'ኣበሳ ኲናት' - ሰነድ መጽሓፍ እሱር ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት

ምንጪ ስእሊ, SM/EMKULU
'ኣበሳ ኲናት' 48 ግጥምታት ኣማኑኤል ኣስራት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እዛ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሩ ኣሕታሚ እምኵሉ ኣብ መወዳእታ 2025 ዝተዘርግሐት መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት፡ ፈላሚት መጽሓፍ ናይቲ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ዛጊት ደሃይ ዘይብሉ ኤርትራዊ ገጣሚን ጋዜጠኛን ኣማኑኤል ኣስራት እያ።
ኣብ መቕድም ናይታ መጽሓፍ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ እዚ ብስድራቤቱን ኣዕሩኽቱን ዝተወስደ ተበግሶ፡ ካብቲ ክርከብ ዝተኻእለ'ሞ ኣብ እዋኑ ንማሕተም ዝበቕዐ ግጥምታት ዝተኣከበ'ዩ።
እንተዀነ፡ ካብቲ ኣብ እዋኑ ዝተሓትመ ግጥምታት'ውን ብምሉእ ሕታማት ጋዜጣታት ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ፡ እቲ "ንሰነድ" ተባሂሉ ዝተኣከበን ዝተሓትመን ግጥምታት ኣማኑኤል ዝጐደሎ ከም ዝህሉዎ ስድራቤትን ኣብቲ ምእካብ ዝተሳተፉን ይገልጹ።
ብመሰረት መዘኻኻሪ ቃል ስድራቤቱ'ውን እቲ ሃጓፍ'ቲ ክህሉ ከም ዝኽእል ከይዘንግዑ፡ ንእዋኑ ካልእ ዝሓሸ ኣምራጺ ስለ ዘይረኸቡ፡ ከሕትሙዎ ምውሳኖም የመልክቱ።
"ኣብዚ ወፈራዊ ስራሕ ዝተሳተፉ ብዙሓት'ዮም። ከም ስድራቤት ስራሓት ኣማኑኤል ከምዚ ኢሉ ተጠርኒፉ ክንርእዮ ዝህበና መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣሎ፡" ይብል ንእሽቶ ሓዉ ሮቤል ኣስራት ካብ ኣመሪካ።
"እዚ ግን መጀመርታ እምበር መወዳእታ ኣይክኸውንን፣ ብሕጂ ድማ ኣብዚ ቀዳማይ ዙር ዘይተኣከበን ካልእ ጽሑፋዊ ስራሓቱን ኣኪብና ከነሕትሞ ንትስፎ፡" ይብል።
"ኣበሳ ኲናት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተጠርኒፎም ዘለዉ 48 ግጥምታት ኣማኑኤል፡ ንፍቕሪ፡ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ኲናትን ካልኦት ምስኣቶም ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታት ኣተኲሮም ዝተጻሕፉ'ዮም።
እዞም ግጥምታት ኣብቲ ምስግጋር ናብ ዘመናዊ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጥቀስ ምጅማር ሓድሽ መዋእል ዝተጻሕፉ ብምዃኖም ፍሉይ ታሪኻዊ ግዜ ይውክሉ።
ገጣሚ ማዕረ'ቲ ንዂናትን ውጽኢቱን ዘለዎ ትኵር ኣጠማምታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት - ብሕልፊ ድማ ኣብቶም ዝተሓቱ ቀጻላ ሕብረተሰብ ዝርከቡ ወገናት - ኣተኵሩ ሓያሎ ግጥምታት ጽሒፉ'ዩ።
ካልእ ፍሉይ ኣተኵሮ ዘድልዮ፡ ዳርጋ ኵላቶም እቶም ተጠርኒፎም ዝተሓትሙ ግጥምታት ኣብቲ ኣማኑኤል ዘሰናድኦ ዝነበረ ጋዜጣ "ዘመን" ብዝተፈለለየ ኣስማት ብርዒ ዝተሓትሙ ምዃኖም እዮም።
ኣብታ ባዕሉ ዘሰናድኦ ጋዜጣ ኣስማት ብርዒ ምዝውታር - ኣብ እዋን ብሕታዊ ጋዜጣታት ኣዝዩ ልሙድ ዝነበረ ተርእዮ -ነጸብራቕ ናይቲ ዝነበረ ስእነት ምትእምማንን ተሪር ሰረት ዘለዎ ስግኣትን ክኸውን እንከሎ፡ ህያው መርኣያ ናይቲ ግዜ እውን'ዩ።
ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ ኰይና ተመሪጻ ዘላ "ኣበሳ ኲናት" እትብል ግጥሚ ኣማኑኤል ብሓያሎ ሸነኻታት፡ ኣንጻር'ቲ ዝነበረ ማዕበልን ስምዒትን ብግልጺ ትንትን፣ ንዝመጽእ ዝነበረ ሓማቕ ተጽዕኖ'ቲ ኲናት'ውን ብሸዓኣ ዝኣመተት'ያ።
