ገበል ኣብ መደቀሲ ክፍልኹም እንተዝጸንሓኩም እንታይ ምተሰምዓኩም?

ምንጪ ስእሊ, NORTH BRISBANE SNAKE CATCHERS AND RELOCATION
ሓደ ኣውስትራልያዊ፡ ኣብ ደገ ጸኒሑ ንገዝኡ ምስ ተመልሰ፡ ገለ ክፋል ናሕሲ ግዝኡ ኣብ ክሽንኡ ወዲቑ ይረኽቦ።
በቲ ዝረኣዮ ዝሰግአ ዴቪድ ቴት፡ ነገራቱ ባህ ስለዘይበሎ፡ ንገዝኡ ክፍትሾ ይጅምረልኩም።
ካብ ዝፈርሖ ግን ኣይደሓነን፡ ሓደ ገበል ኣብ እንዳ ሳሎን ለመም ክብል ይጸንሖ። በዚ ስለዘይቀሰነ ድማ፡ ምፍታሽ ቀጺሉ።
ኣብ መደቀሲ ክፍሉ እትው እንተበለ ድማ፡ ካልኣይ ዓቢ ገበል ጸንሖ። ክልቲኦም ገባብል 22 ኪሎ ዝምዘኑ እዮም።
እቶም ኣትማን "ኣዝዮም ገዘፍቲ" ምዃኖም፡ ኣብ ምሓዝ ናይቶም ለምምታ ዝተዋፈረ ስቲቨን ብራውን ገሊጹ።
እዞም ክልተ ተባዕትዮ ገባብል፡ ጾታዊ ፍቕሪ ኣብ ዝፈጠሮ ኣምባጓሮ ዝተባእሱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ዩ ዝግመት። ከምኡ እንተኾይኑ፡ እታ ዝባኣሱላ ዝነበሩ ኣንስተይቲ ገበል ዛጊት ሃለዋታ ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ቁመቶም ድማ፡ ናይቲ ሓደ 2.8 ሜትሮ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ 2.5 ሜትሮ ይበጽሕ።

ምንጪ ስእሊ, NORTH BRISBANE SNAKE CATCHERS AND RELOCATION
ኣቶ ዴቪድ ቴት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናሕሲ ገዝኡ ኣትማን ጸሓይ ክጽለዉ ተዓዚቡ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።
"ንገዛ ምስ ተመለስኩ ዓቢ ክፋል ናሕሲ ናይቲ ገዛ ኣብ ልዕሊ ናይ ክሽነ ጣውላ ጸኒሑኒ" ክብል ንሓደ 'ዘ ኮሬር-መይል' ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ተዛሪቡ።
ነቲ ዝፈረሰ 'በለፎን' ገዝኡ ምስ ተዓዘበ ድማ'ዩ ነቶም እንስሳታት ክደልዮም ዝጀመረ።
ምስ ረኸቦም ድማ፡ ሃዳኒ ኣትማን ጸዊዑ፡ እቲ ዘፍርሕ ፍጻሜ ኸኣ "ብቕልጡፍ ተፈቲሑ"።
"ፈጺመ ባዕለይ ክትንክፎም ኣይደለኹም" ብምባል ቴት ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, NORTH BRISBANE SNAKE CATCHERS AND RELOCATION
ሃዳን ኣትማን፡ ስቲቨን ብራውን ብወገኑ፡ "ክልቲኦም፡ ምስ ካልኦት ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣዝዮም ዓበይቲ እዮም" ይብል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ሰባት ኣትማን ከጋጥምዎም እንከለዉ፡ ኣብ ዘለውዎ ደው ክብሉን፡ ነቲ ተመን ናብ ዝደለዮ ክኸይድ ክገድፍዎን ኣለዎም። ምኽንያቱ ይብል ንሱ፡ ትም እንተ ኢልኩም ከም ሓደጋ ስለዘይርኢኹም እዩ።
"ኣትማን ካብ ዝኾነ ሓደጋ ክሃድሙ ጥራይ'ዮም ዝደልዩ" ብምባል፡ መንገዲ ክንጸርገሎም'ዩ ዝመክር።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


