ቅድሚ 150 ኣብ ኣማዞን ዝተሳኣሉ ኣገረምቲ ስእልታት

ኣማዞን
Published

እዞም ስእልታት ብጀርመናዊ ሰኣላይ ኣልበርት ፍሪሽ ዝተሰኣሉ ኮይኖም ኣብ ኒውዮርክ ብጨረታ ዝተሸጡ እዮም።

እዞም ኣስእል ኣብ ሰሜን ብራዚል ላዕላይ ሸነኽ ኣማዞን ቅድሚ 150 ዓመታት ዝተሳኣሉ እዮም፡ ናይቲ ቦታ እቶም ዝጠንተዉ ኣሳእል ምኳኖም'ዩ ኸኣ ዝእመን።

ኣልበርት ፍሪሽ፡ ንቅርጺ መሬት፡ ትኳኣ፡ ሚራናን ካይጻናን ዝብሃሉ ደቀ ኣባት እቲ ከባብን ኣብ ኣሳእሉ ኣስፊሩ።

ኣብ ኣማዞን ዝነበረ መንበሪ ገዛ

ኣልበርት ፍሪሽ መስኣሊ ካሜራ ሒዙ ኣብ 1863 እዩ ናብ ርዮ ዲ ጀናርዮ ኣምሪሑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኸኣ ምስ ሉውዘንገር ክሰርሕ ጀሚሩ።

ብኣልበርት ፍሩሽ ዝተስኣሉ ስድራ

ኣልበርት ፍሪሽ፡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ብእግሩን ብጃልባን 1000 ኪሎ ሜተር ብምጉዓዝ፡ ኣብ ሕዳር 1867 ክስእል ጀሚሩ።

ጭማራ ዝሓዘ ሰብኣይ

እዚ ኣሳእል 98 ኣልበማት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1869 ብጆርጅ ሉውዘንገር ከምዝተሓትመ ይግለጽ።

ኣብ ፈለግ ተንሳፍፍ ጃልባ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፈለግ ተንሳፍፍ ጃልባ
ኣደን ህጻንን
መግለጺ ስእሊ, ኣደን ህጻንን
3 ሰብኡት
መግለጺ ስእሊ, ሰለስተ ሰብኡት
ሰብኣይን ሰበይትን
መግለጺ ስእሊ, ሰብኣይን ሰበይትን
ሓርገጽ
መግለጺ ስእሊ, ሓርገጽ