ኪዳን ኤርትራን ግብጺን - ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን

መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, @Hawelti

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ዝምድና ኤርትራን ግብጺን ኣብ ታሪኹ ክብን ለጠቕን ክብል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን እቲ ዝምድና እናዓሞቐ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሕ ዞባዊ ጉዳያት ኣብ ሓደ መርገጺ እናሓዛ ክመጽኣን ኣብ ሓደ ደንበ ክስለፋን ተራእየን ኣለዋ።

ብፍላይ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ድሕሪ'ቲ ንኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶሪያ እናሓረፈፈ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ማዕረ-ማዕረኡ ከኣ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እናተጓሃሃረ ድሕሪ ምኻዱ፡ እቲ ዞባዊ ኣሰላልፋ እናነጸረ ክመጽእ ተራእዩ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ርእሲ'ቲ ዘለወን ክልተኣዊ ርክባትን ምትሕግጋዝን፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ሱዳን፡ ሶማልያን ቀይሕባሕሪን ብወግዒ ሓደ ጽኑዕ መርገጺ ሒዘን ክጓዓዛ ከም ዝጸንሓ ይፈለጥ።

ተንታኒ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝዀነ ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም'ውን፡ "ዝምድና ኤርትራን ግብጺን ኣብዚ እዋን ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፡" ብምባል "ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ኤርትራ ካብን ናብን ግብጺን ኤርትራን ምብጽጻሕን ስምምዓት ምግባርን" ከም ዝተራእየ የረድእ። ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዳርጋ ሓደ ዓይነት መርገጺታት ሒዘን ይጓዓዘ ከምዘለዋ ድማ ይትንትን።

እዚ ግን ብወገን ኢትዮጵያ ከም ስግኣት ከም ዝርአ ኸኣ ኣረዲኡ።

ጉዳይ ሱዳን

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣ'ሲሲን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ምያዝያ 2023 ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝተፈላለዩ ናይ ደገ ሓይሊታት ዝዓደመ ተረኽቦ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ግብጺን ኤርትራን ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝሓዛ ይፍለጥ።

እዚ ሓባራዊ መርገጺአን መልክዕ እናሓዘ ዝመጸ ድማ ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ ዝተኻየደ ዋዕላታት ኢጋድን - ኣብ ኣዲስ ኣበባን፡ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ኣብ ካይሮን እዩ።

ኢትዮጵያን ኬንያን ዝርከብአን ሃገራት ኢጋድ ንጉዳይ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ብዝብል ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድኦ ኣኼባ፡ "ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ንምእታው" ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበን ነይረን።

ኣብቲ ዋዕላ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንምኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ጅቡቲ ነበር (ኣብዚ እዋን ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ) መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ንፕረዚደንት ዑመር ገለ ወኪሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ቦል መል ድማ ነቲ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምውካል ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ኣብ ሳልስቱ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ግብጺ ድማ ኤርትራ እትርከበን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ክሳተፋ እንከለዋ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ብዓረብኛ ዝሃቦ ነዊሕ መግለጺ፡ ነቲ ብስም ዓቃብ ሰላም ዝግበር ምትእታው ኣብ ሱዳን ከም ዝነጽግ ኣፍሊጡ። ነዚ ጉዳይ ድማ ግብጺ ከም እትድግፍ ብምግላጽ፡ ሓድነት መርገጺአን እናተጋህደ መጺኡ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ጐድኒ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምዃን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝድግፋ ተራእየን።

ግብጺን ኤርትራን ድማ ነቲ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊትን ሌተና ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመርሖ ሰራዊት ሱዳን ደገፈን ክገልጻ ተራእየን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ ንሰራዊት ሱዳን ምድጋፍ ኣድላይነቱ ኣስሚርሉ እዩ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ብደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝመርሖ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ብምድጋፍ፡ ኣሰላልፋ ክልቲኡ ወገን ነጺሩ። ኢትዮጵያ ግን ነዚ ትነጽጎ እያ።

