ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ልዕሊ ዝበጽሓ ዕጫ ትስጕምዶ ትኸውን?

ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]

ምንጪ ስእሊ, Ali Suleam/SAFF

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዝወደቐ ዕጫ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027፡ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን በጺሕዋ።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ'የን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ፤ እንተዀነ ኣብዚ ኤርትራ በጺሕዋ ዘሎ ምድብ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ምስ ታንዛንያን ዩጋንዳን ብምዃን ነዚ ውድድር ካብ ዘአንግዳ ሃገራት ብምዃና እተመዝግቦ ውጽኢት ብዘየገድስ ብቀጥታ'ያ ክትሓልፍ።

ካብተን ዝተረፋ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን ከኣ ዝሓሸ ነጥቢ ዘለዋ ጋንታ ክትጽንበራ'ያ።

ስለዚ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ንኬንያ ኣውጺእካ እተን ዝተረፋ ሰለስተ ሃገራውያን ጋንታታት ንሓንቲ ኮታ'የን ክጻወታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዕድላ ኣይጸበቐን።

እቲ ከም ከቢድ ምድብ ክግለጽ ዝከኣል ከኣ ሃገራውያን ጋንታታት ጋናን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ሓደ በጺሕወን ዘሎ ምድብ'ዩ።

ምስዘን ኣብ ምድብ ሰለስተ ተመዲበን ዘለዋ ጋናን ኣይቮሪኮስትን ጋምብያን ሶማልያን'የን ተመዲበን ዘለዋ።

ኣብ 2022 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ብምዃን ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተዓወተ ማክስ ኣለይን ግራደል ነቲ ዝበጽሖም ምድብ ኣመልኪቱ "እዚ ምድብ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ንምንታይ'ዩ ግን ንዓና ኩሉ ግዜ ከምኡ ዝበጽሓና፡ ንምንታይ" ብምባል ኣማሪሩ።

ማክስ ኣለይን ግራደል ብምስዓብ "ኣብታ ሃገራዊት ጋንታና እምነት ስለ ዘለኒ ንኽንሓልፍ ኩሉ ነገር ክንገብር ኢና፡" ኢሉ።

ነቲ ካብ 19 ሰነ ክሳብ 17 ሓምለ 2027 ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን'የን ብልፍንቲ ከአንግደኦ።

እዘን ናብ መጻረዩ ዝሓለፈ 48 ሃገራት ኣብ ነብሲ ወከፍ ሓንቲ ምድብ ኣርባዕተ ሃገራት ብምድልዳል 12 ምድባት ኣቚመን ኣለዋ።

ብጀካ ኣብተን ሃገራውያን ጋንታታት ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ዘለወአን ምድባት ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ'የን።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኬንያ ኣብ ዘላቶ ምድብ: ናይጀርያ ታንዛንያ ኣብ ዘለዋቶ ምድብ ቱኒዝያ ከኣ ዩጋንዳ ኣብ ዘላቶ ምድብ ብምህላወን፡ እዘን ሰለስተ ኣአንገድቲ እዚ ውድድር ውጽኢተን ብዘየገድስ ስለ ዝሓልፋ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያን ቱኒዝያን ጌጋ ዘየፍቕድ ጸቢብ ዕድል'ዩ ዘለወን።

 ኣብ ሓደ ምድብ ተመዲቦም ዘለዉ ጋናዊ ኣንቶንየ ሰመንዮን ኣይቮርያዊ ኣማድ ዲያሎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓደ ምድብ ተመዲቦም ዘለዉ ጋናዊ ኣንቶንየ ሰመንዮን ኣይቮርያዊ ኣማድ ዲያሎን

ኣብ ምድብ ሓደ እታ ካብ ሰኔጋል ተመንጢላ ዋንጫ ክትውሃበ ተወሲናትላ ዘላ ሞሮኮ፡ ጋቦን ኒጀርን ሌሴቶን ተመዲበን ኣለዋ።

እታ ሸውዓተ ግዜ ነዛ ዋንጫ ብምስፍሳፍ ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ግብጺ ከኣ ምስ ኣንጎላ ማላውን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ምድብ ክልተ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ሜደአን ሰለስተ ካብ ሜደአን ወጻኢ ከኣ ሰለስተ ጸወታታት ከካይዳ'የን።

እቲ ቀዳማይ ኣርባዕተ ጸወታታት ከኣ ኣብ ወርሓት መስከረም ጥቅምትን ሕዳርን ከካይደኦ'የን።

እቲ ዝተረፈ ጸወታ ከኣ ኣብ መጋቢት 2027 ክካየድ'ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ቅድመ ምጽራይ ሜዳአ ነቲ ካፍ ዝጠልቦ ነጥብታት ስለ ዘየማልአ እቲ ኣብ ሜዳአ ከተካይዶ ዝነበራ ጸወታ ኣብ ሞሮኮ'ያ ኣካይዳቶ።

ንኢስዋቲኒ ኣብ ሞሮኮን ኣብ ኢስዋቲንን ኣብ ክልቲኡ ብምስዓር ብድምር 4 ብ1 ተዓዊታ'ያ ናብዚ መጻረዩ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።

ኣጥቓዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሴሌማን ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢስዋቲኒ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ክደምቕ ክኢሉ'ዩ፤ ብፍላይ ከኣ እታ ኣብ ሜዳ ኢስዋቲኒ ብኣኩራባት ዘመዝገበ ሸቶ ኣብ ታሪኹ እታ ዝበለጸት ሸቶ ምዃና ባዕሉ ክዛረብ ተሰሚዑ'ዩ።

እንተዀነ ካብቶም ናብ ኢስዋቲኒ ዝኸዱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቶም ሸውዓተ ኣብ ኢስዋቲኒ ዑቕባ ብምሕታቶም ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓቢ ሃጓፍ ክፈጥረላ ይኽእል'ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ምድብ 10 ምስ ሰኔጋል፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን በጺሕዋ ኣሎ።

ምስሕሓብ ሰኔጋልን ሞሮኮን ይቅጽል

ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኣንገደ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025፡ ኣብ ጥሪ 18 ሞሮኮን ሰኔጋልን ኣብ ዝገበረኦ መዛዘሚ ጸወታ ሰኔጋል ኣብ ተወሳኺ ግዜ ብዘመዝገበታ ሸቶ ተዓዋቲት ኮይና ዋንጫ ወሲዳ ናብ ዓዳ ከይዳ።

ኣብቲ መዛዘሚ ጸወታ ተጻወትቲ ሰኔጋል ፍጹም ቅላ ዝግብኣና ተኸሊእና፡ ንሞሮኮ ከኣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ዘይግብኣ ፍጹም ቅላዕ ተዋሂብዋ ኢሎም ንውሳነ ዳኛ ብምቕዋም ጸወታ ገዲፎም ናብ መቐየሪ ክዳን ኣትዮም።

ሓለቓ እታ ሃገራዊት ጋንታ ሳድዮ ማነ ብዘቕረበሎም ምሕጽናታ ግን ድሕሪ 17 ደቃይቕ ናብ ጸወታ ተመሊሶም።

ነታ ንሞሮኮ ዝተውሃበት ፍጹም ቅላዕ ክቐልዕ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ብራሂም ድያዝ ዝቐለዓ ሓላዊ ልዳት ሰኔጋል ሒዝዋ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሐን።

ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሰኔጋል ሸቶ ብምምዝጋባ ከኣ ተዓዋቲት ኮይና።

እንተዀነ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኮንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ተጻወትቲ ሰኔጋል ጸወታ ገዲፎም ካብ ሜዳ ብምውጽኦም ብፎረፎይት'ዩ ክስዓር ዝግበኦም ዝብል ውሳነ ብምሃብ እቲ ጸወታ ብዓወት ሞሮኮ ሰለስተ ብዜሮ ከምዝተዛመ ውሳነ ብምሕላፍ፡ ሰኔጋል ነታ ዋንጫን ነቲ መዳልያታትን ንሞሮኮ ከተረክብ ውሳነ ሂቡ።

ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ሰኔጋል ከኣ ነቲ ውሳነ ብምቕዋም ናብ ዝልዓለ ቤት ፍርዲ ስፖርት [Court of Arbitration for Sport (Cas)] ኣምሪሕዎ ኣሎ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ገና ውሳኔኡ ኣይስመዐን ኣሎ።

ምድብ መጻረየቱ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027

ምድብ 1: ሞሮኮ፡ ጋቦን፡ ኒጀርን ለሴቶን

ምድብ 2: ግብጺ፡ ኣንጎላ፡ ማላውን ደቡብ ሱዳንን

ምድብ 3: ኣይቮሪኮስት፡ ጋና፡ ጋምብያን ሶማልያን

ምድብ 4: ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒ፡ ኬንያን ኤርትራን

ምድብ 5: ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳተርያል ጊኒ፡ ሲራልዮንን ዚምባበወን

ምድብ 6: ቡርኪናፋሶ፡ ቤኒን፡ ሞሪሽየስን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን

ምድብ 7: ካሜሮን፡ ኮሞሮስ፡ ናሚብያን ኮንጎ ብራዛቪልን

ምድብ 8: ቱኒዝያ፡ ዩጋንዳ፡ ሊብያን ቦትስዋናን

ምድብ 9: ኣልጀርያ፡ ዛምብያ፡ ቶጎን ብሩንዲን

ምድብ 10: ሰኔጋል፡ ሞዛምቡክ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ምድብ 11: ማሊ፡ ኬፕ ቨርደ፡ ርዋንዳን ላይበርያን

ምድብ 12: ናይጀርያ፡ ማዳጋስካር፡ ታንዛንያን ጊኒ ቢሳውን

  • ቀዳማይን ካልኣይን መጻረዪ ጸወታታት ካብ 21 መስከረም ክሳብ 6 ጥቕምቲ 2026
  • ሳልሳይን ራብዓይን መጻረዪ ጸወታታት ካብ 9 ክሳብ 17 ሕዳር 2026
  • ሓሙሻይን ሻዱሻይን መጻረዪ ጸወታታት ከኣ ካብ 22 ክሳብ 30 መጋቢት 2027 ክካየድ'ዩ።