ዓቐን መኣዲ፡ እቲ ንጥዕናና ዝብድሆ ዘሎ ኣመጋግባ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም ቀረብ መግቢ ብዝለዓለ መጠን ዓብዮም እዮም።

ሓያሎ ልስሉስ መስተታት፡ ገዘፍቲ በርገራትን ብመግቢ ዝተጠርፈፉ ብያቲታትን ከኣ ኣብ መኣዲ ይርኣዩ። እዚ ድማ ምስ ምኽራሽ (ኣዚኻ ምግዛፍ) ኢድን ጓንትን ኰይኑ ይመጽእ ኣሎ።

መግቢ ብዝቕርባ ትካላት ዘገምጁ ፈተነታት እናገጠመና፡ ብኸመይ ካብ መጠን ንላዕሊ ካብ ምምጋብ ተሓዪብና ጥዕናና ክንሕሉ ንኽእል?

እዚ ለውጢ'ዚ ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ጐሊሑ ዝተራእየ ኰይኑ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ መጠን መግቢ ክውስኽ ጀሚሩ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ሰባት ካብ ቤቶም ወጻኢ - ኣብ ቤትመግቢ - ምምጋብ ስለ ዘዘውተሩን ኣብ መንጎ ኣብያተ መግቢ ውድድር ስለ ዝማዕበለን እዩ።

ዶክተር ሊዛ ያንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ፡ "ሓደ ፓስታ ዝኽሽን ቤትመግቢ ንእሽቶ ቢያቲ ፓስታ እንተ ሸይጡ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዝዓበየ መጠን እንተ ኣቕሪቡ፡ ሰባት ናብቲ ዝዓበየ ዓቐን ዘለዎ ቦታ ክኸዱ እዮም ዝመርጹ፡" ትብል።

"ብተወሳኺ፡ መግቢ ኣዝዩ ሕሱር እዩ ነይሩ። መግቢ ሕሱር ክኸውን ከሎ ድማ ንኣፍረይቲ ረብሓ እዩ፤ ንዓኻ ዕጽፊ ሂቦም ተወሳኺ ገንዘብ ክሓቱኻ ከለዉ ሕሱር ዝረኸብካ ይመስለካ። ንሳቶም ድማ ዝበለጸ መኽሰብ ይረኽቡ፡" ክትብል ተረድእ።

እዚ ጉዳይ'ዚ ከም ብራዚል ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ይንጸባረቕ ከም ዘሎ ዶክተር ማርለ ኣልቫሬንጋ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ ትገልጽ።

"እዚ ዝበዝሕ ግዜ ኣብቶም ብፋብሪካታት ኣብ ዝተዓሸጉን ዝተሰርሑን መግብታት እዩ ዝርአ። ኣብቶም ከም ሩዝ፡ ባልዶንጋ ወይ ዓሳን ዝኣመሰሉ ልሙዳት መግብታትና ዓበይቲ ዓቐናት ኣይትርእን ኢኻ፡" ትብል።

ዶክተር ያንግ ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ናይ ኣመሪካ ስርዓተ-መግቢ ዝመጽአ እዩ።

"ከም ማክዶናልድስ ወይ ገለ ከም ቸኮላታ ዝኣመሰሉ ናይ ኣመሪካ መግብታት ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰጋገሩ ከለዉ፡ ዓቐኖም እውን ክዓቢ ይጅምር። ነቶም ልዕሊ ዓቐን ዝተመስርሑ መግብታት ክትምገብ ከለኻ ድማ ተወሳኺ 500 ካሎሪ ትረክብ።"

ገዚፍ ዓቐን መግቢ ምቕራብ፡ ንብዝሒ ኣመጋግባና ብቐጥታ ይጸልዎ ድዩ?

ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ፡ ኣብ መኣዲ ገዚፍ መግቢ እንተ ተቐሪቡ ብዙሕ ኢኻ እትበልዕ።

ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ መጠን መግቢ ዕጽፊ ክኸውን ከሎ፡ ሰባት ብ35% ዝያዳ ይምገቡ።

እዚ ዝኸውን፡ "ሰባት ኣብ መኣዲ ዘሎ ኵሉ በሊዖም ስለ ዝውድኡዎ ጥራይ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኵሉ ኣይውድእዎን እዮም። እንተዀነ፡ መጠን መግቢ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ እቲ ሰባት ብሓፈሻ ዝበልዑዎ መጠን'ውን ብማዕረ ክውስኽ ከም ዝጅምር ንፈልጥ ኢና፡" ይብል ፕሮፌሰር ሌኒ ቫርታንያን ካብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ - ኣውስትራልያ።

እቲ ዓቢ ጸገም፡ ከብድና (ስርዓተ-ምግብናና) እሙን ስለ ዘይኰነ፡ ክንደይ ዝኣክል መጠን መግቢ ንዓና እኹል ምዃኑ ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ፡ ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

ኣብ እንጠራጠረሉ እዋን ድማ እቲ ዝተቐረበልና ዓቐን ከም መዐቀኒ ንወስዶ።

"ምሒር ንጠምየሉ ወይ ንጸግበሉ ኵነታት ብዙሕ ግዜ ኣይኰነን ዝፍጠር፤ ብኣንጻሩ ኣብቲ ማእከላይ ደረጃ ኢና ንርከብ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ናይ ከባቢና ምልክታት ክንጽሎ ንኽእል ኢና፡" ይብል ፕሮፌሰር ቫርታንያን።

ንኣሽቱ ቢያቲታት ምጥቃም ክሕግዝ ይኽእል ድዩ?

ኣቐዲሙ ንእሽቶ ቢያቲ ምጥቃም ከም ቀሊል መፍትሒ ይርአ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ መግቢ ኣብ ንእሽቶ ቢያቲ ክትርእዮ ከለኻ ብዙሕ መሲሉ ይርኣካ'ሞ ውሑድ ክትበልዕ ይድርኸካ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ክልሰ-ሓሳብ እዚ ብምርምራዊ መርትዖታት ኣይተደገፈን።

"ዓቐን ቢያቲ ንባዕሉ ኣብ ኣመጋግባ ሰባት ዘምጽኦ ጽልዋ የሎን። እቲ ወሳኒ ነገር፡ ተወሳኺ መግቢ ኣብ ጥቓኻ ምህላዉን ዘይምህላዉን እዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ቫርታንያን።

እዚ ማለት፡ መግቢ ዝሓዘ ጣሳታት ኣብ ቅድመኻ እንተ ኣልዩ፡ እንተ ዘይጸጊብካ ነኪኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ሰባት ነቲ ክበልዑዎ ዝኽእሉ ዓቐን ወሲዶም ነቲ መግቢ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ከርሕቑዎ ኣለዎም ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

ብኸመይ ኢኻ ዓቐን መግብኻ ክትቈጻጸር ትኽእል?

ሰባት ንስምዒት ጥሜቶም ብምስትውዓል እንታይ ይበልዑ ከም ዘለዉ ከስተውዕሉ ከም ዝግባእ ክኢላታት ይምዕዱ።

"ሰባት ኣብ ቢያቶም ዘሎ ነገር ኣየስተብህልሉን እዮም፤ ንስምዒት ጥሜቶም'ውን ኣየቕልብሉን። ምጽጋቦምን ዘይምጽጋቦምን ኣይከታተሉን እዮም፡" ትብል ዶክተር ሊዛ ያንግ።

ዓበይቲ ዓቐናት መግቢ ብብዝሒ ምቕራብ፡ ሰባት ነቲ ዓቢ ዓቐን ከም ንቡር ክርእዩዎ ዝገብር 'ምድንጋር ዓቐን' እውን ሰባት ከስተውዕልሉ ይግባእ።

ዶክተር ማርለ ኣልባሬንጋ፡ "ኣነ 'ኣስተውዕሉ' ዝብል ምኽሪ እየ ዝህብ። ነቲ ዝወሃብ ምልክታት ርኣዩዎ፣ ዓቐኑ ኣስተብህልሉ። እቶም መግቢ ዝቕርቡ ትካላት ዘወዓውዕዎ እንታይ ጽልዋ ከም ዘሕድርልኩም ዘለዉ ንቕሑሉ፡" ይብል።

ብዛዕባ ጠዓሞትከ?

"ከም ሜለ ወይ ካልእ ፍረታት ዝኣመሰሉ ኣብ ፋብሪካ ዘይተዓሸጉ መግብታት እንተ ኰይኖም፡ ጥዑያት ስለ ዝዀኑ እቲ እትበልዖ ዓቐን ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኰነን፡" ትብል ዶክተር ያንግ።

እንተዀነ፡ ምልክት (Label) ዘለዎ ዝተዓሸገ መግቢ ትወስድ እንተደኣ ኴንካ፡ እቲ ትካል ሓደ ቅቡል ዓቐን ክንደይ ምዃኑ ክነግረካ እዩ፤ ንኣብነት፡ እቲ ተዓሺጉ ዘሎ ኣርባዕተ ግዜ ክትምገቦ ከም እትኽእል ክሕብረካ ይኽእል። ነቲ መግቢ ካብ መዐሸጊኡ ኣውጺእካ፡ ምስቲ ንስኻ እትበልዖ መጠን ከተነጻጽሮ ኣለካ።

"ነቲ ቅቡል ዓቐን ገምጢልካ ብዓይንኻ ምዘኖ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ኣነ ዝበልዓሉ ቢያቲ ክንደይ ዓቐን እየ ዝበልዕ ዘለኹ?" ኢልካ ንነብስኻ ሕተት። እዚ ድማ ዓቢ ሓገዝ ክህበካ እዩ።"