ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቢዘን፡ ክርስትያናዊ ውርሻ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንባጽዕ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ተጐዝጒዛ፡ ኣብ ጥቓ ነፋሲት - ካብ ኣስመራ 25 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ዓዲ ምዃና'ዩ - ኣብ ሓደ በሪኽ እምባ እትቕመጥ ቦታ ፍለጡለይ?' ኢልና ንኤርትራውያን ምስ እንውከስ ብዙሓት ካብኣቶም ብዘይ ጸገም ደብረ ቢዘን ኢሎም ክምልሱ ይኽእሉ'ዮም።
እወ፡ ደብረ ቢዘን ክሳብ ክንድኡ ፍልጥቲ ደብሪ ስለ ዝዀነት። ብዛዕባ ታሪኽ ደብረ ቢዘን ዝፈልጥ ግን ብዙሕ ኣይኰነን እንተ በልና ግን ጌጋ ኣይኰነን።
መቸም ታሪኽ ናይ'ተን ኣብ ዞባና ዝርከባ ኣድባራት ሓደ-ብሓደ ጸብጺብና ፍሉይን ዘደንቕን ታሪኸን ከነቕርብ'ኳ ኣይንኽኣል (ብብዝሐን ምኽንያት ማለትና'ዩ) ኣብ ህይወት እቲ ህዝቢ ዝነበረንን ዘለዎንን ተራ ብቝጡብ ኣገላልጻ ግን ኣዝዩ ግዙፍ'ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነን ክንብል ንኽእል።
ኣብ ሽመዛና ዝርከብ ደብረ ሊባኖስ (ከምኡ'ውን ኣብ ሸዋ ተመሳሳሊ ስም ዘሎዎ ደብሪ ኣሎ)፡ ደብረ ማርያም ኣብ ቋሓይን ሰራየ ዝርከብ (ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ባህርዳር ደብረ ማርያም ዝበሃል ደብሪ ኣሎ)፡ ደብረ ሲና (ኣብ ሰንሒት ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገማግም ቀላይ ጻና ዝርከብ)፡ ኣብ ትግራይ ከኣ ከም ደብረ ጽዮን፡ ደብረ ዳሞ (እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ)፡ እንዳ ኣባ ገሪማ ዘኣመሰሉ ኣድባራት ክንጽብጽብ ንኽእል።
ገሊአን ኣድባራት ከኣ ብምዕባየን ከቲመን'የን - ኣብ ኢትዮጵያ ከም ደብረ ማርቆስ፡ ደብረ ብርሃን፡ ደብረ ታቦር፡ ደብረ ዘይት ... ወዘተ) ዘኣመሰላ ኣድባራት ኣለዋ።
ኵለን'ተን ኣድባራት ከኣ ብባህሪአንን ብዘይ ገለ ጸገምን ብሃይማኖት ኦርቶዶክስ ኣቢለን ይተኣሳሰራ'የን።
እዘን ገዳማት ኣብ ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ፡ ትምህርታዊ፡ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 1,000 ዓመት ማእከላይ ተራ ተጻዊተን እየን።
እዘን ኣድባራት ንልምድታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቐረባ ከም ዝተኣሳሰሩ ገይረን'የን። ናይ ኣምልኾ ቦታታት ጥራይ ዘይኰናስ ሓለውቲ ሃገራዊ መንነት፡ ትምህርቲ፡ ስነጥበብ፡ መንፈሳውነት እውን እየን ክበሃል ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ኣብ ታሪኽ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ ቢዘን
እዛ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2,450–2,460 ሜትሮ ልዒላ እትርከብ ደብሪ ብግቡእ ክንገልጻ እንድሕሪ ኴንና እቶም ምስኣ ዝተኣሳሰሩ መትንታት - ከም ተራ ኣቡነ ፍሊጶስ፡ 'ገድለ ፍሊጶስ' ዘርእስቱ ሰነድ፡ ኣበርክቶ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ - ኢጣልያዊ ተመራማሪ፡ መንነት 'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' ዘኣመሰሉ ሸነኻቱ ፈቲልና ከነተኣሳስሮም ይግባእ።
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ሃብቲ ደብረ ቢዘን፡ እቲ ጥንታዊ መክተባኣ እዩ፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ብኢድ ዝተጻሕፉ ናይ ግዕዝ ሰነዳት ስለ ዝሓቘፈት - እዚ ማለት ከም ሃይማኖታዊ ጽሑፋት፡ ዘሸብረቑ ወንጌላት፡ ታሪኻዊ ዛንታታትን ስነ-መለኮታዊ ጽሑፋትን ዘኣመሰሉ'ዮም።
ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝብልዎ፡ ብዙሓት ካብ'ዞም ኢደ-ጽሑፋት'ዚኦም ንዘመናት ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ንውርሻታት ክርስትና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘድምዑን ብቐሊል ዋጋ ዘይሽነኑን ህያባት እዮም።
ደብረ ቢዘን ቅድሚ 650 ዓመታት ብኣቡነ ፍሊጶስ ዝስሞም ፈላሲ ብዘመን ሃጸይ ዓምደጽዮን ቀዳማይ (1322/23) እያ ተመስሪታ። ትሕት ኢልና ክንገልጾ ደኣ ኢና'ምበር፡ ኣቡነ ፍሊጶስ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ መራሕቲ ምንቅስቓስ 'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' ዝነበሩ ፈላሲ እዮም ነይሮም።
ደብረ ቢዘን እናዓበየትን ጽልዋኣ እናኻዕበተን ጽቡቕ ስም እናጥረየትን ዝኸደትሉ ምኽንያት ብመርሓን ሓልዮትን ወይከኣ ብኣበገዳምነትን ኣቡነ ፍሊጶስ'ዩ - እወ፡ ክሳብ 1406 ዝኸደ ሞጕዚትነቶም ምዃኑ'ዩ።
እቲ 'ደብረ ቢዘን' ዝብል ስም ካበይ ከም ዝመጸ የማትእ'ኳ ይዅን፡ መነኰስ ፍሊጶስ ግን ኣብ ምምስራትን ህይወትን'ታ ደብሪ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም ዋና ኣካያዲ ናይ'ታ ገዳም'ቲኣ ነበሩ ይበሃል።

ምንጪ ስእሊ, DM
እቲ ቀንዲ ምንጪ ታሪኽ መንኰስ ፍሊጶስ እቲ ባዕሎም ዝጸሓፍዎ ብ'ገድለ-ፍሊጶስ' ዝፍለጥ ታሪኽ ህይወቶም'ዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊ ስነ-ጽሑፋዊ ትውፊት ከም ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጽናዕቲ'ዩ ዝፍለጥ።
ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ድማ ን'ገድለ-ፍሊጶስ' ከም ሓደ ፍሉይ፡ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ዝያዳ ክብርን ተኣማምነትን ዘለዎም ናይ ዞባና ቅዱሳን ታሪኽ ህይወት ይቘጽሮ ስለ ነበረ፡ ብዛዕባ ብ'ገድለ-ፍሊጶስ' መጽናዕቲ ከም ዘካየደን ንመጽናዕቱ ድማ ብጽሑፍ ከም ዘስፈሮም ይንገረሉ'ዩ።
ስለዚ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ኣብ ታሪኽን ቋንቋታትን ባህልታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነጥፍ ዝነበረ - ብፍላይ ድማ ብኢትዮጵያን ኤርትራን - ብዘቕረቦ ፈላሚ መጽናዕታዊ ስራሑ ዝፍለጥ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ኰይኑ ከም ጸሓፊ ታሪኽን ናይ ቋንቋ ምሁርን ከምኡ'ውን ኣመሓዳሪ እዩ ዝዝከር።
እምበኣርከስ ብኣረኣእያ ኮንቲ ሮሲኒ ኣገዳስነት 'ገድለ-ፍሊጶስ' ግዙፍ'ዩ። ኣድናቖቱ ዘሕደረሉ ምኽንያት ከኣ በዚ ዝስዕብ እዩ፤
1) ሃይማኖታውን ናይቲ ዞባ ልምድታትን ስለ ዝዓቀበ፣
2) ምስ ኣፈ-ታሪኽ ዝተሓዋወሰ ታሪኻዊ መወከሲታት ዝሓዘለ ስለ ዝዀነ - እዚ ማለት ብዛዕባ ገዳማት፡ ነገስታት፡ ቅዱሳን ናይ ከባቢኦም ማሕበረሰባቶም ሓበሬታ ስለ ዘቕረበ፣
3) ንተመራመርቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ኢትዮጵያ ዳግማይ ንምህናጽ ስለ ዝሓገዘ።
ኣቡነ ፍሊጶስ ወደመዝሙሮም ንሰረወታይ ፈላሲ ኣብሳዲ (ብዓል ደብረ ማርያም) ነበሩ። ፈላሲ ኣብሳዲ ሓደ መራሒ ናይ'ቲ 'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' ዝበሃል መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ነበሩ።
'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' እንታይ ዓይነት ምንቅስቓስ'ዩ ነይሩ?
'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝነበሩ ዓብን ደራኽን ገዳማዊ ምንቅስቓሳት እዩ ነይሩ። እቲ ምንቅስቕስ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን'ዩ ተኽሲቱ፣ ምስ ሰበኻ ቅዱስ ኤዎስታጤዎስ - ካብ ክልል ትግራይ ዝመበቈሎም መነኮሴ - ዝተኣሳሰር ከኣ ነበረ።
እቶም ኣባላት'ቲ ምንቅስቓስ ድማ ነዞም ዝስዕቡ መርገጺታትን ሒዞም መጐቱ - ጽኑዕ ገዳማዊ ስነ-ስርዓትን ተሃድሶ ህይወትን ክተኣታቶ (ምናኔ)፣ ገዳማት ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ናጻ ክዀኑ፣ ናብ መጽሓፍ ቅዱሳውን ሓዋርያዊ መሰረታትን ምምላስ፣ ኣውራ ድማ (እቲ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዘባኣሶም ኣከራኻሪ ዛዕባ) ቀዳምን ሰንበትን ከም ቅዱሳን መዓልታት ንምኽባር ዘካየድዎ ጻዕርታት ነበረ።
ብሰንኪ'ዞም ዝተጠቕሱ መጐተታት - ብፍላይ ከኣ ብቀቐዳመ-ሰንበት ዘርኢ ጉዳይ - እቲ ምንቅስቓስ ካብ ሰበስልጣን ቤተ ክርስትያንን በቶም ብግብጺ ዝተሾሙ ኣቡንን ኣቢሉ - ተቓውሞ ኣጋጠሞም።
ኤዎስጣቴዎስ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ኣርመንያ ዝበሃል ሃገር ከም ዝስደዱ ተገብረ፣ ኣብ ዓዲ ስደቶም ከኣ ሞቱ ይበሃል። ደቀ መዛምሮም ግን - ከም ብዓል ኣቡነ ፍሊጶስ፡ ኣቡነ ኣብሳዲ ዘኣመሰሉ - ምህሮ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ምጕስጓስን ምዝርጋሕን ዓዲ ኣይወዓሉን።
ናብ ዛንታ ደብረ ቢዘን ክንምለስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደብረ ቢዛን፡ ብ1400 ዓ.ም. - ብዘመን ኣቡነ ፍሊጶስ ማለት'ዩ - ካብ ቍጽጽር ሓለፍቲ ኢትዮጵያዊ ቤተ-ክርስትያን ፍንትት ኢላ ናይ ባዕላ 900 ብዝኣኽሉ መኖኮሴታት (ኣባላት 'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ') ትመሓደር ነበረት ይብል ዳን ኮነል (ኣብ ታሪኻዊ መዝገበ-ቃላት-ኤርትራ ዘስፈሮ ሓተታ)።
እዚ ድማ ንኣቡነ ፊሊፖስ ምስ ሃጸይ ዳዊት (ዳግማዊ) ኣብ ግርጭት ስለ ዘእተዎም፡ ኣብ መጋባእያ መንግስቲ ተጸዊዖም ብመናፍቕነት ተኸሲሶም ተፈርዱ፣ ኣብ ደብረ እስጢፋኖስ ከኣ ተኣስሩ።