ልኡላውነት ሶማልያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባሕቲ ጥሪ 2024፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ መዘክር ምርድዳእ ብምፍራም ንሶማልያ፡ ግብጺን፡ ጅቡቲን ኣቘጢዓ እያ። ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ብቕሉዕ መግለጺ'ኳ እንተ ዘይሃበት ንልኡላውነት ሶማልያ ዘለዋ ደገፍ ግን ኣርእያ እያ።

እቲ ኢትዮጵያን እታ ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝኣተዋኦ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ መቘሚ ሓይሊ ባሕራ ዝኸውን ኣስታት 20 ኪሎሜትር ዝኸውን ገማግም ባሕሪ ን50 ዓመት ክትረክብ፣ ኣምሳያኡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦን ካብ መንገዲ ኣየራ ገለ ሚእታዊት ብጽሒት ክትህባን እዩ ነይሩ።

ነዚ ምዕባለ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዝግህስ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ ብምባል ዝተንቀሳቐሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብቲ እዋን ብጻዕቂ ናብ ግብጺን ኤርትራን ክገይሽ ተራእዩ እዩ።

ደገፍ ጐረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ብዘካየዶ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ካብ ኤርትራን ግብጺን ቅልጡፍ እወታዊ ግብረመልሲ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።

ኣብ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ሰለስቲአን ሃገራት ድማ ስሉሳዊን ኪዳን ኣጽኒዐን። ግብጽን ኤርትራን "ንልኡላውነት ዓባይ ሶማልያ" ዘለወን ደገፍ ብምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከም ዝገበራ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብቲ ፕረዚደንት ግብጺ ንፈለማ እዋን ናብ ኣስመራ ዝበጽሓሉ ብ10 ጥቅምቲ ዝተገበረ ርክብ ድማ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሕ ተዘራሪቦም፤ "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ ተሰማሚዖም።"

እቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ዝምድና ኣብ ዝሓርፈፈሉ ብምክያዱ ኣቓልቦ ዝሰሓበ እዩ ነይሩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡ "ሰለስቲኦም መራሕቲ ንጉዳያት ቅልውላው ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤልመንደብን ዓሚቚ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሖም፡" ይብል።

ስጕምቲ ኢትዮጵያ ንምግታእ ብዝዕላማኡ ድማ፡ "ሶማልያ ንውሽጣውን ካብ ደገ ዝመጽእን ብድሆታት ንምግጣም ምእንቲ ክትክእል መንግስታዊ ትካላታ ንምሕያል፡" ሰለስቲአን ሃገራት ክተሓጋገዛ ዝብል መግለጺ ከም ዝወጸ'ውን ይዝከር።

ቀይሕ ባሕሪ

ኢትዮጵያ ሕቶ መእተዊ ባሕሪ ኣብ ዘልዓለትሉ፡ ድሕሪ ምስ ሶማሊላንድ ብቐጥታ ናብ ወደባት ኤርትራ ዘነጻጸረ መግለጺታት ከተስምዕ ጀሚራ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ታሪኻዊ. . .ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ ክሳዕ ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገድን ሰበስልጣንን ይቕጽል ኣሎ።

ኣሰይድ ዓብዱራሕማን፡ "ምስ ኤርትራ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ፣ ይግብኣና እዩ ብምባል ክሳብ ሕጂ ይምጕቱን ይፍክሩን እዮም ዘለዉ" ኢሉ ንሳዕቤን እቲ ዘረባ የብርህ።

