ኒዩክሌር ዘለወን ሃገራት በዓል መን'የን፤ ብኸመይ ከ ወኒነንኦ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተቘጻጻሪ ኒዩክሌር ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ናይ ምፍራይ ዓቕማ "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ከም ዘርኣየ ይገልጽ።
ሓላፊ ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ብረቡዕ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዮንግብዮን ኣብ ዝርከብ ህንጻር ኒዩክሌር፡ ሰሜን ኮርያ "ቅልጡፍ ወሰኽ" ምንቅስቓስ ኒዩክሌር ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዓቕሚ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር "ኣዝዩ ከቢድ ወሰኽ" ክብል ዝገለጾ ኣመልኪቱ።
ንሱ፡ ዕቑር ሃብቲ እታ ሃገር ብውሑድ ኣስታት "12 ሚሳይል" ክግመት እንከሎ፡ ማእከል ዝርገሐን ምቍጽጻርን ኣጽዋር ድማ ነቲ ኣሃዝ ኣስታት 50 ከም ዝኸዉን ይግምት፤ ክሳብ ጥሪ 2024 ካብ 70 ክሳብ 90 ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምፍራይ እኹል ንብረት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ 2022 ንነብሳ ኑክሌሳዊ ሓይሊ ምዃና ዝገለጸት ኰይና፡ ነዚ ፈጺማ ከም ዘይትገድፎ ገሊጻ እያ።
መደባታ ንምግታእ ዝካየድ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ፍሹል ዝርርብን ምስ ደቡብ ኮርያ ዝነበረ ዝምድናታት እናሓርፈፈ ብምኻዱን ደው ኢሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮግራም ኒዩክሌር ኢራን እውን ካልእ ኣካታዒ ጉዳይ እዩ። ቴህራን ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ትካላት ኑክሌራ ዘካየድኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ ምስ ተቘጻጻሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበራ ምትሕብባር ደው ኣቢላቶ።
እስራኤልን ኣመሪካን ክልቲአን እዚኦምን ስዒቦም ዝመጽኡ መጥቃዕትታትን ኢራን ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ንኸይትሰርሕ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጸን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለም ዝተራእየ ፍጻመታት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድሚ 56 ዓመታት ዝርግሐ ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ንምግዳብ ዝሕግዝ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ዝዓቢ ዘሎ ጸቕጢ ዘጕልሕ እዩ።
ትሽዓተ ሃገራት ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለወን ይፍለጣ - ከመይ ጌረን እየን ኣጥሪየንኦ፣ ሕጂ ድማ ካልኦት ክስዕባኦ ይደልያ'ዶ?
ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር መን ኣለዎ?
ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ እስራኤልን ሰሜን ኮርያን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለወን ይፍለጥ፤ እስራኤል ጥራይ ነዚ ብወግዒ ኣረጋጊጻ ኣይትፈልጥ።
ኣመሪካ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ከም ኣካል ፕሮጀክት ማንሃታን ነዚ ኣጽዋር ብሕቡእ ድሕሪ ምምዕባላ ናይ መጀመርታ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ዘለዋ ሃገር ኰይና።
ኣመሪካ ነቲ ኣጽዋር ኣብ 1945 ኣብ ጃፓን ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣቶማዊ ቦምባ ብምድርባይ - ሓንቲ ካብተን ሓይልታት ኣክሲስ ዝነበረት - ናዚ ጀርመንን ኢጣልያን ዘጠቓለለ ወተሃደራዊ ጥምረት ኰይኑ፡ እቶም ሓይልታት ኪዳን ምስኦም ኣብ ውግእ ነይሮም - ኣብ ኣዕናዊ ኲናት ተጠቒማትሉ።

ምንጪ ስእሊ, Universal History Archive/Universal Images Group via Getty Images
በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 200 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት። እዚ እቲ እንኮ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ግጭት ኣብ ጥቕሚ ዝውዓለሉ ግዜ እዩ።
ክኢላ ምቍጽጻር ኣጽዋር ዶክተር ፓትሪሻ ሉዊስ፡ እዚ "እቲ ሓቀኛ ውድድር ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘበገሰ፡" ክስተት እዩ ነይሩ ትብል፤ ሕብረት ሶቭየት፡ ከም መከላኸሊ መጥቃዕትን ብዞባውን ዓለማውን ደረጃ ዘለዋ ስልጣን ንምሕያልን ከም እትጥቀመሉ ይፍለጥ፤ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ ብህጹጽ ክጽዕራ ደሪኹወን።
ድሕሪኡ ኸ?
ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ዝዛዘም ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝሑል ኲናት ተጀሚሩ፤ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን መሻርኽቲ ክልቲኦም ወገናትን ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝጸንሐን ሓድሓደ ግዜ ድማ ናብ ኒዩክለሳዊ ግጭት ክዓቢ ዝስጋእ ዝነበረ ዓለማዊ ናይ ሓይሊ ቃልሲ ተጀሚሩ።
ሶቭየት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣቶማዊ ቦምባ ናይ ምስራሕ ፈተነታት ጀሚራ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ 1949 ዕዉት ፈተነ ብምክያድ፡ ኣመሪካ ንብሕታ ትቈጻጸሮ ዝነበረት ልዕልና ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብቂዑ።
ብድሕሪ እዚ ክልቲአን ወገናት ዝያዳ ኣዕናዊ ዝዀነ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ጻዕሪ ክገብራ ጀሚረን።
ኣብ ዝቐጸለ 15 ዓመታት ተወሳኺ ሰለስተ ሃገራት ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ዝወነና ኰይነን።
ኣብ 1952 ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ኣመሪካ ኣብ ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝተሓባበረት ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሰይቲ ኰይና፡ ፈረንሳ ኣብ 1960፡ ቻይና ድማ ብ1964 ስዒበንኦ።
እተን ካልኦት ሃገራት መዓዝ እየን ኒዩክሌር ወኒነን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1960ታት እተን ሓሙሽተ ኒዩክለሳዊ ሓይልታት - ኣመሪካ፡ ሕብረት ሶቭየት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ቻይናን - ብጽኑዕ ተጣቢቐን ነይረን። ቍጽሪ ናይተን ኒዩክሌር ዝዓጠቓ ሃገራት ግን ኣዝዩ ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ከደ።
ከም ግብረመልሲ ናይዚ ድማ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝያዳ ዝርግሐ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምክልኻል፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ንምድንፋዕን ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኒዩክለሳዊ ጸዓት ንምምችቻእን ዝተዳለወ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር (NPT) ኣተኣታትዩ።
እቲ ውዕል ብ1970 ኣብ ግብሪ ወዒሉ፡ ኵለን ሃገራት ግን ኣይፈረማሉን፤ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እውን ሰፊሑ እዩ።
ህንዲ ኣብ 1974 ፓኪስታን ድማ ኣብ 1998 ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ወኒነን። ክልቲአን ሃገራት ነቲ ውዕል ኣይፈረማሉን፤ ብኸፊል ነፍሲ ወከፈን ብዛዕባ እታ ሓንቲ ዝነበራ ጸጥታዊ ስክፍታታት የልዕላ።
እስራኤል እውን ነቲ ውዕል ፈሪማትሉ ኣይትፈልጥን።
ሰበስልጣን እስራኤል ነቲ ውዕል ዘይፈረምሉ ምኽንያት፡ ብቐጻሊ ዞባዊ ስግኣታትን ወጥሪን ከምኡ'ውን ብዙሓት ጎረባብታ ኣብ ልዕሊኣ ዘለወን ጽልኢ ምዃኑ ይጠቕሱ። ግን እስራኤል፡ ፖሊሲ ኒዩክለሳዊ ዘይንጹርነት ዓቂባ እያ - ማለት ምውናን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣየረጋገጸትን ኣይከሓደትን።
ሰሜን ኮርያ ፈለማ ነቲ ስምምዕ ፈሪማትሉ፡ ኣብ 2003 ግን፡ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ዘካየድኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ብምንቃፍ ስሒባ።
ኣብ 2006 ፈተነ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተጉሃሂሩ። ኣብ 2011 ዝተመስረተት ደቡብ ሱዳን፡ እታ እንኮ ካልእ ነቲ ውዕል ዘይፈረመት ኣባል ሕቡራት ሃገራት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢራን ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ኣለዋ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ዛጊት እንፈልጦ"፡ ኢራን ክሳብ ሕጂ ቦምባ ኣይሰርሐትን ይብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ፖለቲካ ኣንድሪው ፉተር፤ "ብቴክኒካዊ ይዅን ብቴክኖሎጂ ግን ከምኡ ክገብሩ ዘይክእልሉ ምኽንያት የለን" ይብል።
ፈራሚት ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር ዝዀነት ኢራን፡ ወትሩ ኒዩክሌሳዊ መደባ ሰላማዊ ምዃኑን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ፈጺማ ከም ዘይትጽዕርን ትገልጽ።
ይዅን እምበር፡ ተቘጻጻሪ ትካል ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ መርመራ፡ ኢራን ካብ መወዳእታ 1980ታት ጀሚሩ ክሳብ 2003፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ብ"ፕሮጀክት ኣማድ" ዝፍለጥ ዝነበረ ፕሮጀክትታት ደው ከም ዝበሉ፡ "ንምምዕባል ኒዩክለሳዊ ነታጒ ዝዛመድ ዝተፈላለየ ንጥፈታት" ከም ዘካየደት መርትዖታት ረኺቡ።
ኣብ 2015 ኢራን ምስ ሽዱሽተ ሓይልታት ዓለም ስምምዕ ገይራ፤ ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ ንጥፈታታ ገደብ ክትገብር ተቐቢላ፡ ካብ ኣህጉራዊ እገዳታት ንምድሓን ድማ ብተቘጻጸርቲ ኣቶማዊ ጸዓት ክትትል ክግበረላ ኣፍቂዳ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣብ 2018 ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ካብቲ ስምምዕ ወጺኡ፤ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኸይተማዕብል ኣዝዩ ውሑድ ስራሕ እዩ ሰሪሑ ብምባል፡ ዳግማይ እገዳ ገይሩ። ኢራን፡ ንገደባት ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ብፍላይ ድማ ምስ ምህብታም ዩራንየም ዝተኣሳሰሩ ገደባት ብተደጋጋሚ ብምጥሓስ ሕነ ትፈዲ።
ብ12 ሰነ 2025፡ 35 ሃገራት ዝሓቘፈ ቦርድ ኣመሓደርቲ፡ ኢራን ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ግዴታታት ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር ከም ዝጠሓሰት ኣዊጁ።
ንጽባሒቱ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳውን ወተሃደራውን ዒላማታት ኢራን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ድሒራ ድማ ናይ ቀረባ መሓዛኣ ኣመሪካ ተጸንቢራቶ፤ ኣመሪካ ድማ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ፎርዶ ሓዊሱ ንሰለስተ ትካላት ኒዩኩሌር ኢራን ወቒዓ።
እስራኤል ኒዩክሌሳዊ ኣጽዋር ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ብወግዒ ኣረጋጊጻ ኣይትፈልጥን፤ እንተዀነ ግን ርኡይ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ብሰፊሑ ይእመን።
ኣብ ጥቅምቲ 1986 ሓደ እስራኤላዊ ቴክኒሻን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ሞርዶካይ ቫኑኑ፡ እስራኤል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕሰብ ዝነበረ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝማዕበለን መደብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ዝርዝር ሓበሬታ ናብ ጋዜጣ እንግሊዝ ሳንደይ ታይምስ ኣመሓላለፈ።
በዚ ድማ ኣብ እስራኤል ን18 ዓመታት ተኣሲሩ፡ ኣብ 2004 ድማ ተፈቲሑ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ሰላም ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI)፡ እስራኤል ኣጽዋራታ ተዘምን እያ ዘላ።
ኣብ 2024 እስራኤል "ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ጀሪኮ ዘለዎም ባሊስቲክ ሚሳይላት ክተሓሓዝ ዝኽእል" ፈተነ ስርዓት ሚሳይል ከም ዘካየደትን ኣብ ዲሞና ዝርከብ መፍረ ፕሉቶንየም ተመሓይሽ ትመስል ከም ዘላን ሲፕሪ ይሕብር።
እስራኤል፡ ዞባዊ ተቐናቐንቲ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ንኸይረኽባ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ወሲዳ እያ።
ብዘይካ'ቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ 1981 ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ኒዩክለሳዊ መብላዕልዒ፡ ኣብ 2007 ድማ ኣብ ሶርያ ንዝተጠርጠረ ኒዩክለሳዊ ቦታ ደብዲባ።
ኣየኖት ሃገራት ነቲ ምምዕባል ጀሚረን ገዲፈንኦ?
ካልኦት ሃገራት ከም ብራዚል፡ ሽወደንን ስዊዘርላንድን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክሰርሓ ጀሚረን፣ ድሒረን እንተስ ብፍቓደን ወይ ብሰንኪ ግዳማዊ ጸቕጢ መደባተን ገዲፈንኦ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ብዕውት መገዲ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ሰሪሓ ድሕሪኡ ዕጥቃ ፈቲሓ ኒዩክለሳዊ ፕሮግራማ ኣፍሪሳ ዘላ እንኮ ሃገር እያ።
"እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘመነ ኒዩክለር ከም ሓደ ኣዝዩ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲ ኰይኑ ይረአ፤ ናይ ገዛእ ርእሳ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ሰሪሓ ድሕሪኡ ዕጥቃ ክትፈትሕ ዝወሰነት ሃገር፡" ይብል ፉተር።
እቲ ውሳነ፡ ምዝዛም ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ምንካይ ዞባዊ ግጭታትን ምቕያር ዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን ሓዊሱ ብዝተዋሃሃደ ረቛሒታት ዝስዓበ እዩ።
ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991፡ ሰለስተ ሓደስቲ ናጻ ሃገራት - ዩክረይን፡ ቤላሩስን ካዛኪስታንን - ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ወሪሰን ግን ከኣ ገዲፈንኦ። ዩክረይን ብመሰረት ስምምዕ ቡዳፐስት 1994 ካብ ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሩስያን ንዝረኸበቶ ውሕስነት ጸጥታ ስዒቡ'ያ ኣጽዋራ ገዲፋ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ግን ሃገሩ - ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምስ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ግጭት ዝጸንሐት - ነቲ ኣጽዋር ብምሕዳጋ ብዙሕ ከም ዘይረኸበት ብተደጋጋሚ ይምጕት ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክንደይ ኣጽዋር ኒዩክሌር'ዩ ዘሎ?
መንግስታት ሳሕቲ ምሉእ ዝርዝር ናይ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ስለ ዝገልጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ክንደይ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ብልክዕ ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ኣተሓሳስባ ሲፕሪ ግን፡ ሓይልታት ኒዩክለር ዓለም ክሳብ ጥሪ 2025 ብገምጋም ብድምር 12,241 ኒዩክለሳዊ ቦምባ ከም ዝነበራን፡ ሩስያን ኣመሪካን ድማ ኣስታት 90% ካብ ዓለማዊ ዕቑር ሓይሊ ሒዘን ኣለዋ።
ኣብ ልዕሊ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ዘጋጥም ዘሎ ነገራት ካልኦት ሃገራት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ካብ ምህናጽ ክስሕባ ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።
እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ሰነ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኒዩክለሳዊ ኢራን ዘካየድኦ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መደብ ኒዩክለር ኢራን ብ"ዓሰርተታት ዓመታት" ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ኣዊጁ።
ኣብ ሓምለ፡ ፔንታጎን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንመደብ ኒዩክለር ኢራን ክሳብ ክልተ ዓመት ከም ዘጕደሎ ገሊጹ ነይሩ።
ኢራን ኣብ መወዳእታ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተድኣ ኣማዕቢላ፡ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ - ብፍላይ ድማ ስዑዲ ዓረብ - ናይ ገዛእ ርእሰን ኣጽዋር ከማዕብላ ክጽዕራ ይኽእላ እየን ይብል ፉተር።
"ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን'ዚ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ ከም ዘይትደሊ ኣዝያ ንጹር እያ ነይራ ይመስለኒ፡ እንተኾነ ኒዩክለር ዝዓጠቐት ኢራን ነቲ ጸወታ ምሉእ ብምሉእ ክትቅይሮ እያ፡" ይብል።
"እዚ ምግባር ክሳብ ክንደይ ቅልጡፍ ወይ ቀሊል እዩ ዝብል ግን ካልእ ሕቶ'ዩ።"
ዶክተር ሉዊስ፡ ኢራን ካብ ስምምዕ ኒዩክሌር ክትወጽእ "ልዑል ሓደጋ" ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ብግዲኡ ካልኦት ናይ ምውጻእ ተኽእሎኦም ክውስኽ ምዃኑን ይዛረብ። እዚ ነቲ ውዕል "ኣካል ሃሰያ" ክኸውን'ዩ፤ ናይ ግድን ግን ኣዕናዊ ከም ዘይኮነ ትዛረብ።
ግን ዋላ'ውን ካልኦት ግዝኣታት ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ ክፍትና እንተወሰና፡ ዶክተር ሉዊስ፡ ክስገር ዘለዎ ርኡይ ብድሆታት ኣሎ ትብል፤ ብፍላይ ድማ ጥቡቕ ቍጽጽር ዝግበረሎም ዝተሃብተመ ዩራንየም ወይ ኣጽዋር ዝበጽሕ ፕሉቶንየም ምጥራይ።
ነቲ ፋይናንሳዊ ጾር እውን ተጉልሕ።
"ክቡርን ዓመታት ዝወስድን'ዩ - ብፍላይ ብሕቡእ እንተ ተገይሩ። እዚ ግን ከም ሰሜን ኮርያን ፓኪስታንን ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ደው ኣየብለንን።"











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