ብ1403–1404 ምስ ተፈትሑ ናብ ሃጸይ ዳዊት ቀረቡ፣ እቶም ንጉስ ከኣ እቲ መቕጻዕቲ ይኣኽሎም'ዩ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ኣቡነ ፍሊጶስ ደው ዝበልሉ መትከል - ብጉዳይ ምብዓል ቀዳመ-ሰንበት ናጻ ኰይኖም ንኽጕስጕሱ - ፈቐዱሎም ይበሃል። ኰይኑ ድማ ፈለስቲ ደብረ ቢዘን ናይ መንግስቲ መሬት - ጕልቲ - ኣብ ዘመን ሃጸይ ዘርኣያዕቆብ ከም ዝዕደሎም ተገበረ።
ፕሮፈሰር ጅያንፍራንቸስኮ ሉዚኒ ዝበሃል ተመራማሪ ግዕዝን ቋንቋ ኣምሓርኛን ከም ዝብሎ፡ "ደብረ ቢዘን ኣብ ትሕቲ መርሓ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣዝያ ስለ ዝማዕበለት ብዓቕማ ነተን ካልኦት ጽልዋ 'ደቂቀ ኤዎስጣቴዎስ' ዝነበረን ኣድባራት ኣብ ምምራሕ በጺሓ ነበረት።
ድሕሪ ሞት ኣቡነ ፍሊጶስ እቲ ስልጣን ናብ ኣቡነ ዮሃንስ (1383-1446) ተመሓላለፈ። ኣቡነ ዮሃንስ፡ ዋላ'ኳ ንቕድም ብብርክት ዝበሉ መነኰሳት ተቐባልነት ኣይንበሮም፡ ብባህሪኦም ጽኑዕ ስለ ዝነበሩ ንስርሓት ኣቡነ ፍሊጶስ ገጥ ኣቢሎም ብምሓዝ ተራ ደብረ ቢዘን ኣብ እምነትን ፖለቲካን መሊሱ ከም ዝዓዝዝ ገበሩ ይበሃል።
ብድሕሪኦም ድማ ኣቡነ ሰረቐብርሃን ስልጣን ምስ ተረከቡ ብወገኖም ንጐስጓሳት ደብረ ቢዘን ከሐይልዎ ከም ዝኸኣሉ ፕሮፈሰር ጅያንፍራንቸስኮ ሉዚኒ ይገልጽ።
ተራ ደብረ ቢዘን ክሳብ ገማግም ኤርትራ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ እቶም ናይ ሽዑ ነገስታት - ንጉስ ዳዊት (ዳግማዊ)፡ ንጉስ ይስሓቕ፡ ንጉስ ዘርኣያዕቆብ - ንሓያል ተራ ደብረ ቢዘን ብምቕባል ግዝኣቶም ክሳብ ባጽዕ ከስፋሕፍሑ ተመጣጢሮም'ዮም።
ብ16 ክፍለ-ዘመን ደብረ ቢዘን ማዕረ 3,000 ፈለስቲ - ካብ መንሳዕ ክሳብ ደቀምሓረ፡ ካብ ማእከል ከበሳ ክሳብ ትግራይ - ዝተዘርኡ ከም ዝነበርዋ ዳን ኮነል ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ብዛዕባ ደብረ ቢዘን ደጋጊሙ ዝዝንቶ ዛንታ እንተሎ ... ብ1535 ካብ ወራርን ዕንወትን ሰራዊት ኢማም ኣሕመድ ኣልጋዚ (ግራኝ መሓመድ) ብምምላጥ ዝና ረኺባ'ያ። ካብ ሃጸይ ጋላዴዎስ፡ ካብ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይን ንደብረ ቢዘን ከም ዕርዲ ክርስትያን ገይሮም ይርእይዋ ነበሩ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣገዳስነት ደብረ ቢዘን ኣብ'ቲ ዳግማይ ምኔሊክ ብ1889 ዝፈረምዎ ውዕል (ምስ ጣልያን)፡ ኣብ ዓንቀጽ 4 ይርአ።
እቲ ዓንቀጽ ከም ዘረጋግጾ፡ ንደብረ ቢዘንን እትውንኖ መሬትን ንብረትን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሕስነት ንኽጸንሕ፡ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ትዅን ካልኦት ሃገራት ንደብረ ቢዘን ከም መዋፈሪ ወይ ከኣ ዕርዲ ከይጥቀማሉ ይዕንቅጽ።
ይዅን'ምበር ብ1935 ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ሰዓሩ ኵሉ'ቲ ኣብ ሰሜን ነፋሲት ዝርከብ መሬታት ገዳም ተመንዝዐ።
ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝን ክንዮኡን
እቲ ገዳም ንኢትዮጵያውያን ዝድግፉ ሸፋቱ የዕቝብ ነይሩ ተባሂሉ ስለ ዝተጠርጠረ፡ ኣብ ሕዳር 1949 ብሓይልታት እንግሊዝ ንደብረ ቢዘን ብፍተሻ ሓጸልጸል ኣበልዎ።
ኣብ ዘመነ ደርግ ብ1975፡ እቲ ስርዓት ንንብረትን መሬትን ደብረ ቢዘን ሃጊሩ ነቶም ፈለስቲ ከርተት ከም ዝብሉ ገበሮም፣ ብድሕሪ ደርግ ከኣ እቲ ደብሪ ንብረቱን መሬቱን ብመንግስቲ ኤርትራ ኣይተመልሰሉን።
ደብረ ቢዘን ሕጂ ከም ቀደማ የላን ምባል ምግናን ኣይኰነን። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መንፈስ ምእመናን ብቐጻሊ እታ ዝኸበረት ገዳም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኰይና ትቕጽል ኣላ። ኣብኡ መቓብር ኣቡነ ፊልጶስ ስለ ዘሎ ዓመታዊ ጽምብል (ንግደት) ዝካየደሉ ቦታ እዩ።
እታ ደብሪ ኣዝዩ ጽኑዕ ባህላዊ ሕግታት ገዳም ትኽተል ኰይና እቶም መነኮሳት ኣብ ጸሎት፡ መጽናዕቲ፡ ጾምን ዕዮ-ኢድን ዘተኰረ ጽኑዕ ህይወት'ዮም ዝነብሩ።
ፈለስቲ ደብረ ቢዘን ንደቂ ኣንስትዮ ነቲ ደብሪ ክበጽሓ ኣየፍቅዱን'ዮም። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ብዓል ኣቡነ ፍሊጶስ፡ ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ኣቡነ መርቆረዎስ መንፈሳዊ ስነ-ስርዓት ፈለስቲ ንምዕቃብ ኢሎም ዘተኣታተዉዎ ሕጊ ነበረ ይበሃል።
ኣብቲ ዝለዓለ ነቝጣ ደብረ ቢዘን ንምብጻሕ ካብ ነፋሲት ናይ ሓያሎ ሰዓታት ጕዕዞ እግሪ የድሊ። ናብቲ ደብሪ ዘደይብ መንገዲ ስለ ዘየሎ፡ ፈለስትን በጻሕትን ብጸቢብ መንገድታትን ኣኽራናትን ብእግሮም ክድይቡ ይግደዱ። እቲ ኣሸጋሪ ጕዕዞ እግሪ ድማ ንደብረ ቢዘን ንዘመናት ባህላ ንኽትዕቅብ ሓጊዙ'ዩ ዝብሉ ብዙሓት'ዮም።
ሎሚ ደብረ ቢዘን ከም ቅድስቲ መዕለቢ ንግደትን ሰንደቕ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ውርሻ ኤርትራ'ያ ትቝጸር።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

