ካብ ሞት ናብ ተስፋ፡ ብሓድሽ ሕክምናዊ ተኣምር ካብ መንሽሮ ደም ዝደሓነት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

እዚ ሕክምና ሳይንሳዊ ልብወለድ'ዩ ዝመስል። ብዘደንቕ መልክዑ ሕክምና ንዘይጸንሖ መንሽሮ ደም መፍትሒ ሂቡ።

ብቕልጡፍ ይላባዕ ብዘሎን ሕክምና ዘይብሉን መንሽሮ ደም ካብ ዝተትሓዙ ሕሙማት፡ ኣብ ውሱናት ለውጢ ከም ዝተርኣየ ዶካትር ገሊጾም።

እቲ ሕክምና፡ ኣብ ጻዕዳ ዋህዮታት ደም ጀነቲካዊ ምህንድስና ብምግባር እዩ ዝወሃብ።

ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ጀነቲካዊ ምህንድስና ምስ ተገበረሎም፡ ንመንሽሮ ምቅላስ ዝኽእሉ ይዀኑ።

ቢቢሲ፡ ንፈለማ እዋን እዚ ሕክምና ዝተገበረላ ውልቀሰብ ዝምልከት ኣብ 2022 መደብ ሰሪሑ ነይሩ።

ካብቲ ሕማም ምስ ደሓነት፡ ኣብ መንሽሮ ትመራመር ንምዃን ንምዃን ኣንቂዳ ኣላ።

እዚ ሕክምና፡ በዚ ዓይነት መንሽሮ (T-cell acute lymphoblastic leukaemia) ንዝተትሓዙ ሸሞንተ ህጻናትን ክልተ ኣባጽሕን ተዋሂቡ።

ካብቶም ተሓከምቲ፡ 64 ሚእታዊት ዝዀኑ ሓውዮም።

ንሰብነት ካብ ሕማም ዝከላኸሉ ዋህዮታት(T-cells) ቀንዲ ስርሖም ሓደጋ ንኸየጋጥም ምክልኻል እዩ።

እንተዀነ፡ ብምኽንያት ሉኪሚያ ስርሖም ይሞናገ (ይሰናኸል)። ነዚ ሕማም ንምፍዋስ ኪሞቴራፒን ሕክምና ኣንጕዕ ዓጽምን ውጽኢት ስለ ዘየምጽኡ፡ ኣብ ፈተነ ዘሎ ሕክምና ከም ኣማራጺ ተወሲዱ።

በዚ ሕማም ንዝተትሓዙ ሰባት ምፍዋስ ስለ ዘይተኽኣለ፡ ህይወቶም ክትሓልፍ እንከላ፡ ካብ ስቓይ ነጻ ንክዀኑ ምሕጋዝ ተመራጺ መንገዲ ኰይኑ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሌስተር ትነብር ጓል 16 ዓመት ኣሊሳ ታማሊ፡ ብጀነቲካዊ ምህንድስና ጥዕናኣ ተመሊሱ።

"ከም ዝመውት እሓስብ ነይረ። ከም ቈልዓ ክገብሮ ዝግብአኒ ገይረ፡ ዓባይ ሰብ ክኸውን'የ ኣይበልኩን፡" ትብል።

ኣሊሳ፡ ኣብ ዓለም እዚ ሕክምና ዝተገበረላ ፈላመይቲ ሰብ እያ። ኣብ ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት ሆስፒታል ድሕሪ ምሕካማ፡ ንህይወት ተጠዓዕማ ኣላ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኻየደ ታሪኽ ዝልውጥ ሕክምና፡ ንናይ ቅድሚ ሕዚ ናይ ሰብነታ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ብሓድሽ ለዊጥዎ።

ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ እንክትሕከም፡ ረኽሲ ከይሕዛ ብዝብል ሓዋ ይሓታ ኣይነበረን።

ሕዚ እቲ መንሽሮ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነታ ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። በብዓመቱ ጥዕንኣ ንምክትታል ናብ ሆስፒታል ትኸይድ።

ኣሊሳ ምዝዋር (ምግናሕ) መኪና ትመሃር ኣላ። ኣብ ኣገልግሎት ወለንተኛታት'ውን ወፊራ ኣላ።

"ኣብ ባዮሜዲካል ሳይንስ ከም ጀማሪት በዓልቲ ሞያ ኰይነ ክሰርሕ እደሊ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ምርምር መንሽሮ ደም ከም ዝኣቱ እትስፎ፡" ትብል።

ዝተገበረላ ጀነቲካዊ ምህንድስና 'base editing' ይበሃል።

ቤዝስ ዝበሃሉ መሰረት ደቂሰባት ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣርባዕተ ዓይነታት እዮም።

እዚኦም ድማ ኣድኒን (adenine (A))፣ ጉዋኒን (guanine (G))፣ ሲቲሲን (cytosine (C)) ከምኡ'ውን ታይሚን (thymine (T)) እዮም።