ኤርትራ፡ ነዚ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታት ምላሽ ክትህበሉ ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ግብጺ'ውን ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጻ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ፕረዜንት ኢሳይያስ ግብጺ ኣብ ዝበጽሓሉ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደቱ እውን፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ነዚ መርገጺ ደጊሙ እዩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ሕዳር 2025 ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡" ብምባል ንኢትዮጵያ ግብረመልሲ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ንኣሽቱ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቕመን ጥራይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን መጻብቦ ባብ-ኤል መንደብን ንምሕላው ዓቕሚ ከም ዘይብለንን፡ እዚ ድማ ንሰላምን ንግዲ ዓለምን ሓደጋ ከም ዘለዎን መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ንቐይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት ሸሞንተ ኰይነን ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ዮርዳኖስን እስራኤልን እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተ ዘይህልዋ፡ ኣይትዓብን ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዞባ'ውን ኣይቅየርን፣ እቲ ዞባ ሰላም ኣይረክብን። ንግዲ ዓለም'ውን ክዕንቀፍ'ዩ፡" ብምባል፡ "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ክኣትዉ ዝግብኦም ከባቢታት፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ካብቲ ጉዳይ ርሒቐን እንተ ከይደን፡ ንኣሽቱ ሃገራት ነቲ መጻብቦ፡ ነቲ ወሽመጥ ክሕልዋ ስለ ዘይክእላ ንገዛእ ርእሰን ይዅን ንዓለምን ሓደጋ ከስዕብ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ጉዳይ ግን ኤርትራን ግብጺን፡ "ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ነተን ኣብቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ እዩ ዝምልከት፡" ዝብል ሓባራዊ መርገጺአን ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕዳር ናብ ግብጺ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት 12 ነጥቢታት ዝሓዘ እማመ ከም ዘቕረበ ብምግላጽ፡ "ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ፡" ኢሉ።

"ሓደ ካብኡ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ትካላተን ብምሕያል ውሕስነት ናይቲ መስመር ከረጋግጻ ዝጠልብ'ዩ። ምናልባት ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ንምሕላው ኣብ ክሊ ሕጋዊ መቓን ኣህጉራዊ ተራ ክመጽእ ይኽእል እዩ፡" ይብል እቲ ፕረዚደንት።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ዓብደልዓጢ ብወገኑ፡ እተን ኣብ ግማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ኣብ ምምሕዳሩ ሕጋዊ፡ ስትራተጅያውን ሞራላውን ሓላፍነት ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ እታ ወደብ-ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር እቲ ባሕሪ ክትሳተፈሉ እትኽእል ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየሎ ኣስሚሩሉ ነይሩ።

እዚ መርገጺ'ዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ደጊሙ ኣነጺርዎ እዩ።

ብዘይካ'ዚ...

ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ዓቢይ ግድብ ህዳሰን ገና ዘይተፈትሐ ቍርቍስ ዘለወን ኰይነን፡ ግብጺ "ይግብኣኒ እዩ" እትብሎ ረብሓታት ንምውሓስ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክትፈጥር ከም እትደሊ እዩ ዝግለጽ።

"ብዛዕባ ፈለግ ኒል ብዅሉ ዅሉ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ዝተበስሐ ነገር የለን፡" ይብል ኣሰይድ ዓብዱራሕማን።

በዚ ድማ ኣብ ርእሲ'ቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ካብ ዝህልዋ ቀጥታዊ ክልተኣዊ ርክባትን ረብሓታትን፡ ምስተን ብተመሳሳሊ ምስ ኢትዮጵያ ጉዳይ ዘለወን ሃገራት ጥምረት ምፍጣር ከም ሓደ ስትራተጅያዊ ዕላማ ሒዛቶ ምህላዋ እዩ ዝግምገም።

እዚ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እትኸሶ "ስትራተጂ ከበባ" ግብጺ ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ዓመታት እናተሃንጸ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ እዩ ዝንገር። በዚ እያ ድማ ኢትዮጵያ "ታሪኻዊ ጸላኢት" ክትብል ንግብጺ ትወቅስ።

እዚ ኰይኑ ግን እቲ ዝዓበየ ሳዕቤን ዘለዎ ስጕምትታታ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝዓሞቐ ምዃኑ ዞባዊ ተንተንቲ ይገልጹ።

ማእከል ስትራተጂ ግብጺ፡ ጉዳይ ወደባት ከም ዝዀነ ኣብ ታሕሳስ 2025፡ ግብጺ - ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ናብ ዘለወን ክልተ ወደባት ንምምዕባልን ንምዕባይን ስምምዓት ከም ዝኣተወት እውን ይፍለጥ።

እዚ ንናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ዘተኰረ ውዕላት እቲ ሓደ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወደብ ዶራለህን ከኣ እቲ ካልኣይ እዩ።

ክልቲኦም እዞም ወደባት ኣብ ጥቓ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ፡ ደቡባዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን ዝርከቡ፡ ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ወሰንቲ ኣብ ዝዀነ መስመር ባሕሪ ዝርከቡ ስትራተጅያውያን እዮም።

ኤርትራን ግብጽን ብ16 ግንቦት ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ከም ዝፈረማ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ'ዚ ግብጺ ነቲ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ወጢናቶ ዝጸንሐት ምምሕያሽ ዝምድና ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዘላ እዋን ወሳኒ ናይ መንጐኛነት ተራ ሒዛ ትዋሳእ ከም ዘላ ዝፍለጥ እዩ።

ብሰንኪ ኲናት ኢራን፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ከይድገም ዝሰግአት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ንምልዓልን ዲፕሎምስያዊ ዝምድናኣ ንቡር ንምግባርን ከም ዝወሰነት ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ በድር ዓብደልዓጢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ እናዓሞቐ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ግብጺን ግን ብወገን ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ኣይውሰድን፤ ረብሓታታ ንምዅላፍ ብግብጺ ዝተሃንደሰ "ስተራተጂ ከበባ" ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

እዚ ግብጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትፈጥሮ ዘላ ኪዳናት ይዅን ብዲፕሎማስያዊ መዳያት እትሰርሖ ስርሓት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ በቲ ኢትዮጵያ እትህቦ ዘላ ግብረመልሲታት ክርአ ይኽእል።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እታ "ታሪኻዊት ጸላኢተይ" እትብላ ግብጺን ዝጸንሐ ፍልልይ ዛጊት ብዘተ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ብፍላይ ደሕሪ ምዝዛም ዓቢይ ግድብ እቲ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቍርቍስ ገና ዓሚቝ እዩ ዘሎ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ብተደጋጋሚ ንግብጺ ብሽርሕን ተጻባኢ መርገጽን፡ ብፍላይ ዕጡቓት ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ክኸሱ እዮም ዝስምዑ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ብ21 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ክብል እዩ ገሊጽዎ።

ዓብዱራሕማን ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት - ኤርትራን ግብጺን - ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና፡ "ኢትዮጵያ ንግብጺ ከም ሓንቲ ታሪኻዊት ጸላኢት ገይራ ስለ'እትወስዳ፣ ብኻልኣይ ደረጃ እውን ንኤርትራ ከም ጸላኢት ስለእትቘጽራ፡" ነዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዝምድና ከም ስግኣት ክትርእዮ ግድን እዩ።

" ግብጺ ወተሃደራዊ ዓቕማ''ውን ብደረጃ ዓለም ሓያል ከም ዝዀነ ይፍለጥ እዩ፤ ክሳብ ሳብ-ማሪናት ዝውንን ሓይሊ ባሕሪ ኣለዋ፤ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ዘፍሪ ፋብሪካታት ከም ዘለዋ'ውን ይፍለጥ እዩ። ስለዚ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት ብኢትዮጵያ ከም ዓቢይ ስግኣት ክውሰድ ይኽእል እዩ።"

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ግብጺ ዝቐንዐ ብዝመስል ቃና፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ባሕሪ ንዘትረፉዋ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ወጻኢ ብምንጽጻር፡ "እቶም ን60፡ 70 ዓመታት ሰሪሖም መሬት ተኸቢብና ክንተርፍ ዝገበሩና ጸላእቲ ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል "እቶም ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ብመሬት ናይ ምዕጻው ኣጀንዳ እቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ እዮም፡" ክብል ተሰሚዑ።

እንተዀነ ይብል ኣሰይድ ዓብዱራሕማን፡ "ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኢማራት ሓያል ርክብ እዩ ዘለዎ፤ ኢማራት ድማ ዓቢይ ወፍሪ እዩ ዘለዋ - ኣብ ግብጺ። እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ 70 ሚእታዊት ማል ናይቲ 'ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ' ናይ ኢማራት እዩ፤ ስለዚ ግብጺ ምስ ኢማራት ብቐጥታ ዘባእሳ ነገር ክትገብር ኣይትደልን እያ፡" ክብል ትነታነኡ ኣቕሪቡ።