BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
'ሕልሚ'ዩ ዝመስለኒ ዘሎ'- ዳግማይ ጸበባ ሒሳብ ባንኪ ዝተዓፀዎም ተጋሩ
እዚ ኩነታት ኣብ'ቲ ክልል ንዝርከቡ ነበርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ግን ሒሳብ ኣካውንቶም ኣብ ትግራይ ዝተኸፍተ ሰበት'ውን ኩሎም በቲ ውሳነ ተፀልዮም ኣለዉ። ኣብታ ክልል ዘሎ ወጥሪ ፈሪሑ ናብ ኣዲስ አበባ ሃዲሙ እንተመፅአ'ኳ፡ ካብቲ ኩነታት ከምልጥ ኣይከኣለን።
ደደቢት-ኣዲስኣበባ-መቐለ፡ ጕዕዞ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?
ካብ ቃልሲ ናብ ስልጣን፣ ካብ ስልጣን ናብ ኲናት፣ ካብ ኲናት ናብ ስልጣን ሕጂ ድማ፡ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ "ኪዳን ህልውና" ብምምስራት ኣብ ምውጋእ ዝርከብ ውድብ ህወሓት - ታሪኻዊ ጕዕዞኡ እንታይ ከም ዝመስል ብኸምዚ ዝስዕብ ተዳህሲሱ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ደጊፈን ንዝብል ክሲ ነጺገን
ግብጽን ሱዳንን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ከምዝድግፋ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ነጺገን።
ኣብ ኮረም፡ ኣላማጣን ሽረን ዝተሓከሙ ውጉኣት ቍጽሮም 720 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ውግእ ብሰንኪ ብምውልዑ፡ ካብ 22 ክሳዕ 25 መስከረም 2026 ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ተሓከምቲ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (ኤምኤስኤፍ) ኣፍሊጡ።
ብኵራት ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮና ዓለምን መቕጻዕትን - ጉዳይ ቪዛኸ?
ኣብ ሞንትርያል ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 93 ቻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ብዙሕ ፍጻመታት ሰኒዱ ብሰንበት'ዩ ተዛዚሙ። ኤርትራ ኣብ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ ሰለስተ፡ ኤሊት ደቀንስትዮ ሓንቲ፡ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ተጻዋታይ'ያ ኣሳቲፋ፡ ኵሎም ከኣ ንውድድሮም ክውድእዎ ኣይክኣሉን። እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ቢንያም ግርማይን ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙንን'ውን ብድምር ናይ 2400 ዶላር ገንዘባዊ መቅጻዕቲ ብዩሲኣይ ተበይንዎም። ኤርትራ ግን እዞም ሒዛቶም ናይ ካናዳ ዝኸደት ተጻወትቲ ጥራይ ድያ ከተሳትፍ ነይርዋ?
ቀጥታ, ኣባላት ጸጥታ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ሰባት ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ካብ ትግራይ ወጺኦም
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ተወሊዑ ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ፡ እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ኲናት ከየምርሕ ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።
'ትካል ተለቪዥን ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ብደብዳብ ዓንዩ' -ዋና ኣካያዲ ስራሕ
መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ወይ ሰራዊት ምክልኻል ብዛዕባ'ዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቲቪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ይዅን ብዛዕባ'ቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ይገብሩዎ ኣለዉ ዝተባህለ ገስጋስ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ወይ ወግዓዊ መግለጺ ክሳዕ ሕጂ ኣይሃበን።
ናብ ኮምቦልቻን ላሊበላን ዝግበሩ በረራታት ከምዝተቛረጹ ነበርቲ ገሊጾም
ናብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝግበር ዝነበረ በረራ፡ ካብ ሎሚ 19 መስከረም 2019 ጀሚሩ ከምዝተቛረጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቛረጸ ናብ ላሊበላ ዝግበር ዝነበረ በረራ ዳግማይ ከምዘይተጀመረ እውን ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ሓይልታት ጥምረታት ክዕወት ይኽእል'ዶ?
ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ ምምሕዳር" ንምቛምን ጻዕርታት ንምውህሃድ ዝዓለመ ሓድሽ ኪዳን ምቛሙ፡ ሸውዓተ ፖለቲካዊን ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ጥምረት ምዃኑ እውን ሓቢሩ። ገለ ካብቶም ነዚ ጥምረት ዝመስረቱ ጉጅለታት ግን ኣብ ሓደ እዋን ኣንጻር ነንሕድሕዶም ዝተቓለሱ እዮም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፋኖን ህወሓትን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ነንባዕሎም ተዋጊኦም ነይሮም።
ኣከባብራ በዓል- መስቀል ኣብ ገለ ከባቢታት - ብስእሊ
በዓል መስቀል ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ብላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝመርሕዎም ከባቢታት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተሳቲፉ ኣሎ።
የመን፡ ምብጻሕ ቢቢሲ ናብ ቅድመ ግንባር ከተማ ታዕዝ
እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን ዘሰንየና ዝነበረ ወተሃደር "እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ድሮን'ያ፡ እዚኣ ድሕሪ ምምጻኣ መብዛሕትኡ ግዜ ደብዳብ'ዩ ዝስዕብ" በለና። ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ደብዳብ ነብስና ንምክልኻል ኣብ ሓደ ጣሻ ምስ ተሓባእና ብድሕሬና ዝቕጽል ዝነበረ ደብዳብ ክጽዕጽዕ ጀሚሩ። ህድእ ምስ በለ ከኣ ካብቲ ዝተሓባእናሉ ወጺእና ናብ መኪና ተሰቐልና። ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኣበይ ይዓልብ ምህላው'ኳ እንተዘይተረድኣና እቲ ደብዳብ ይቕጽል ነይሩ። ካብ ከተማ ታይዝ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ጎቦታት ኣየናይ'ዩ እቲ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ክትፈልጦ ኣሸጋሪ'ዩ።
ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላታትን ነበር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኒዩክለር ኢነርጂ ኢትዮጵያ ገይሩ ሸይሙ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኢትዮጵያ፡ ዳግም ናብ ካልእ ሙሉእ-ኲናት ትህንደድ ኣላ ድያ?
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ ሓይልታትን መንግስቲ እታ ሃገርን ዳግማይ ውግእ ይጓሓሓር ኣሎ። ኣብ 2022 ደው ካብ ዝበለ ደማዊ ኲናት ገና ዕረፍቲ ዘይተሰምዖም ነበርቲ ትግራይ ምሉእ ኲናት ከይለዓል ኣብ ፍርሒ ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሓይልታት ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጥምረታት ብምፍጣር ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ነታ ሃገር ብሓድሽ መልክዕ ዘዋቐራን ንነዊሕ ግዜ ዘመሓደረን ኢህወዴግ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ ዝነበረ ቅንጅት ብቐንዱ ዝጥቀሱ እዮም። እዞምን ካልኦት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእዩ ጥምረታትን ስለምንታይ ተመስሪቶም? እንታይከ ኣፍርዮም? መፈጸምትኦምከ እንታይ ኰይኑ?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?
እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።
ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሪያድ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ፈተና ኣእትይዋ ይርከብ።
ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?
እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ "እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?" ዝብል እዩ። ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን
እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።
ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?
ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።
ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን
ሎሚ ባሕቲ መስከረም፡ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን እዩ። እብዛ ድርብ ዕለት ውሉደ ክህነት ነታ ዕለት ብዜማን ማህሌትን ጸናጽልን ከበሮን ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ይጽምብሉ። ኣመንቲ ክርስትና ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ነታ ዕለት ብተስፋን ፍስሓን ይቕበሉዋ።
ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?
ቻይናን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንረብሓ ካይሮ ዘቐድም ሓባራዊ መርገጺ ኣውጺአን። እዚ ድማ ቻይና ካብቲ ዝጸንሓ ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ወጺኣ ናብ ግብጺ ምዝንባላ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ፈጢሩላ ኣሎ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?
ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝካየድ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምዝራፍ ተግባራት ብርኡይ ወሲኹ። እዚ፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ጕዕዞታት ባሕሪ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።




![ኣብ ናይ ኤሊት ንኤርትራ ዝወከሉ [ካብ ጸጋም ንየመን] ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስን ሄኖክ ምሉእብርሃንን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/300a/live/45354100-bbc7-11f1-bc1f-3f186ca4140c.png.webp)























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)












![ፌቨን ገብረእግዝኣብሄር [ፌቨን ማርኮ] ኣብ ቁኖን ስነ ጽባቐን ኢላ ብምጅማር፡ ነቲ ሞያ ብደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምዕባይ ኣብ ካምፓላ ብስነ ጽባቐ ኣብ 17 ዙርያታት ብኣማኢት ዝቁጸራን ዝቁጸሩን ሰብ ሞያ ኣፍሪያ ኣላ፡ ፌቨን ኣብዚ ከይተሓጸረት ኣብ ኣስታት 15 ፊልምታት'ውን ከም ሜክ ኣፕ ኣርቲስት ብምዃን ሰሪሓ እያ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/ebe4/live/289933b0-9b94-11f1-a291-b542ee92de7c.png.webp)
















































