ናብ ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበሩ በረራታት ከምዝተቛረጹ ነበርቲ ገሊጾም

ኤርፖርት ላሊበላ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ናብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝግበር ዝነበረ በረራታት፡ ካብ ሎሚ 19 መስከረም 2019 ጀሚሩ ከምዝተቛረጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቛረጸ ናብታ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ዝግበር ዝነበረ በረራ ዳግማይ ከምዘይተጀመረ እውን ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ንድሕነቶም ክብል ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ነበርቲ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ምእታው ከምዘይከኣል" ይገልጹ።

ቢቢሲ ንሓላፊ ርክብ ናይቲ መንገዲ ኣየር ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ "ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታትና ሓበሬታ ክንህብ ኢና" ካብ ዝብል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደለየን።

ዛጊት ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተዋህበ እዋናዊ ርእይቶ የለን።

ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ናብን ካብን እቲ ክልል ዝካየድ በረራታት "ንዘይተወሰነ እዋን" ከምዝተቛረጸ ይዝከር።

ነበርቲ ኮምቦልቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል'ውን፡ ምኽንያት እቲ ምቁራጽ ብንጹር ከምዘይፈልጡን "ምስ ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነን" እዮም ገሊጾም።

ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ ላሊበላ፡ ክሳብ ሎሚ በረራታት ከምዘይተጀመረ ገሊጾም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ነባሪ፡ ኣብታ ከተማ ዝኾነ ግጭት ከምዘይተራእየን እንተዀነ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ "ብዙሓት ኣባላት ጸጥታ" ከምዝነበሩን ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ናብታ ታሪኻዊት ላሊበላ ንምብጻሕ ዝኸዱ "ልዕሊ 50 ወጻእተኛታት ዜጋታት" ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቛረጸ በረራታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምምላስ ከምዝተጸገሙ ሓቢሩ።

ብዝተፈላለዩ ትካላት ቱሪዝም ኣቢሎም ናብ ላሊበላ ዝኸዱ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ዝበዝሑ ኣመሪካውያንን እስራኤላውያንን ምዃኖም እውን ሓቢሩ።

ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ካልእ ነባሪ ከተማ ላሊበላ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ በረራታት ደው ከምዝበለ ብምርግጋጽ ናይ መኪና ጉዕዞ ከምዘየለ ጠቒሱ።

"ሕጂ ዝሰማዕ ነገር የለን። ጸጥ ኢሉ ኣሎ። ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተዂሲ የለን። ትማሊ ንግሆ ከቢድ መዳፍዕ ተተኲሱ ነይሩ። ሕጂ ኣብታ ከተማ ሰላም ኣሎ" ኢሉ።

እንተዀነ "ኣብ ዝዀነ ህሞት እንታይ ከም ዝፍጠር ፈጺምካ ስለዘይትፈልጥ ሓደጋ ኲናት ኣሎ" ብምባል ስግኣቱ ገሊጹ።

"ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ባህርዳር ዝመጽእ ሬሳ ሰባት ተሰኪሞምዎ እዮም መጺኦም። ብድሕሪኡ እቲ ሬሳ ብባጃጅ ተጻዒኑ እዩ መጺኡ" ክብል ንቢቢሲ ብዛዕባ ኵነታት እታ ከተማ ኣብሪሁ።

ካብ 13 መስከረም 2019 [ግ] ጀሚሩ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረጸን ዋጋታት ኣቑሑት ኣዝዩ ክብ ይብል ከምዘሎን'ውን ሓቢሩ።

"ነዳዲ 2000 ብር ነይሩ። ሕጂ 2500 ብር ኮይኑ ኣሎ። ኦሞ ካብ 30 ብር ናብ 70 ብር ወሪዱ ኣሎ። ኩሉ ነገር ይውስኽ ኣሎ።"

"ነዳዲ 2 ሽሕ ብር ነይሩ። ሕዚ 2500 ብር ኣትዩ ኣሎ። ኵሉ ነገር ይውስኽ ኣሎ።"

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ዳግማይ ግጭት ስዒቡ፡ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ብቕጽበት ስርሑ ደው ዘበለ ኰይኑ፡ ካልኦት ባንክታት ድማ "ክሳብ 5 ሽሕ ብር" ክፈቕዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ዝዀነ ወጻኢ ከልኪለን ኣለዋ።

ቢቢሲ፡ ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ጨንፈር ባንክን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮም ፈተነታት ኣይሰመሩን።

ናብ ላሊበላ ክገሹ መደብ ዝነበሮም በጻሕቲ ዓዲ፡ "ክሳብ ሕዳር" መደብ ሆቴልን ዑደትን ከምዝተሰረዘ ገሊጾም።

"ኣስታት 40" በጻሕቲ ናብ ኮምቦልቻ ብመኪና ከምዝተለኣዅ እውን እቲ ነባሪ ወሲኹ ሓቢሩ።

እዞም በጻሕቲ "ዜጋታት ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ፖላንድን እስራኤልን ዘጠቓለሉ እዮም። ትማሊ ገሊኦም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮምቦልቻ ሰዲድናዮም፣ ሎሚ ድማ ገሊኦም። ካብ ኮምቦልቻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ ኣለዉ" ኢሉ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተሓደሰ ውግእ እናቐጸለ ይርከብ። ኣብ ዶብ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ግጭታት ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ትግራይ መስመራት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ኢትዮ ቴሌኮም ተቛሪጾም ብምህላዎም ኣብ ንግድን ምትሕልላፍ ገንዘብን ብኸቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ብሰንኪ ምቊራጽ መራኸቢታት፡ ብዛዕባ እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።