ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣሜሪካ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል

ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ንሰዓት እቶ እቶ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ኮይኖም ቑጥዕዖም ይገልጹ ኣለው
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ንሰዓት እቶ እቶ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ኮይኖም ቑጥዕዖም ይገልጹ ኣለው
Published

እቲ ብቕትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተጀመረ ናዕቢ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካ ብናህሪ ይላባዕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብታ ጆርጅ ፍሎይድ ዝሞተላ ከተማ ወጻኢ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ከተማታት ኒውዮርክ፡ ኦክላንድ፤ ኣትላንታ፡ ዳላስ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

ብፍላይ ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ንሰዓት እቶ እቶ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ኮይኖም ቑጥዕዖም ይገልጹ ኣለው።

ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ከተማ ሚኒያፕልስ

እታ ከተማ ነቶም ናዕበኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ጎደናታት ፍሉይ ሓይሊ ተዋፊሩ ይርከብ።

ፖሊስን ናዕበኛታትን ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ
መግለጺ ስእሊ, ፖሊስን ናዕበኛታትን ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ

ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ሓያለ ባርዕ ሓዊ ከምዝተጀመረን፡ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ንኹሉ ከርክቡሉ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ሓያለ ባርዕ ሓዊ ከምዝተጀመረን፡ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ንኹሉ ከርክቡሉ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ ሓያለ ባርዕ ሓዊ ከምዝተጀመረን፡ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ንኹሉ ከርክቡሉ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም

ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ፡ እቲ ኩነታት ናብ ዕግርግርን ዕንወትን ከምኡ'ውን ዝምታ ከም ዝቐጸለ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሚኒያፕልስ

ኣብ ዋሽንግተን፡ ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓያሎ ሰልፈኛታት ተኣኪቦም ተቓውምኦም ኣስሚዖም እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓያሎ ናዕበኛታት ተኣኪቦም ተቓውምኦም ኣስሚዖም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዋሽንግተን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓያሎ ናዕበኛታት ተኣኪቦም ተቓውምኦም ኣስሚዖም

ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎንያ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን መንቢዒ ጋዝ ተጠቒሞም።

ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎንያ፡ ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን መንቢዒ ጋዝ ተጠቒሞም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎንያ፡ ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን መንቢዒ ጋዝ ተጠቒሞም

ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ'ውን፡ እቶም ናዕበኛታት ርሺ ተጠቒሞም መገዲ ክዓግቱ ፈቲኖም እዮም።

ከተማ ሎስ ኣንጀለስ
መግለጺ ስእሊ, ከተማ ሎስ ኣንጀለስ

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሓያል ዕግርግርን ህውከትን ከምዝተራእየ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ። ንሱ፡ "ከምዚ ዓይነት ዕግርግር ካልኣይ ለይቲ ክንርኢ ኣይንደልን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኒውዮርክ

ኣብ ከተማ ዲትሮይድ፡ ኣንጻር ናዕበኛታት መንብዒ ጋዝ ተተኲሱ።

ኣብ ከተማ ዲትሮይድ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ዲትሮይድ

ከተማ ኣሪዞና

ከተማ ኣሪዞና
መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኣሪዞና

ኣብ ከተማ ኣትላታ፡ መካይን ፖሊስ ከምዝተቓጸላን እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍኣ ኩነታት የምርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ። ከንቲባ እታ ከተማ እቶም ናዕበኛታት ክሃድኡ ድማ ተማሕጺኑ።

ኣብ ከተማ ኣትላታ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኣትላታ