ኣብ ሞናኮ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ዝተጠርጠረት ሰበይቲ ብኸመይ ኣብ ዩክረይን ሞይታ ተረኺባ?

ጓል 39 ዓመት ዩክረይናዊት ጥርጥርቲ

ምንጪ ስእሊ, Interpol

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ሞናኮ ቦምብ ብምፍንጃር እገዳ ተነቢርሉ ንዝርከብ ዩክረይናዊ ሃብታምን ስድራኡን ብምቝሳል ዝተጠርጠረት ሰበይቲ ሞይታ ከም ዝተረኽበት፡ ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ገሊጹ።

እታ ኣናስታስያ በረዞቭስካ ዝስማ ዩክረይናዊት ሰበይቲ፡ ብ29 ሰነ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ህንጻ ኣፓርታማ ቦምብ ድሕሪ ምጽዋዳ ካብታ ከተማ ከም ዝሃደመት ሰበስልጣን ይኣምኑ።

በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምውዓላ ስግረ-ዶባዊ ናይ ምድላይ ስርሒት ተኻዪዱ።

ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይንን ዋና ዓቃቢ ሕግን፡ ሬሳ እዛ ጓል 39 ዓመት ሰበይቲ፡ ኣብ ርእሳ ናይ ጠያይቲ ማህረምቲ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዞባ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ዱር ተቐቢሩ ተረኺቡ።

ሓደ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን ዘገልግል ዘሎ መኮንን ዝርከቦም ክልተ ሰባት ብቕትለታ ተኸሲሶም ኣለዉ።

በረዞቭስካ ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ማለት ብ1 ሓምለ ናብ ዩክረይን ከም ዝኣተወት፡ እቲ ኣገልግሎት ድሕነት ንምንጭታት ሓለዋ ሕጊ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ክልተ ጥርጡራት ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንበረዞቭስካ ኣብ ዞባ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ጐደና ኣብ ውሽጢ መኪና ከም ዝረኸቡዋ፡ ቤትጽሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዩክረይን ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እታ ግዳይ ምስኣቶም ንዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምርኻባ ተቐቲላ።"

ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ከም ዝገለጾ፡ ንሳ ናብ ዩክረይን ድሕሪ ምእታዋ ምስ ስድራቤታን ምስ ክልተ ሰባትን ርክብ ገይራ ነይራ።

እቶም ክልተ ሰባት ሓደ ናይ ቀደም ዓቃቢ ሕጊ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ሓለዋ ስለያ መሪሕነት ዘገልግል ዘሎ መኮንን እዩ።

እቶም ክልተ ሰባት፡ ናብ "ባንክን ሕሳባት ክሪፕቶን" በረዞቭስካ ተኸታተሊ ገንዘብ ከም ዝሰደዱ ዝሕብር ሓበሬታ ብምርካቡ፡ ኣብቲ ኣብ ሞናኮ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓባበርቲ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ክምርመሩ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ናይ ስለያ መኮንን ድሕሪኡ ንበረዞቭስካ ከም ዝቐተላ ዝተኣመነ ኰይኑ፡ ነዚ ድማ ምስ "ካልእ ተጠርጣሪ" ብሓባር ከም ዝፈጸሞ ምግላጹ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ክልተኦም ሰባት ካብቲ ግዜ ጀሚሮም "ኣቐዲሙ ብዝተወሰነ ብጕጅለ ሰባት ብዝተገብረ ሓባራዊ ውዲት ኰነ ኢልካ ብምቕታል" ተኸሲሶም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዞባ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ገዛ እቲ ናይ ቀደም ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝተገብረ ተፍትሽ፡ "መሳቐዪ ክፍሊ ዝመስል" ምድር-ቤት ተረኺቡ ኣሎ።

እቲ ቦታ መጥቃዕቲ ቦምብ ዘርኢ ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዩክረይን ግን እዚ ክፍሊ ምስ ጉዳይ በረዞቭስካ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዘርኢ "ጭቡጥ መርትዖ የሎን" ብምባል፡ እዚ "ናይ ሓደ ተጠርጣሪ ባህሪ ዘንጸባርቕ ጥራይ እዩ፡" ኢሉ።

ቤትጽሕፈቱ ነቲ ክፍሊ ዘርኢ ቪድዮ ዝዘርግሐ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ ንኣሽቱ ናይ ደም ነጠብጣብ ዘለዎ ምንጻፍ ይረአ። ብተወሳኺ ክልተ ፋስ፡ ሓደ ዳማ፡ ኣብ ባይታ ዝተነጽፈ መሸፈኒ ጨርቂ ከምኡ'ውን ሓደ ዓቢ ቦርሳ ይረኣዩ።

ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ሞናኮ ሞርጋን ሬይሞንድ ከም ዝገለጾ፡ በረዞቭስካ ነቲ ቦታ ንምጽናዕ መዓልታት ዘሕለፈት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ "ሰብኣይ መሲላ" ነይራ።

እቲ ብቦጥ ዝተላእከ ቦምብ፡ ልክዕ ናብቲ ህንጻ ክኣትዉ ከለዉ ምስ ተፈንጀረ፡ ሰለስተ ሰባት ክቘስሉ ከለዉ፡ ክልተ ካብኣቶም ከቢድ መጕዳእቲ ወሪድዎም እዩ።

በረዞቭስካ ብተኻረየቶ መኪና ገይራ ናብ ኢጣልያ፡ ካብኡ ቀጺላ ድማ ናብ ጀርመን ከም ዝሃደመት ይእመን።

ኣብኡ ድማ ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ጀርመን ብሓሙስ እታ ሰበይቲ ንተኻረየቶ ኣፓርታማ ከም ዝፈተሹ ፖሊስ ገሊጹ።

ኢንተርፖል ብዓርቢ፡ ንሳ ብገበናዊ ውዲት፡ ኣብ ህዝባዊ ጐደና ተፈንጃሪ ብምጽዋድን ንቕትለት ብምፍታንን እትድለ ዘላ ምዃና ዘጠንቅቕ ናብ ፖሊስ መላእ ዓለም ዘርጊሑ።

ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ከም ዝገለጾ፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ኵሉ ዘለዎም ሓበሬታ ምስ ሰበስልጣን ሞናኮ "ብልዑል ምትሕብባር" ኣካፊሎም እዮም።

ዓቀብቲ ሕጊ ወሲኾም፡ ነቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ "ካልኦት ጥርጡራት" ንምልላይ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ሞናኮ ዘለዉ ሰበስልጣን መንነት እቶም ግዳያት ወግዓዊ እኳ እንተ ዘይገበሩዎ፡ ናይቲ ከባቢ ማዕከናት ዜና ከም ዝሓበርኦ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ንቫዲም የርሞላየቭ፡ ዓርኩንን ወዲ 13 ዓመት ወዱን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

የርሞላየቭ ኣብ ስራሓት ህንጻ ዝዓዪ ኰይኑ፡ ብመጽሔት ፎርብስ ኣብ 2020 ብናይ 230 ሚልዮን ዶላር ሃብቱ መበል 39 ዝሃብተመ ዩክረይናዊ ተባሂሉ ተጠቒሱ ነይሩ።

ኣብቲ ሩስያ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝጸንበረቶ ክራይሚያ ኣብ ምፍራይ ወይንን ኣልኮልን ዓቢ ቍጠባዊ ረብሓታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ድማ ብመንግስቲ ኪቭ እገዳ ተነቢርሉ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 2019 ናይ ዩክረይን ዜግነቱ ሓዲጉ ዜግነት ቆጵሮስ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ሞናኮ ይነብር ኣሎ።