ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ማያት ታንዛንያ ጥሒላ

Published
ኣብ ማያት ታንዛንያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ ጃልባ ምግምጣል ሓደጋ ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
እታ 13 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ኢትዮጵያውን ጺዒና ምንባራ፡ ሓደ ኣዛዚ ፓሊስ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዞባ ታንጋ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።
"ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 13 ሰባት፡ እቶም 12 ኢትዮጵያውያን፡ ሓደ ሰብ ድማ ካፕቴን ናይታ ጃልባ'ዩ። ሃለዋቱ ስለዘይተረኽበ መንነቱ ኣይተጻረየን ዘሎ" ክብል ኣዛዚ ፓሊስ ኤድዋርድ ቦኮምበ ተዛሪቡ።
ሓሙሽተ ካብቶም ስደተኛታት ከም ዝደሓኑን፡ ነቲ ገና ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከቡን እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ገሊጹ።
ክፍሊ ኢሚግረሽን ታንዛንያ፡ ብዛዕባ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ንምዝርራብ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከም ዝተራኸበ'ውን ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው እናተጓዕዙ እንከለዉ እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም እቶም ዝደሓኑ ንፓሊስ ተዛሪቦም።
ኣዛዚ ፓሊስ ቡኮምበ ከም ዝበሎ፡ ነቲ ጉዕዞ ዘወሃሃደን ዝመወለን መን ምዃኑ ንምፍላጥ ዛጊድ ብመርመርቲ ኣይተፈልጠን።
ፓሊስ ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝጓዓዙ ኢትዮጵያውን ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ምሓዝ ልሙድ ምዃኑ ኣብሪሁ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


