ተቓውሞ ዒራቕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መናድቕ ስእሊ ብምስኣል ተቓውምአን ይገልጻ

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ
Published

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ዒራቕ ኣንጻር መንግስቲ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ካብ ኩሎም ማሕበረ-ሰብ ዒራቕ ዝተዋጽኡ ኮይኖም፤ እዛ ብባህሊ ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ እትምራሕ ሃገር ግን ዘይተለመደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተቓውሞ መሪሕ ተራ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ተቓውምአን ድማ፤ ኣብ መናድቕ ባቕዳድ ብዝተሰኣሉ ስእልቲታት እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ
ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ጅራ ፍዮሪ ታሕሪር፡ ወሳኒት ትሕዝቶ ተቓወምቲ'ኳ እንተነበረት፡ ሕጂ ናብ ሕምብርቲ ምህዞ ዝተላበሰ ምሕንጋድ ተሰጋጊራ ኣላ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ድልየትን ጥንካረን ደቂ ኣንስትዮ ዒራቕ ዝገልጹ ናይ መንደቕ ስእሊታት ድማ፡ ፍሉያት ውክልና ተቓውምአን ኮይኖም።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

እዞም ብጓል ኣንስተይቲ ዝስኣሉ ዘለው ስእሊታት፡ መጻኢ ህይወተን ቅርጺ ዘትሕዛሉን ባህገን ዝገልጻሉን መገዲ ኮይሞም ኣለው።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ
ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

እቶም ተቓውሞታትን ናይ መንደቕ ስእሊታትን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥርኑፍ ማሕበረሰብ ንክፈጥራ፣ መንነተንን ታሪኸን ዳግም ንክጽሕፋ ኣኽኢሉወን።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ
ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ንድሕነተን ብምስጋእ ግን ካብ ስድርአንን ሰብኡተንን ፍቓድ ኣይረኽባን።

ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም'ዮም። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ብሕቡእ'ውን እንተኾነ ተሳተፍቲ እቶም ተቓውሞታት ምኻነን ቀጺለን ኣለዋ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ኣብ ታሪኻ፡ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ኣጀንዳን ተነጺላ ንዝጸንሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብዚ ታሪካዊ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ምስታፍ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ሕጂ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ዘካይዱዎ ዘለው ተቓውሞ፡ ከዐውትዎ ዝደልዩ ማሕበራዊ ጠለብ ከም ዘሎ ዘመላኽት'ዩ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

መሰል ዋንነት ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ'ዩ።