ኣብ ደቡብ ካሮሊና፡ ሓንቲ ኣመሪካዊት ብሓርገጽ ተቐቲላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ጓል 45 ኣመሪካዊት ኣብ ደሴት ሂልተን ሄድ፡ ደቡብ ካሮሊና ብሓርገጽ ተቐቲላ።
ፖሊስ፡ እዛ ኣመሪካዊት ኣብ መዘናግዒ ማእከል ላጎን ሰኑይ ንግሆ ከምዝተቐተለት ሓቢሮም።
እዛ ግዳይ፡ ካሳንድራ ክሊን ትብሃል ኮይና፡ ካብቲ ማይ ምስ ኣውጽኡዋ ሂወታ ከምዝሓልፈት ተሓቢሩ።
ናይ ዓይኒ መስኻኽር ከምዝሓበርዎ እዛ ጓል 45 ኣምሪካዊት፡ ንከልባ ካብ መጥቃዕቲ 2.4 ሜትሮ ቁመቱ ሓርገጽ ክትከላኸል ከምዝተቐተለት መስኪሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እቲ ከልቢ ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘይወረዶ'ውን ሓቢሮም።
ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ እቲ ቐታሊ ሓርገጽ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ።
እዛ ኣመሪካዊት ትነብረሉ ዝነበረትን፡ ዝተቀተለትሉን መዘናግዒ ማእከል (ሪዞርት) "በዚ ዜና ኣዚና ሓዚንና ኢና" ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ፈሎሪዳ ከልቢ ተዛውር ዝነበረት ጓል 47 ዓመት ኣመሪካዊት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብሓርገጽ ከምዝተቐተለት ዝዝከር እዩ።
እዚ ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ደቡብ ካሮሊና፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተመዝገበ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ሓርገፅ ምዃኑ ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

![ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/05c2/live/d5e6cba0-5408-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


