ቅንያት ኣፍሪካ ብስእሊ

Published

ኣፍሪካን ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ኣፍሪካውያንን ከመይ ቀንዮም?

መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን
መግለጺ ስእሊ, መንፈሳውያን ህፃናት ደቀ-ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ነይረን
ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዚምባብወ ሓደ ህፃን ካብ ቡምባ (ፓምፕ) ማይ እንትሰትይ። ካብ ዋና ከተማ ሃራሬ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቼጉቱ ዝተብሃለት ቦታ ብሶኒ ዝተወሰደ ስእሊ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ግዝኣት ኬፕ ደርቂ ብምውቅዑ ማዩ ኣብ ዝነቐፀ ግድብ ዝሞተ ዓሳ
ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ማይ ዘሎ ኣይመስልን፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ፀበል እንትንፀግ።
እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ።
መግለጺ ስእሊ, እፍሪካውያን ስደተኛታት ነቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምውፃእ ዘውፅኣቶ ሕጊ ኣብ ከተማ ሄርዚልያ ተቓውሞኦም እንትገልፁ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቮሪኮስት-ኣቢጃን ሕብሪ ዝሰተየ ዓለባ መንእሰይ። መንግስቲ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዓውዲ ኢንዳስትሪ ዓለባ ንምስፍሕፋሕ መብፅዓ ኣትዩ'ሎ።
ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ።
መግለጺ ስእሊ, ጋናውያን ኣካል-ጉድኣት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዓለም-ለኸ ፈደሬሽን ኩዕሶ ተወዳዲሮም ነይሮም። ዕላማ እቲ ውድድር ዓቕሚ እቶም ኣካለ-ጉድኣት ንምርኣይ እዩ።
ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዋና ከተማ ቶጎ - ሎሜ ሰብነቱ ሕብርታት ብንዴራ እታ ጋር ዝለኸየ መንእሰይ ተቓውሞ እንተስምዕ። ብተቐውምኡ ድማ ን50 ዓመታት ዝኣክል ካብ ስልጣን ከይወረደ ይመርሕ ዘሎ ስድራ ኤያዴማ ካብ ስልጣን ክወርድ ይሓትት።
ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን።
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ሶሉስ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ መሬት ዝደቀሳ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ መሰላተን ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከብቅዑ ተቓውሞአን ገሊፀን።
ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩጋንዳ ብዓርቢ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ካብ ሞንጎ ዝተመረቑ 14 ሽሕ ተምሃሮ እዞም ክልተ ይርከብዎም።
ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ።
መግለጺ ስእሊ, ብሽም ንጉስ ራምሰስ ካልኣይ ተሰሪሑ 3000 ዓመታት ዕድመ ዘቑፀረ መዘከርታ ሓወልቲ ካብ ዝነበረሉ ኣደባባይ ካብ ብኽለት ናብ ኣየር ናብ ዝፀረየ ቦታ እንትውሰድ።

ፍልፍላት ስእሊ AFPን ሮይተርስን