ዋንጫ ዓለም 2026፡ ብፖለቲካ ዝተጐልበበ ስፖርት

ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብድሕረኦም ባጤራ ዶላርን ባንዴራ ኣመሪካን ይርአ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ ነዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም "ደቂ-ሰብ ካብ ዝረኣዩዎ ፍጻመታት ልዕሊ ኵሉ ዝዓበየ፡" ክብል እኳ እንተ ገለጾ፡ ንሓያሎ ግን ፖለቲካ ዝበዝሖን ዝኸበረን ፍጻመ እዩ ኰይኑ ዘሎ።

እዚ ዓቢ ውድድር'ዚ ብሰንኪ ቍጠባዊ ወጻኢታት፡ ጂኦ-ፖለቲካ፡ ሕግታት ኢምግረይሽን፡ ጸጥታን ሕማቕ ጽልዋ ክሊማን ዓበይቲ ክትዓት ኣልዒሉ ይርከብ።

ኣመሪካን ኢራንን፡ ዘይተለምደ ፖለቲካዊ ውጥረት

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም 48 ጋንታታት ዝሳተፋሉን 104 ግጥማት ዝካየደሉን ፍጻመ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።

ካብኡ ብዝተፈልየ ግን ሓንቲ ኣአንጋዲት ሃገር ምስ ሓንቲ እትሳተፍ ሃገር ኣብ ኲናት ክህልዋ እዚ ፈላማይ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፊፋ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን መዕረፊኣ ካብ ኣሪዞና ናብ ሜክሲኮ ከም ዘግዓዘት ኣረጋጊጹ።

እዚ ድማ ሳዕቤን ናይቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ እዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እታ ጋንታ ንድሕነታ ክትብል ክትሳተፍ "ግቡእ" ከም ዘይኰነ ኣጠንቂቑ ነይሩ፤ ፍሉይ ልኡኹ ድማ ኢራን ብኢጣልያ ክትትካእ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኢራን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ፡ ኣመሪካ ንገለ ሰበስልጣን ኢራን ቪዛ ብምኽልካላን ፖለቲካዊ ኢድ-ኣእታውነት ብምግባራን ተኸሲሳ ኣላ።

ክትዓት - ናህሪ ዋጋታትን ቍጠባን

ፊፋ ካብዚ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝካየድ ውድድር ክብረ-ወሰን ብዝሓዘ 9 ቢልዮን ዶላር ክረክብ ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ዕብየት ኵዕሶ እግሪ ክሕግዝ እዩ። እንተዀነ፡ እዚ ሃብቲ ብኸመይ ይፍጠር ከም ዘሎ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

  • ምውሳኽ ዋጋ ቲኬት፡ ኣብ 2018 ዋጋ ቲኬት መዛዘሚ ግጥም ክሳብ 1,550 ዶላር ክኸውን ተባሂሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዋጋኡ ክሳብ 8,680 ዶላር ደይቡ ኣሎ።
  • ኣወጻጽኣ ዋጋ፡ ፊፋ ብመሰረት ጠለብን ግዜን ዋጋ ቲኬት ብምልዋጡ ካብ ደገፍቲ ዓቢ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ኣሎ። ኒውዮርክን ኒውጀርሲን ድማ "ዋጋታት ብሰንሰለታዊ መንገዲ ንምውሳኽ" ኣብ ልዕሊ ፊፋ መርመራ ጀሚረን ኣለዋ።
  • ወጻኢታት መጓዓዝያ፡ ዋጋ ቲኬት ባቡር ካብ ማእከል ኒውዮርክ ናብ ስታድየም ሜትላይፍ ብሰንኪ ፊፋ ካብ 12.90 ዶላር ናብ 150 ዶላር ክብ ኢሉ።
ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኣብ 16 ከተማታት ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ክካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኣብ 16 ከተማታት ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን ክካየድ እዩ

'ኣዝዩ ፖለቲካ ዝበዝሖ' ውድድር

ብሰንኪ እቲ ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ዘተኣታተዎ ናይ ኢምግረይሽን ፖሊሲ፡ ደገፍቲ ኣርባዕተ ሃገራት (ኢራን፡ ሀይቲ፡ ሰነጋልን ኣይቮሪ ኮስትን) ምሉእ ወይ ከፊላዊ ናይ ጕዕዞ እገዳ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።

ብመሰረት ትንተና ቢቢሲ፡ ካብተን ዝሳተፋ 48 ሃገራት ልዕሊ 25% ዝዀና ናይ ጕዕዞ እገዳ ወይ ልዑል ምንጻግ ሕቶ ቪዛ የጋጥመን ኣሎ።

ከም ኣምነስቲን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር "መድረኽ ዓፈናን ስፖርታዊ ሕጽቦን፡" ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።

እቲ ምስ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ትካል (ኣገልግሎት ኢምግራሽንን ስደተኛታትን) ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝወስዶ ዘሎ ጽኑዕ ስጕምቲ ይውቀስ ኣሎ።

ጸቕጢ ጸጥታን ክሊማን

ብሰንኪ ሕጽረት ባጀት ዝተፈጥረ ከፊል ዕጽዋ ምኒስትሪ ጸጥታ ሃገር (DHS) እኳ እንተ ኣብቅዐ፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ነዚ 40 መዓልታት ዝወስድ ውድድር ንምሕላው ኵሉ ዓቕሞም ይጥቀሙ ኣለዉ።

እዚ ጸቕጢ ልሙድ ከም ዘይኰነ ተገሊጹ ኣሎ።

ብወገን ክሊማ ድማ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም "ብልዑል ንክሊማ ዝጐድእ" ክኸውን እዩ።

ፊፋ ናብ ኣየር ዝፍኖ ካርቦን ብ50% ክቕንስ ቃል እኳ እንተ ኣተወ፡ እቲ ሰፊሕ ናይ በረራታት ጕዕዞ ግን ልዕሊ 9 ሚልዮን ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከም ዝፍኖ ክገብር እዩ።

ተመራመርቲ ድማ እቲ ልዑል ዋዒ ንተጻወትን ደገፍትን ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ የጠንቅቑ ኣለዉ።