ኣከባብራ በዓል ልደት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት - ብስእሊ

ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተ-ክርስቲያን ቦሌ መድሃኒኣለም ጡዋፍ ብምብራህን ብመዝሙራትን ድሮ በዓል ልደት ኣኽቢሮም።
መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተ-ክርስቲያን ቦሌ መድሃኔኣለም ጥዋፍ ብምብራህን ብመዝሙራትን ድሮ በዓል ልደት ኣኽቢሮም። እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ከምኡ'ውን ኤርትራ ብተመሳሳሊ ኣገባብ'ዩ ዝበዓል።
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ አመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምኻድ በዓል ልደት የብዕሉ ኣለው።

መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም በዓል ልደት 25 ታሕሳስ ዘኽበረ እኳ እንተዀነ፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ግን በዓል ልደት ሎሚ 7 ጥሪ ወይ 29 ታሕሳስ 2017 [ኣ.ግ] እዮም ዘኽብሩ።

እዚ ድማ፡ እቶም ምእመን ዓውደ ኣዋርሕ ጁሊያን ስለ ዝጥቀሙ'ዩ።

እቲ ዝተረፈ ኣማኒ ክርስትና ድማ ዓውደ ኣዋርሕ ግሪጐራውያን ይኽተል።

ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይሮቢ
መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይሮቢ በዓል ልደት ብጸሎትን መዛሙርን ተቐቢሎም
መዘምራን ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ - ናይሮቢ ኬንያ
መግለጺ ስእሊ, መዘምራን ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ - ናይሮቢ ኬንያ
ሽምዓ ዝሓዙ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ጆርጂያ -ቲብሊሲ- ምእመናን ሽምዓ ብምብራህ ንበዓል ልደት ተቐቢሎም
ኣብ ሶርያ፡ ምእመናን ኣብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስቲያን ኣርሜኒያን ኣፖስቶሊክ ማር ሳርኪስ ብምኻድ እቲ በዓል የብዕሉ ኣለው።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሶርያ፡ ምእመናን ኣብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስቲያን ኣርመኒያን ኣፖስቶሊክ ማር ሳርኪስ ብምኻድ የብዕሉ ኣለው። እዚ፡ ስርዓት በሽር ኣልዓሳድ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ኣብ ሶርያ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት'ዩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስትና ዘለዋ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ግብጺ፡ ኣመንታ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ምኻኤል ነቲ በዓል የኽብሩ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስትና ዘለዋ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ግብጺ፡ ኣመንታ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ነቲ በዓል የኽብሩ።
ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ሻራጃህ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሩስያ ኣኽቢሮም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ሻራጃህ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሩስያ ኣኽቢሮም።
የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተወልደላ ዝንገረላ ኣብቲ ብእስራኤል ኣብ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ እትርከብ ቤተልሄም ዝርከቡ አመንቲ፡ ድሮ በዓል ልደት ብቅዳሴን መዝሙርን ኣኽቢሮም።
መግለጺ ስእሊ, የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተወልደላ ዝንገረላ ኣብቲ ብእስራኤል ኣብ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ቤተልሄም ዝርከቡ ኣመንቲ፡ ድሮ በዓል ልደት ብቅዳሰን መዛሙርን ኣኽቢሮም።
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሩስያውያን በዓል ልደት የኽብሩ ኣለው፤ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን'ውን ኣብ ሞስኮ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተረኺቡ ኣኽቢሩ።
መግለጺ ስእሊ, ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሩስያውያን በዓል ልደት የኽብሩ ኣለው፤ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን'ውን ኣብ ሞስኮ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተረኺቡ ኣኽቢሩ።
ሞስኮ ብመብራህቲ ደሚቓ ትርከብ
መግለጺ ስእሊ, ሞስኮ ብመብራህቲ ደሚቓ ትርከብ
ኣብ ርእሰ ከተማ ሰርቢያ -ቤልግሬድ- ልኡል ፊሊፕ ብመሰረት ባህሊ እታ ሃገር ሽግ ብምውላዕ በዓል ልደት ኣኽቢሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ሰርቢያ -ቤልግሬድ- ልኡል ፊሊፕ ብመሰረት ባህሊ እታ ሃገር ሽግ ብምውላዕ በዓል ልደት ኣኽቢሩ
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርሜኒያ - የሬቫን- ክርስቲያን ኣፖስቶሊክ ኣርሜኒያ ኣብ ካቴድራ ቅዱስ ግሪጎሪ ተረኺቦም ብቅዳሴ ኣኽቢሮም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርመኒያ - የሬቫን- ክርስቲያን ኣፖስቶሊክ ኣርመኒያ ኣብ ካቴድራ ቅዱስ ግሪጎሪ ተረኺቦም ብቅዳሰ ኣኽቢሮም።