ኣብ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ዘጋጥም ግርደት ጸሓይ ንሚልዮናት ኣስደሚሙ

ኣብ ሰማይ ኣርኮስ ደ ላስ ሳሊናስ (ስጳኛ) ምሉእ ግርደት ጸሓይ ቅድሚ ምኽሳቱ ዝነበረ ቅጽበት፤ ነቶም ተዓዘብቲ ድማ ናብ ጸልማት ኣጥሒሉዎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰማይ ኣርኮስ ደ ላስ ሳሊናስ (ስጳኛ) ምሉእ ግርደት ጸሓይ ቅድሚ ምኽሳቱ ዝነበረ ህሞት
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ኣዝዩ ዘደንቕ ግርደት ጸሓይ ኣስተማቒረን።

ኣብ ታሪኽ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ ጥራይ የጋጥም ተባሂሉ ዝተገልጸ እዚ ተፈጥሮኣዊ ክስተት፡ ብሚልዮናት ዝቘጸሩ ሰባት ከም ዝተዓዘብዎ ይእመን።

ነዚ ተርእዮ ካብ ብሪጣንያ ኰይኖም ዝተዓዘቡ ሰባት፡ ጸሓይ ብወርሒ ተሸፊና ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ክትከውን ከላ ርእዮም እዮም።

እዚ ድማ ድሕሪ ሰዓት 19:00 (ብኣቈጻጽራ ብሪጣንያ) ኣብ ዝነበረ እዋን ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ሃገር ጸሓይ ክሳብ 90 ሚእታዊት ተሸፊና ነይራ።

ገሊአን ከባቢታት ግሪንላንድ፡ ኣይስላንድን ስጳኛን ግን ምሉእ ብምሉእ ጸልሚተን፡ ነቲ ዘደንቕ "ምሉእ ግርደት ጸሓይ" ክዕዘባ ዕድል ረኺበን እየን።

ካብ ኣርክቲክ ክሳብ ኤውሮጳ

እቲ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ካብ ሰሜናዊ ጫፍ ሳይበሪያ (ሩስያ) እዩ ጀሚሩ። ቀጺሉ ብውቅያኖስ ኣርክቲክ ኣቢሉ ናብ ኣይስላንድ ምስ በጽሐ፡ ናብ ደቡባዊ ኣንፈት ብምቕጻል ኣብ ብሪጣንያ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ኰይኑ ተራእዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ስኮትላንድ ሰዓት 18:00፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ እንግሊዝ ድማ ቅድሚ ሰዓት 18:20 ክጅምር ከሎ፡ መጀመርታ ብዙሕ ኣይተስተውዓለን።

ይዅን'ምበር፡ ጽሩይ ሰማይ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት፡ ወርሒ ንጸሓይ ቀስ ብቐስ ክትሽፍና ክትርአ ከላ ሰባት ብምግራም ተዓዚቦሞ።

ኣብ ኵሉ ኵርናዓት እታ ሃገር ዝነበሩ ተዓዘብቲ፡ ነቲ ኣድማስ ክሳብ ክንደይ መስተንክር ምዃና ዘዘኻኽር ትርኢት ብታሕጓስን ብኣድናቖትን ተቐቢሎሞ።

ኣብ ካልተን ሂል ዝተኣከቡ ህዝቢ ፍሉይ ጻዕዳ መነጸር ወድዮም ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካልተን ሂል ዝተኣከቡ ህዝቢ

ንምዕዛብ ዝተገብረ ፈተነ

ነቲ ግርደት ጸሓይ ብውሕስነት ንምርኣይ ዘገልግሉ መነጽራት ንምርካብ ዓቢ ጸገም ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መሸጣ ዝቐረቡ መነጽራት ቀልጢፎም ስለ ዝተሸጡ፡ ህዝቢ ነቲ ክስተት ብውሕስነት ንምርኣይ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ክጥቀም ተገዲዱ።

ሰባት መዝፈፊ ወይ መዝቈቚ፡ መሸማዓት ከምኡ'ውን ወረቐት ብምጥቃም፡ ጸሓይ ከይጐድኣቶም ነቲ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ንምዕዛብ ፈቲኖም እዮም።

