ኮሎምብያ፡ ዕውት ቱር ዲ ፍራንስ በርናል፡ ኣብ ዓዱ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይርሉ

ዕውት ቱር ዲ ፍራንስ በርናል፡ ናብ ዝዓበየላ ከተማ ዚፓኩራ ኩንዲማርካ ኣብ ዝኣተወሉ
Published

ኮሎምብያዊት ከተማ ዚፓኩራ ንዕዉት ቱር ዲፍራንስ ኢጋል በርናል ድሙቕ ኣቐባብላ ገይራትሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተዛዘመ ቱር ዲ ፍራንስ ወዲ 22 ዓመት ኮሎምብያዊ ኢጋል በርናል ነቲ ውድድር ስለ ዝተዓወተሉ ኣብ 110 ዓመታት ታሪክ ሩር ዲ ፍራን ስ እቲ ዝነኣሰ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ዝብል ክብሪ ኣውሂብዎ ይርከብ።

ምምጻእ በርናል ናብ ኮሎምብያ ምስቲ ጽንብል በመል 200 ዓመት ዓወት ኮሎምብያውኣን ኣብ ልዕሊ ስጳኛውያን ኣብ ኵናት ቦያካ ብምግጣሙ ፍሉይ ይገብሮ።

ንበርናል ንምቕባል ካብ ዝወጹ ህጻናት ሓደ

በርናል፡ "ክንድዚ ትኣኽሉ ህዝቢ ንዓይ ንምቕባል ብምትእኽኻብኩም ክርስዖ ዘይክእል እዩ" ክብል ንደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ

"ከምዚ ኢልኩም ምስ ርኣኽኹም እዚ ዓወተይ ንኮሎምብያ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ክስወጠኒ ጀሚሩ"

ንበርናል ንምቕባል ካብ ዝወጹ ህጻናት

በርናል ድሕሪ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ምዝዛሙ ኣብ ሓጸርቲ ውድድራት ተጸሙዱ ብምጽንሑ'ዩ ናብ ኮሎምብያ ኣምሪሑ።

ንበርናል ንምቕባል ካብ ዝወጹ ደገፍቱ

እዚ ዕውት እቲ ውድድር ዝንኣሰ ዕውት እቲ ውድድርን ተባሂሉ ብጫን ጻዕዳን ማልያትተ ዝተሸለመ በርናል፡ እታ ጻዕዳ ማልይኡ ንክብሪ ኣሰልጣኒኡ ከምዘወፈያ ሓቢሩ።

ዕዉት ቱር ዲ ፍራንስ 2019 ዝኾነ በርናል ምስ ኣሰልጣኒኡ ፋብዮ ሮድሪገዝ
መግለጺ ስእሊ, ዕዉት ቱር ዲ ፍራንስ 2019 ዝኾነ በርናል ምስ ኣሰልጣኒኡ ፋብዮ ሮድሪገዝ
በርናል

በርናልድ ነታ ብጫ ማልይኡ'ውን ንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኮሎምብያ ኣወፍእዋ ኣሎ።

ንበርናል ንምቕባል ካብ ዝወጹ ደገፍቱ

"ንቱር ዲ ፍራንስ ክትዕወተሉ ምሕሳብ ሕልሚ እዩ፡ ሕልመይ'ዩ ነይሩ'ውን ፡ ኣን ከኣ ሕልመይ ክዉን ኮይኑለይ ኣሎ፡ ዳግማይ ከም ዝዕወተሉ ከኣ ርግጸኛ እየ" ይብል በርናል።

ሰባት ኣብቲ ንምቅባል በርናል ዝተዳለወ ስወሊ ተጸጊዖም እናተሳኣሉ