መበገሲ ጀነቲክስ (መበቈል) እዩ፣ ብቢልየናት ዝቝጸሩ ጂናት ድማ ኣብ ሰብነት ደቂሰባት ይርከቡ።

ሰብነት ዘለዎ ቅርጽን ምንቅስቓስን ዝሕዝ፡ ብምኽንያት ቤዛት እዩ።

ኣብዞም ጂናት ዝግበር (ዝካየድ) ምህንድስና፡ ኣብ ሓደ ቤዝ ጥራሕ ዘነጻጸረ ለውጢ እዩ።

ጥዑያት ጸዓዱ ዋህዮታት ደም፡ ብሉኪሚያ ንዝተትሓዙ ዋህዮታት ደም ንኸጥቅዑ ዘኽእል ሕክምና እዩ።

ጸዓዱ ዋህዮታት ደም፡ ብመንሽሮ ንዝተትሓዙ ዋህዮታት ደም መሪጾም ከጥቅዑ ምግባር፡ ቀሊል ከይዲ ኣይኰነን።

ጥዑይ ጻዕዳ ዋህዮ ደም ካብ ዘለዎ ሰብ ብዝግበር ልገሳ፡ ንዓቕሚ ዋህዮታት ደም ምድንፋዕ (ምሕያል) ይከኣል።

ቀዳማይ ደረጃ እቲ ሕክምና፡ እቶም ጸዓዱ ዋህዮታት ደም ንሰብነት እቲ ዝሓመመ ሰብ ንኸየጥቅዑ ምግባር እዩ።

ሲዲ7 (CD7) ዝተብሃለ ኬሚካል ብምውጋድ፡ ዋህዮታት ንርእሶም ካብ ምጕዳእ ንኽዕቀቡ ይገብር።

እቲ ሳልሳይ ደረጃ ብመድሓኒት ኪሞቴራፒ ዋህዮታት ንኸይሞቱ ምግባር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ደረጃ ሕክምና ድማ፡ ዋህዮታት ደም ሲዲ7 ንዘለዎም ደልዮም ንኸጥፍኡ ምግባር እዩ።

ዋህዮታት ንሓድሕዶም እንከይተጐዳድኡ፡ መንሽሮ ንዘለዎም ዋህዮታት ይቐትሉ።

ድሕሪ እዚ ሕክምና ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ውሽጢ ሰብነት ተሓከምቲ መንሽሮ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ምቕያር ኣንጕዕ ዓጽሚ ይካየድ። እዚ ድማ፡ ንናይ ሰብነትና ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት የጐልብት።

ኣብ ሆስፒታል ኪንግስ ኮሌጅን ሆስፒታል ግሩት ኦማንድ ስትሪትን ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ዋሲም ቃሲም፡ "ቅድሚ ዓመታት እዚ ምግባር ዝከኣል ኣብ ሳይንሳዊ ልብወለድ ጥራሕ'ዩ ነይሩ፡" ይብል።

"ንጠቕላላ ናይ ሰብነት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪስና ዓሚቕ ሕክምና ንህብ። ንተሓከምቲ ዘድክም ሕክምና'ኳ እንተዀነ፡ ውጽኢታዊ ምዃኑ ዘሐጕስ እዩ።"

ኣብ መጽሔት ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ ሜድስን ዝተሓተመ መጽናዕቲ ንውጽኢት 11 ተሓከምቲ የመልክት።

ትሽዓተ ተሓከምቲ በቲ ዝረኸብዎ ሕክምና፡ ኣብ ሰብነቶም ዝነበረ መንሽሮ ስለ ዝጠፍአ፡ ናብ ምቕያር ኣንጕዕ ዓጽሚ ተሰጋጊሮም።

እዚ ሕክምና ካብ ዝግበረሎም ካብ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ዝሓለፎም ሕሙማት መንሽሮ ጥዕንኦም ተመሊሱ።

ናይ ሰብነቶም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ድኹም ኣብ ዝዀነ ተሓከምቲ፡ ንረኽሲ ተቓላዕቲ ምዃኖም ዘስግእ እዩ።

ኣብ ክልተ ተሓከምቲ፡ መንሽሮ ዝሓዞም ዋህዮታት ሲዲ7 ኬሚካል ብምጥፋእ፡ ኣብ ሰብነት ክሕብኡ ክኢሎም።

ኣብ ሆስፒታል ግራንድ ኦማንድ ስትሪት ብዓልሞያ ሕክምና ኣንጕዕ ዓጽሚ ዶክተር ሮበርት ቺሳ፡ "እዚ ዓይነት ሉኪሚያ ከቢድ እዩ። ከቢድ ምስ ምዃኑ ውጽኢት እቲ ሕክምና ዘደንቕ እዩ። ንተሓከምቲ ተስፋ ክንህብ ብምኽኣልና የሐጕሰኒ፡" ይብል።

ኣብ ኮሌጅ ኪንግስ ትሰርሕ ዶክተር ዴቦራ ያሎፕ ብወገና፡ "ክሓዊ ንዘይኽእል ሉኪሚያ ሓዊሱ ኣብዚ ሕማም ተስፋ ዝህቡ ውጽኢታት ረኺብና፡" ትብል።

ኣንቶኒ ኖለን ኣብ ዝበሃል ትካል ምርምር ስቴም ሴል ትሰርሕ ዶክተር ታኒያ ዴክስተር፡ "እዞም ሕሙማት ቅድሚ እዚ ሕክምና ካብ ሞት ናይ ምድሓን ዕድሎም ውሱን'ዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ተስፋ ወሃብቲ ሕክምናታት ብስፍሓት ክባጽሑ'ዮም ኢልና ንትስፎ፡" ትብል።