ድንቂ ተፈጥሮኣዊ ኣጋጣሚ

ካብ ኣሪሃ (ስጳኛ) ዝተራእየ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ መስርሕ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ዘርኢ ዝተወሃሃደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኣሪሃ (ስጳኛ) ዝተራእየ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ መስርሕ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ዘርኢ ዝተወሃሃደ ስእሊ

ግርደት ጸሓይ ዘጋጥም፡ ወርሒ ብመንጎ ጸሓይን መሬትን ምስ እትሓልፍ፡ ንብርሃን ጸሓይ ክፋል ብኽፋል ወይ ምሉእ ብምሉእ ክትክልክሎ ከላ እዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝተራእየ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ካብ 1999 ንደሓር ዝተራእየ ዝዓበየ ክስተት ኰይኑ፡ ኣብ ገሊኡ ደቡባዊ ክፋላት እታ ሃገር ጸሓይ ክሳብ 95 ሚእታዊት ተሸፊና ነይራ።

ጸሓይ ካብ መሬት 150 ሚልዮን ኪሎሜተር ርሕቀት ትርከብ፤ እዚ ድማ ካብቲ ወርሒ ዘላትሉ ርሕቀት ብ400 ዕጽፊ ይበልጽ።

ብኣንጻሩ ሰንጣቒት ወርሒ ካብቲ ናይ ጸሓይ ብ400 ዕጽፊ ዝነኣሰ እዩ። እዚ ፍጹም ተፈጥሮኣዊ ሚዛን ድማ እዩ ወርሕን ጸሓይን ካብ መሬት ክርኣያ ከለዋ ማዕረ ግዝፊ ዘለወን ኰይነን ክስምዓና ዝገብር።

መጻኢ ግርደት ጸሓይ

ኣብ ቤርጎስ (ስጳኛ) ኣብ ዝተራእየ ምሉእ ግርደት ጸሓይ፤ ናይ ጸሓይ ከባቢ ኣየርን ካብ ገጽ ጸሓይ ተቐርቂሮም ዝወጽኡ ዘለዉ ሮዛዊ ሕብሪ ዘለዎም ቀለቤት ጋዝን ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Cesar Manso/AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤርጎስ (ስጳኛ) ኣብ ዝተራእየ ምሉእ ግርደት ጸሓይ፤ ናይ ጸሓይ ከባቢ ኣየርን ካብ ገጽ ጸሓይ ተቐርቂሮም ዝወጽኡ ዘለዉ ሮዛዊ ሕብሪ ዘለዎም ቀለቤት ጋዝን

ኣብ መንጎ 2026ን 2028ን ዓመታት፡ "ወርቃዊ መድረኽ" ምሉእ ግርደት ጸሓይ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብዘን ዝመጽኣ ዓመታት ሰለስተ ምሉእ ግርደት ጸሓይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ዓለም ከጋጥሙ እዮም።

ኣብ ብሪጣንያ ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ግርደት ጸሓይ ንምርኣይ ዓሰርተታት ዓመታት ክጽበዩ ከድልዮም እዩ።

ኣብ 2081 ጸሓይ ክሳብ 99 ሚእታዊት እትሽፈነሉ ግርደት ከጋጥም ከሎ፡ እቲ ዝቕጽል ምሉእ ግርደት ጸሓይ ግን ኣብ 2090 ጥራይ እዩ ክርአ።

ኣብ ሄርተን (ጀርመን) ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ዝርከቡ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዝተራእየ ዝበለጸ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ንምዕዛብ ኣብ ጐደናታት ዝወጽኡ

ምንጪ ስእሊ, Ina Fassbender/AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሄርተን (ጀርመን) ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ዝርከቡ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ዝተራእየ ዝበለጸ ፍርቂ ግርደት ጸሓይ ንምዕዛብ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ነይሮም።
እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ዘደንቕ ትርኢት ግርደት ጸሓይ እናተዛዘመ ክኸይድ ከሎ፡ ወርሒ ድማ ጕዕዞኣ ቀጺላ

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ዘደንቕ ትርኢት ግርደት ጸሓይ እናተዛዘመ ክኸይድ ከሎ፡ ወርሒ ድማ ጕዕዞኣ ቀጺላ