ፓኪስታን፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ብዝተልዓለ ባርዕ 74 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ኣብ ፓኪስታንፐ፡ ኣብ ውሽጢ ባቡር ብዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ብውሑድ 74 ሰባት ሞይቶም።
ኣብታ እትጓዓዝ ዝነበረት ባቡር ባርዕ ክለዓል ዝኸኣለ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ቁርሲ ይሰርሑሉ ዝነበረ መትሓዚ ጋዝ ሲሊንደር ተባሪዑ ከምዝኾነ ሓላፊ ሚኒስትሪ መንገዲ ባቡር ሸክ ራሺድ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ሓዊ እንተወሓደ ናብ ሰለስተ ፍርጎታት [ናይታ ባቡር ባጎኒ] ከምዝተጋፈሐ እዩ ተገሊጹ።
መብዛሕተኦም ግዳያት ካብታ ባቡር ንምውጻእ እንትፍትኑ ወዲቖም ከምዝሞቱን፡ ካልኦት 40 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ሰብ ስልጣን ተዛሪቦም።
መብዛሕተኦም እቶም ተጓዓዝቲ ሓደ ሃይማኖታዊ በዓል ንምዝካር ዝጓዓዙ እዮም ነይሮም።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



