እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን
ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ጸጥታ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
እቲ ልኡኽ ብሓሙስ 01 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ምስ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሊሰን ሁከርን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያን ተራኺቡ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ምኒስተር ዑስማን፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንምእላይ ዝወሰደቶ ውሳነ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ፡ "ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ዝወስድዎ እወታዊ ስጕምቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ዝሓለፈ 18 መስከረም ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር ንብረት ወጻኢ ኣቢሉ፡ ዝሕለፎ ውሳነ ፈጻሚ ቍጽሪ 14046 ተኣዊጁ ዝነበረ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ግዜኡ ከም ዘብቅዐ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ ቍጠባዊ እገዳ ብምሉእ ከም ዘልዓሎ ይፍለጥ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ንግዳዊ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ትካላት ሕድሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወትን ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ንብረትን ምንቅስቓስ ገንዘብን፣ ክለከላን ቀይድታት ዘብቅዐ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ምልዓል እገዳ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ''ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ብ17 መስከረም 2021 ብዝሃቦ ፈጻሚ ውሳነ ቊጽሪ 14046 ዝጸንዐ ዘይምኽኑይ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘየድሊ ሃስያ'ኳ እንተውረደ፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ ምልዓል እገዳ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተሰረተ ሃናጺ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ንምምዕባል ደራኺ ምዕራፍ ክኸፍት ትጽቢት ይግበር'' ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብቲ ሕጂ ዝተኻየደ ርከብ ድማ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ "ሃናጺ፡ ንኽልቲኡ ዝጠቅምን ሓቀኛን ሽርክነት" ክትሃንጽ ተስፋ ከምዘለዋ፡ ኣብ ንግዲ፡ ወፍርን ሰፊሕ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝያዳ ትዅረት ንምሃብ፡ ተስፋ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣቐዲሙ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበራ ተጻባኢ ፖሊሲታት ክግምገም'ውን ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደንን ተፋሰስ ኒልን ሰላም፡ ምርግጋእን ጸጥታን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣስመራ ዘለዋ ተራ ኣጕሊሑ ተዛሪቡ።
ምስተር ዑስማን፡ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ሰላምን ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብዘሳትፍ ኣገባብ ብምትሕብባር ምስ ኣመሪካ ብዝያዳ ክትሰርሕ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገና፡ ምልዓል እገዳ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ክልተኣዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዘለዎ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ ኢላ።
እዚ ስጕምቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድናን ዝዓበየ ምትሕብባርን ንምምዕባል ክሕግዝ ከምዝኽእል እውን ገሊጻ።
ክልቲኦም ወገናት ረብሓታቶም ዘደንፍዑሉ መዳያት እውን ብምዝታይ ኣብ ሓድሕዳዊ ዘተሓሳስቦም ጉዳያት ዘተ ክቕጽሉ ተሰማሚዖም።
ምስ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ ፍራንክ ጋርስያ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ድማ፡ እቲ ዘተ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ዘተኮረ ኰይኑ፡ ንግድን ወፍርን፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን፡ ከምኡ'ውን ንዘይተፈትሑ ጉዳያት ብዘተ ዝፍታሕሉ መንገድታት ኣተኲሩ።
ኣብ መጻኢ ዝካየድ ዝርርብ፡ ምትሕብባር ንምስፋሕን ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ዝያዳ ዝርዝራዊ ምምኽኻር ክገብሩ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም ክብል ድማ እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ።