ልዕሊ 2,000 ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝደሓንሉ ዓለማዊ ስርሒት

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ 59 ሃገራት ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ንምክልኻል ኣብ ዝተገብረ ዓለምለኻዊ ስርሒት፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ብኢንተርፖል ዝተወሃሃደ "ስርሒት ግሎባል ቸይን" ዝተሰምየ ወፍሪ፡ ነቲ ንጾታዊ ምዝመዛ፡ ግዱድ ዕዮ፡ ንገበናትን ግዱድ ምልማንን ዝዓለመ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ዒላማ ዝገበረ እዩ ነይሩ።

ሰበስልጣን ከም ዝገለጽዎ፡ ግዳያት ናብ ካምቦድያ ብምውሳድ ኣብ ምትላል - ብኢንተርነት - ንኸሳትፍዎም ዝሰርሕ ዝነበረ መርበብ፡ ከምኡ'ውን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተመልመላ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ኣብ ኤውሮጳ ንጾታዊ ስራሕ ከገድድ ዝጸንሐ መርበብ ከም ዝፈረሰ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብሓፈሻ፡ 2,070 ግዳያት ወይ ግዳያት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝተለለዩ ኰይኖም፡ ሰበስልጣን ከም ዝገለጽዎ መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ካብቶም ዝተታሕዙ ሰባት ድማ እቶም 334 ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ፡ እቶም 690 ድማ ምስኡ ብዝተኣሳሰሩ ገበናት እዮም ተኸሲሶም።

ነቲ ስርሒት ምስ ትካል ምትሕብባር ፖሊስ ሕብረት ኤውሮጳን ትካል ሓለዋ ዶብ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ዝመርሐ ኢንተርፖል፡ ዝቀያየር ሜላታትን ናይ ምስግጋር መንገድታትን ከም ዘቃልዐ ሓቢሩ።

እቲ ስርሒት ከም ዘርእዮ፡ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጽኡ ግዳያት ኣብ ኤውሮጳ ናብ ግዱድ ዕዮ ናይ ምስግጋር ሓድሽ ዝምባለ ከም ዘሎ ዝተለለየ ኰይኑ፡ ካብቶም ዝተለለዩ ግዳያት እቶም ኣስታት 10% ንጾታዊ ምዝመዛ ዝተቓልዑ ካብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ እዮም።

ከም ኣካል ናይዚ ስርሒት፡ ኣብ ኮሎምቢያ ዝርከቡ ሰብመዚ፡ ንሓደጋታት ናይቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝወሃብ ናይ ሓሶት ዕድላት ስራሕ ግንዛበ ንምዕባይ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ምክልኻል ወፍሪ ኣዳልዮም ኣለዉ።

ኢንተርፖል ከም ዝሓበሮ፡ ፈደራላዊ ፖሊስ ብራዚል፡ 406 ግዳያት (83 ብራዚላውያንን 323 ዜጋታት ወጻእን) ናብ ካምቦድያ ብምውሳድ ኣብ ምትላል ብኢንተርነት ከገድዶም ዝጸንሐ ኣህጉራዊ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ክለሊ ክኢሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓደ ድኳን መግቢ ብግዲ ክሰርሑ ዝተገደዱ ክልተ ቦሊቭያውያን ቈልዑ ብፖሊስ ኣርጀንቲና ከም ዝደሓኑን ተጠርጠርቲ እውን ከም ዝተታሕዙን ሓቢሩ።

ብፍሉይ ድማ ሰብመዚ በልጁም፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተመልመላ ግዳያት ብምዕጻው፡ ኣብ በልጁምን ፈረንሳን ዝጸንሑ መርበባት ምንዝርና ብምርካብ፡ 17 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።

እቲ ካብ 8 ክሳዕ 12 ሰነ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ እስያን ኤውሮጳን ብዝተዘርግሓ ሃገራት ብ40,000 ኣባላት ፖሊስ ዝተኻየደ እዩ።

እቲ ስርሒት ከም ዘርኣዮ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ንጾታዊ ምዝመዛ ዝተሰጋገሩ ኰይኖም፡ እቶም 20% ገበን ክሰርሑ፡ እቶም 11% ንግዱድ ዕዮ፡ እቶም 2% ድማ ንግዱድ ምልማን ዝተገደዱ እዮም።

ኢንተርፖል ከም ዝገለጾ፡ ኣብ እዋን ስርሒት ዝተለለዩ ግዳያት ናብ ኣገልግሎት ዕቝባን ደገፍን ውሽጢ ሃገር ከም ዝተመሓላለፉን 465 መርመራታት ከም ዝተጀመሩን ሓቢሩ።

ኣብዚ ስርሒት ተወሳኺ 201 ተጠርጠርቲ ተለልዮም ኣለዉ፤ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ስጳኛ፡ ናይጀርያ፡ ታይላንድን ቬትናምን ዝርከባአን ሃገራት ድማ ተሳቲፈን።

ዋና ጸሓፊ ኢንተርፖል ቫልደሲ ኡርኪዛ ከም ዝገለጾ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ኵሉ ሳዕ ካብቶም ዝበዝሐ መኽሰብ ዘምጽኡን ብሰፊሑ ዝተዘርግሑን ውዱባት ገበናት ሓደ ኰይኑ፡ ዓመት መጽአ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዘይሕጋዊ ኣታዊ የፍሪ።

እዚ ገበን እዚ፡ "ኣብ ልዕሊ ግዳያት ከቢድን ነባሪን ጕድኣት" ከም ዘውርድ ዝሓበረ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ውጽኢት እዚ ስርሒት "ሃገራት ነቶም መርበባት ገበን ንምፍራስን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምድልዳልን ብሓባር ክዓያ ከለዋ እንታይ ክዕመም ከም ዝኽእልን ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።