ቅድመ መጻረዪ ግጥማት ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝእንገድ ውድድር 'ኣፍኮን' ንኤስዋቲኒ ብድምር 4ብ1 ረቲዓታ፡ ናብ ዝቕጽል ምዱብ መጻረዪ ከም ዝሰገረት ይፍለጥ።

እታ ብጠቕላላ 24 ተጻወትቲ ሓቝፋ ዝነበረት ጋንታ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ፡ 10 ካብ ተጻወትታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጻወቱ እዮም። ንሳቶም፡ ብደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፡ እቶም ሰለስተ ጥራይ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቶም 7 ኣባላት እታ ጋንታ ድማ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሰበስልጣን ኢስዋቲኒ፡ "ገና ሸውዓተኦም ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ዕቝባ ከም ዝሓተቱን" ንኤኤፍፒ ኣረጋጊጾም።

"ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሰለስተ ተጻወትን ኣርባዕተ ሰበስልጣንን ምህላዎም ፖሊስ ፈሊጡ'ሎ:" ክብል፡ ምክትል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እታ ፖሊስ እታ ሃገር ኖሲፎ ምንጉኒ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሸውዓተኦም ተጻወትቲ ምዃኖም ዝገልጽ'ኳ እንተዀነ፡ ፖሊስ ብዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ እቶም ኣርባዕተ ከም "ሰበስልጣን" እዩ መዝጊቡዎም ዘሎ።

ነዚ ዘነጽር ወግዓዊ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብቲ ንፖሊስ ኢዶም ዝሃቡሉ መዝግብ ዘቕረብዎ መንነት ዝተመርኮሰ ምዃኑ ግን ይግመት።

ሓድሽ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ናብ ኤርትራ ከይተመለሱ ምትራፎም ኣረጋጊጹ።

እቶም ተጻወቲ፡ ድሕሪ እቲ ብ31 መጋቢት ዝተኻየደ ጸወታ እዮም ናብ መደበር ፖሊስ ሎባምባ ዝበለ ምንጉኒ፡ "ናብ ፖሊስ ቀሪብካ ምምልካት፡ ዝዀነ ሓታቲ ዕቝባ ክግብሮ ዝግደድ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ" ክብል ወሲኹ የረድእ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓልስልጣን ቤት ጽሕፈት ኮምሽነር ስደተኛታት ኣብታ ሃገር "ካብ 7 ኤርትራውያን ዜጋታት ብጽሑፍ ዝቐረበ መመልከቲ ሕቶ ዕቝባ" ከም ዝበጽሖ ሓቢሩ።

ሓደ በዓል ስልጣን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኢስዋቲኒ፡ እቶም ሸውዓተ ኤርትራውያን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ምባባነ ውጽእ ኢሉ ኣስታት 15 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ሎባምባ ማእከል ስፖርት ኣዕሪፎም ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

ገሊኦም ድማ፡ ብኣዝማዶም ተሓጊዞም ሕቶ ዕቝባ ከም ዘቕረቡ እቶም ሰበስልጣን ይገልጹ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት፡ ደረት ምንቅስቓስን ውሱን ዕድላትን፡ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ካብታ ሃገር ንኽገሹ ዕድል ዝረኸቡ ዜጋታት መብዛሕትኦም ከም ዘይምለሱ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ተጻወትቲ፡ ኣሰልጠንትን ሰበስልጣንን ዝርከብዎም ኣስታት 80 ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ካብታ ሃገር ወጺኦም ከም ዝዀብለሉ ገምጋም ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብሰንኪ'ዚ ድማ እታ ሃገር፡ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ይዅን ክለባት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንዓመታት ርሒቓ ጸኒሓ እያ።