ፊሊፒንስ: ብሓያል ህቦብላ ተወቒዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
Published
"ጎኒ" ዝበሃል ዝናብ ዝሓወሰ ሓያል ህቦብላ: ንፊሊፒንስ ኣዕርዩ ሃስዩዋ ኣሎ።
እዚ ህቦብላ: 225 ኪሜ ብሰዓት እናተሓምበበ: ብሓያል ንፋስን ዝናብን ኣብ'ታ ዓዲ ከቢድ ዕንወት የውርድ ኣሎ።
በቲ ሓደጋ፡ ዛጊድ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ'ሎ።
መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮምን መገድታት ድማ ብማይ ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።
ፊሊፒንስ: ድሕሪ'ቲ ኣብ 2013 ዘጋጠማን 6000 ሰባት ዝቐተለን ህቦብላ 'ሄይያን' ከም'ዚ ዝኣምሰለ ከቢድ ህቦብላ ሪኣ ኣይትፈልጥን።
ብፍላይ ኸኣ: ድሕሪ'ቲ ህቦብላ ርክብ ብምቁራፁ ድሃያ ክርከብ ኣብ ዘይተኽኣለት ኣስታት 70 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቪራክ: ሓያል ዕንወት ወሪዱ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ።ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባት: ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ይርከቦም።
እቶም ክልተ ኣብ ማይ ድሕሪ ምጥሓሎም እዮም ሞይቶም።
እቲ ሓደ ድማ: ብውሕጅ ተወሲዱ ህይወቱ ዝሓለፈ ክኸውን ከሎ: እቲ ራብዓይ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ብዝወደቐ ኦም እዩ ተቐቲሉ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



