"ናምቢያ" ኣበይ ትርከብ? ፕረዚደንት ትራምፕ ሓዳሽ ኣፍሪካዊት ሃገር ፈጢሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ሮቡዕ ምስ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ኒውዮርክ ምስተራኸቡ "ስርዓት ጥዕና ናምቢያ ዓርሰ (ርእሰ) ምርኮስኡ እናደልደለ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።
እዚ ድንግርግር ዝተፈጠረ ድማ ብዛዕባ ዕውት ስራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ክዛረቡ እንከለዉ'ዩ። ኮይኑ ግን በቲ ስም'ቲ እትፍለጥ ሃገር የላን። ነይራ ከኣ ኣይትፈልጥን።
እቶም ፕረዚደንት፡ ምናልባት፡ ናሚብያ፣ ዛምቢያ ወይ ድማ ጋምቢያ ክብሉ'ዶ ደልዮም ይኾኑ?
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ነቲ ጉዳይ መዘራረቢ ምግባሮም ኣይተረፈን። ዝተፈላለዩ ግምታት ኣብ ምሃብ ከኣ ይርከቡ።
ገለ ተጠቀምቲ ትዊተር 'ውን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብዛዕባ ኣፍሪካ "ልዑል ዓቕሚ ቢዝነስ" ምህላው ንዝሃብዎ መግለፂ ተቓዊሞም።
ትራምፕ፡ "ብዙሓት ሰባት ሃብቲ ክድልቡ ናብ ሃገራትኩም እናኸዱ፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ የፍሰሱ ኣለዉ'ሞ እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብል እደሊ...። " ኢሎም።
"እዚ ንዘሎ ሰፊሕ ኣማራፂታት ዕዳጋ 'ይውክል'...ክኽየድ ዝግባእ ቦታ እናኾነ ከአ'ዩ" ክብሉ ድማ ሓሳቦም ሂቦም።
እቶም ፕረዚደንት "ናምቢያ" ካብ ዝብል ኣዘራራቢ ቃል ሓሊፉ፡ ረብሓ ዘለዎም ነጥቢታት ከምዘልዓሉ ብምሕባር ደገፎም ዝገለፁሎም እውን ኣይተሳእኑን።

![ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/05c2/live/d5e6cba0-5408-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


