እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ 'ኣፍደገ ባሕሪ ንናይ ምርካብ ጻዕረይ ትዕንቅፋ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ከሲሳ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ነብያት ከም ዝገለጾ፡ ፖሊሲታት ግብጺ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምርግጋእ ንምዝራግ ዝዓለመ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ንምብጻሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ኣብ እተካይደሉ እዋን ካይሮ ወጥሪ ክትፈጥር ምጽናሓ ልሙድ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ግን ንድሕሪት ዘይምለስ ምዃኑ ኣነጺሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ግብጽን ኤርትራን ዝተገብረ ስምምዕ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢን ምኒስተር መጓዓዝያ ካሚል ኣል-ዋዚርን ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ዝተፈረመ ኰይኑ፡ ንወደባት ግብጽን ኤርትራን ብቐይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ናይ መራኽብ መጓዓዝያ መስመር ምፍጣር ዝሓዘ እዩ።
ምኒስተር ዓብደልዓጢ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ፍሉይ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘይርከባ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተኣሳሰሩ ዝዀነ ይዅኑ ስምምዓት ናይ ምእታው መሰል ከም ዘይብለን ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ።
እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ቃላት ኲናት፡ ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ብተደጋጋሚ ዘልዓልዎ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ መቐጸልታ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጂኦግራፊያዊ ቤት-ማእሰርቲ እያ እትርከብ ብምባል፡ ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብዘይቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ክትነብር ከም ዘይትኽእልን ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ዶባ ምዃኑን ብምጥቃስ እዚ ሕቶ እዚ ብሰላም ወይ ብሓይሊ ክፍታሕ ከም ዝግባእ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ መርገጺ ብምድጋፍ ድማ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ሃገሮም ናይ ገዛእርእሳ ሓይሊ ባሕሪ ከተጣይስ ምዃናን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ምርካብ ሕልማ ስትራተጅያዊ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ መግለጺታት ብጽኑዕ መርገጺ እዩ ክምልሰሉ ጸኒሑ።
ኣስመራ ነቲ ሕቶ ብወግዒ ክትነጽጎ ከላ፡ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሓባር መሳለጥያ ዘይኰነስ፡ ናይተን ልዑላዊ ዶብ ዘለወን ሃገራት ጥራይ እዩ ብምባል ትገልጽ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 2024 ምስታ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ናታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ መዘክር ስምምዕ ተፈራሪማ እያ።
በዚ ስምምዕ እዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ን20 ዓመታት ዝጸንሕ ናይ 20 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ንወተሃደራውያንን ንግዳውያንን መራኽባ ከተማሓድር ፍቓድ ክወሃባ ተሰማሚዓ ነይራ።
እዚ ስምምዕ እዚ ብወገን ሶማልያ ልዑላውነተይ ዝግህስ እዩ ብምባል ሓያል ተቓውሞ ስለ ዝጐነፎ፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥታትን ሽምግልና ቱርኪን ተዓጊቱ ይርከብ።
ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ካብዚ ናይ ሶማሊላንድ ጉዳይ ንላዕሊ ዝዓመቘ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ (GERD) ዘሎ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ማይ ምስሕሓብ መሰረት ዝገበረ እዩ።
ግብጺ ካብ 90% ንላዕሊ ቀረብ ማያ ካብ ሩባ ኣባይ ስለ እትረክብ፡ ነቲ ግድብ ከም ስግኣት እያ እትርእዮ።
በዚ ምኽንያት ድማ ግብጺ ምስ ከም ሱዳን፡ ሶማልያን ጅቡትን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ከተደልድል ጸኒሓ እያ።
በቲ ካልእ ወገን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ምዃና ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ጌድዮን ጢሞቴዎስ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ዋሽንግተን ከም ዝተራኸበ ዝዝከር እዩ።