እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ንምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብ'ፖለቲካዊ ውሳነታት' ወቒሱ
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን እታ ሃገር፡ ኣብ ኣሰራርሓ ሃገራዊ ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ (12 ክፍሊ) "ንጹርነት ዝጐደሎም" ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ብምኽሳስ፡ "ፖለቲካዊ ድራኸ ኣለዎ" ክብል ወቒሱ።
እቲ ቢሮ ናብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ትማሊ 6 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ኣብ ዝጸሓፎ ወግዓዊ ደብዳበ፡ እቲ ምኒስትሪ ብዛዕባ ኣወሃህባን ግዜን እቲ ፈተና ብተደጋጋሚ ዝቐያየሩን "ዘይፍትሓዊ" ዝበሎምን ውሳነታት የሕልፍ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
እቲ ቢሮ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ተግባር "ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብተፈላለዩ መንገድታት ዝፈጸም ዘሎ መጥቃዕቲ" ኰይኑ ከም ዝርድኦ ዝገለጸ ኰይኑ፡ እቲ ንተፈተንቲ ተምሃሮን ወለድን'ቲ ክልል ኣብ ጭንቂ ኣእትዩ ዝርከብ ምስሕሓብ ዛጊት ፍታሕ ከም ዘይረኸበ ዘመልክት እዩ።
እቲ ምኒስትሪ ነቲ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝቐረበሉ "ፖለቲካዊ ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ" ዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ኣብ ኣወሃህባ ፈተና ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ግዜ ምስሕሓብ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኲናትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ትምህርቲ ግዜ ምጥፋእን ዝተኣሳሰር "ትምህርታዊ ውሳነ" እምበር ፖለቲካዊ ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ሕጂ ዝለዓል ዘሎ ጥርዓን፡ ካቢነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ27 ሰነ 2018 ካብ ዘውጽኦ መግለጺታት ዝቐጸለ እዩ።
ብመሰረት እቲ ካቢነ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ 29,755 ተፈተንቲ ተመሃሮ፡ እቶም 14,406 (48.4%) ብድጂታላዊ መንገዲ (ብኢንተርነት) ክፍተኑ ክምደቡ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 15,349 (51.6%) ድማ ብወረቐት ክፍተኑ ተመዲቦም ነይሮም።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ምኒስትሪ ንኻልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ናይ ወረቐት ፈተናታትን ኣድላዪ ባጀትን ክሰድድ ከሎ፡ ንትግራይ ግን ዛጊት ወረቐት ከም ዘይሰደደ እቲ ካቢነ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብዚ ሓድሽ መግለጺኡ፡ እዚ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ትግራይ ዝተገብረ ኣገባብ ኣፈታትና ኣፈላላይን ወረቐት ናይ ፈተናታት ዘይምልኣኹን፡ "ተመሃሮ ትግራይ ብሄራዊ ኣድልዎ ክስምዖምን ካብ ካልኦት ተመሃሮ ተፈልዮም ናይ በይኖም ፈተና ብወረቐት ጥራይ ክወስዱ ብምግባር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምፍጣርን፡" ተባሂሉ ዝተገብረ ውዲት እዩ ክብል ይኸስስ።
እቲ ምዘናን ፈተናን ዝቘጻጸርን ዝመርሕን ኣካል ምኒስትሪ ትመህርቲ ፈደራል፡ በሰንኪ ሎጂስቲክስን ተዛመድቲ ጉዳያትን፡ ኣብ ትግራይ ብወረቐት ንዝፍተኑ ተመሃሮ ዝተፈለየ መዓልቲ [ከምኡ ድማ ካልእ ዓይነት ፈተና] ከውጽእ ከም ዝተገደደን እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ክልላት ክሰርሐሉ ዝጸንሐ ከም ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ሓጺር እዋን ስርዓቱን ደረጃኡን ዝሓለወ ናይ ገዛእ ርእሱ ፈተና ኣዳልዩ ነቶም ብጽሑፍ ዝፍተኑ ተመሃሮ ከም ዝፈትን ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ትግራይ ናይ ገዛእ ርእሱ መእተዊ ነጥቢ ብምውሳን ተመሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትውሉ መንገዲ ከም ዘመቻችእ ዶክተር ኪሮስ ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝወሃብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብቲ ሃገራዊ ስርዓተ-ፈተና ወጻኢ ዝወሃብ ዝዀነ ዓይነት ፈተና ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ሃገራዊ ኣፍልጦ ከም ዘይወሃቦን ኣጠንቂቑ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ዝፈረምሉ እዚ ሓድሽ ደብዳበ፡ እቲ ምኒስትሪ ቅድሚ ሕጂ ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ዘይተወሰነ ግዜ ኣናዊሐዮ ኣለኹ" ዝበሎ ናይ ፈተና ግዜ ምስቲ ሕጂ ካብ ሓምለ 22 ክሳብ 24 ክወሃብ ተባሂሉ ዘሎ መደብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ትግራይ፡ ተመሃሮ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዓቢ ናይ ትምህርቲ ክሳራ ከም ዘጋጠሞም ብምዝካር፡ እዚ ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ኣሰራርሓ ጸገም ነቲ ዝነበረ ዕንወት ዝበኣሰ ከይከውን ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ መወዳእታ፡ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ሓምለ 1 ክሳብ 3 ክፍተኑ ንዝነበሮም ተመሃሮ ስነ-ፍጥረት ከምኡ'ውን ካብ ሓምለ 6 ክሳዕ 8 ክፍተኑ ንዝነበሮም ተመሃሮ ስነ-ሕብረተሰብ ዝተቐየረሉ ንጹር ምኽንያት ክገልጽን እቲ ሕጂ ካብ ሓምለ 22 ክሳዕ 24 ክወሃብ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ፈተና መደብ ብዝርዝርን ብወግዕን ክልኣኸሉን ሓቲቱ ኣሎ።
ዛጊድ ነዚ ደብዳበ ካብ ምኒሰትሪ ትምህርቲ ዝተወሃበ ምላሽ የሎን።