ኤርትራ፡ ምኒስተር ዜና ንብልጽግናን 'ተሓለቕቱን' ብትሪ ወቒሱ

ምንጪ ስእሊ, SM
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ "ፖተምኪን" ኢሉ ዝጠቕሶ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያን፡ እሙናት ደገፍቱን "ቍጹራት ተሓለቕቱን" ተግባራት እቲ ሰልፊ ንምምኽናይ ደረት ዝሓለፉ እዮም ክብል ብትሪ ወቒሱ።
እታ ሃገር ንጐረባብታ እናተንከፈት ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ብምባል ድማ ነጥብታት ዘርዚሩ።
እቲ ኣብ 2018 ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምዛዛም ኲናት ትግራይን፡ ድሒሩ ድማ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ "ይግብኣኒ" ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ተደዊኑ እዩ፣ ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ድርኵኺት ኲናት ኣትየን ኣለዋ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብ2021 ዝተጻዕነ እገዳ ክለዓልን ምስ ኣስመራ ዝጸንሐ ዝምድና ክመሓየሽን ዝብል ምዕባለታት ተራእዩ'ሎ።
ምኒስተር የማነ እዚ ዳሕረዋይ ዘቕረቦ ክሲ ን"መንግስቲ ብልጽግናን ተሓለቕቱን" ኣብ ምንታይ ፍሉይ ጉዳይ ምዃኑ'ኳ እንተ ዘየመልከተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቶም መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ጠቒሶም ነቲ ምምሕያሽ ዝምድና ኣመሪካ-ኤርትራ ዝተቓወሙ ገለ ሰባት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ብ29 ምያዝያ ዝተዘርግሐ መግለጺ፡ እቶም ነዚ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ብዝተፈላለየ መንገዲ ርእይቶታቶም ዘቕርቡ ዘለዉ ውልቀሰባት፡ "ናጻ ተንተንቲ" ተመሲሎም ዝቐርቡ "ተኸፈልቲ ሎቢታት" ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተስፋታት ንምዝራግ ናብ ዝበለየ ዝተመርጸ ትረኻታቶም ተመሊሶም ጥርጣረታት ከእትዉ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ወቒሱ ነይሩ።
"ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ፣ ምርጫ ዘካይድ ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይብላ፣ ነቲ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዛ ኣብ ዝተኸለቶ ወተሃደራዊ ምልካዊ መንግስቲ ሒዛ ትቕጽል ምስ ዘላ ሃገር ዝግበር ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን፡ ተሰዓርነት ኣመሪካ ዘመልክት፡ ንምልካዊ ስርዓት ድማ መጐስ" ምዃኑ ዝገልጽ ርእይቶታት እዩ ካብ ገለ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ቀሪቡ ነይሩ።
ኣቶ የማነ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እሙናት ሰዓብትን ተሃለቕትን ብልጽግና" ሕጂ'ውን ነቲ ሱር ጠንቂ ናይቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው የምኽንይሉ ኣለዉ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ኣበባ ሰለስተ ፍሉያት ቅሬታታት ኣቐሚጡ።
ቀዳማይ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ጥሪ 2024 ዝፈረመቶ፡ ንኣዲስ ኣበባ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ን50 ዓመት ክራይ ዝሃበ መዘክር ምርድዳእ ጠቒሱ።
እዚ ስምምዕ'ዚ ምግሃስ ልኡላውነት ሶማልያ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝተወገዘ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ካልኣይ፡ ብግሁድ ወተሃደራዊ ምፍርራሕ ዝተደገፈ፡ ብወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኣቢሉ ልዑላዊ መእቶ ባሕሪ ንምርግጋጽ ዝዓለመ "ዘይሕለል ናይ ሚድያን ዲፕሎማስን ወፍሪ"
ሳልሳይ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እትገብሮ ዘላ ምትእትታው ጠቒሱ።
በዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዞባ ከቢድን ብዙሕ ጽፍሒ ዘለዎን ሳዕቤን ፈጢሩ ምህላዉ ዘርዚሩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዓሰብ "እንተስ ብሰላማዊ መንገዲ እንተስ ብሓይሊ ምውሳድ" ዝብል ሓሳብ ከሰጕሙ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ኤርትራ "ተዅታዅን ዘይምኽኑይ ኲናት ንምውላዕን" ዝዓለመ እዩ ክትብል ገሊጻ ነይራ።
እቲ ምኒስተር፡ ነቲ ኣዲስ ኣበባ እተቕርቦ ዘላ "ኤርትራን ካልኦት ዞባዊ መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኪዳን ሓይልታት" ፈጢረን ውዲት ይኣልማ ኣለዋ ዝብል ትረኻ፡ ነቲ ሓቀኛ ምንጪ ናይቲ ወጥሪ ንምኽዋል ዝግበር ግሉጽ ፈተነ ክብል ነጺግዎ።
ከም ኣበሃህላኡ፡ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናብ ቅልውላው ዝደፍኦ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ህርፋን ምስፍሕፋሕ እምበር ናይ ጎረባብታ መልሲ ኣይኰነን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ብረቡዕ 13 ግንቦት ንፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተቐበለሉ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ሃገሩ ኣልዒሉ እዩ።
ኣቢይ ኣብ መግለጺኡ፡ ልዝብ ብዝበለ ዝመስል ቃና፡ "ብሰላማውን ዲፕሎማስያውን መንገዲን ንዓለኻዊ ሕጊ መሰረት ብዝግበረ ኣገባብ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምምልስ፡ ሓወይ ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን፡ ዘለዎ ጽልዋ ተጠቒሙ ክሕግዘና ምዃኑ ተዘራሪብና ኣለና፡" ከም ዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እንተዀነ እቲ ኣብዚ ዞባ ወጥሪ ዘለዓዓለ ጉዳይ፡ እቲ "ልዑላዊ ዋንነት መእቶ ባሕሪ ምርግጋጽ" ዝብል ትረኻ ምዃኑ ይፍለጥ።
የማነ ኣብ መልእኽቲ፡ ህዝብታት'ቲ ዞባ ብናይ ሓንቲ ሃገር ልዕልና ዝድረኽ መወዳእታ ዘይብሉ ግጭት ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ልዑላውነት ዝተሃንጸ ነባሪ ሰላም ይደልዩ፡ ክብል ኣስሚርሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኒስተር የማነ ነቲ 31 ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረብኦ ጻውዒት፡ "ናይ ጸለመ ወፈራ" ክብል ወቒሱ።
ወሲኹ፡ እቶም ነዚ ጻውዒት ዘቕርቡ ዘለዉ ኣካላት ናብታ ሃገር ረጊጾም ዘይፈልጡን ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይብሎምን ምዃኖም ገሊጹ።
እዚ ግብረ-መልሲ ምኒስተር የማነ ዝመጽእ ዘሎ፡ እተን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ብ12 ግንቦት 2026 ኣብ ዝጸሓፍኦ ደብዳበ፡ ኣብቲ ካብ 15 ሰነ ክሳዕ 10 ሓምለ 2026 ዝካየድ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ባይቶ ንስልጣን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዘናውሕ ጽኑዕ ውሳነ ከሕልፍ ድሕሪ ምጽዋዐን እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