እዛ ግጥሚ ገና ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ኣብ ዝካየደሉ ዝነበር እዋን ዝተጽሓፈት ኰይና፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ጐረባብቲ ህዝብታት ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ግን ከኣ ዘልኣለማዊ ስንባራት ዝገደፍ ኲናት ከምዚ ክብል ይገልጾ፤
ካዕቦ ህይወት ኣፍሲሱ
ሕልፈት ካብ ትንፋስ ጐልጒሉ
ብሞት ብሞት ዓጺዱ
ኣብ ዝባን ውላድ ኣኽይዱ
ኣማስያኡ፡ ነታ ፍረ ኣብ ስግኣት ጨፍሊቑ። (…)
ማዕረ'ቲ ዘለዋ ኣድማሳዊ መልእኽትን ብልጸት ኣጸሓሓፋን እዛ ግጥሚ ብቴድሮስ ኣብርሃም (ምትሕብባር ዳቪድ ሹክ) ናብ እንግሊዘኛ ድሕሪ ምትርጓማ ሎሚ ናብ 16 ቋንቋታት ተተርጒማ ሰፊሕ ተነባብነት ረኺባ'ያ።
ኣብ 1971 ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ምሩቕ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኰይኑ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ 1990 ኣብቲ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ'ውን ዝተሳተፈ እዩ።
ኣማኑኤል ኣስራት ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ብ18 መስከረም 2001 ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ጋዜጣታት ብሕቲ ብመንግስቲ ዝተኣገደት ጋዜጣ "ዘመን" እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SD
ድሕሪ'ቲ "ንግዜኡ" ዝተሰምየ ጃምላዊ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፡ ሓሙሽተ መዓልታት ጸኒሑ፡ ብ23 መስከረም ዝጀመረ፡ ሃድን ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ድማ ኣማኑኤል ኣስራት ካብ መንጎ'ቶም ሽዑ ዝተጨውዩ ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ብሕትቲ'ዩ ነይሩ።
ምስ ካልኦት ኣብቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝተወስዱ ጋዜጠኛታት (እንተላይ በብእዋኑ ብድሕሪኡ ዝሰዓቡ)ን መራሕቲ ፖለቲካ ነበርን እምበኣር ካብ 2001 ኣትሒዞም ዛጊት ደሃዮም የሎን። ኣብ ዝዀነ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ኣይቀረቡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሃለዋቶም ኣመልኪቱ'ውን ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተገልጸ ዝዀነ ነገር የሎን።
ጋዜጠኛን ጸሓፊን ኣብርሃም ተስፋልኡል ኣብዚ ናይ ምእካብን ምጽፋፍን እዚ እኩብ ዕዮታት ዝተዋፈረ ኰይኑ፡ ኣብ ጋዜጣ "ዘመን" ምጽሓፍ ምጅማሩን ናብቲ ሞያ ንኽጽንበር ኣማኑኤል ኣስራት ዝለዓለ ድፍኢት ከም ዝዀኖን እዩ ዝነግር።
"ሕጂ ምሕታሙ ዘይኰነስ ክሳዕ ሎሚ ነዚ ክንግበሮ ዘይምኽኣልና'ዩ ዝያዳ ከንቅፈና ዝግብኦ። እቶም ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዘሎና ምእንቲ'ቶም ድምጾም ዝሃጠሙ ኢድና ከይነጣምር ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና፡" ይብል ኣብርሃም ብዛዕባ'ዚ ሕትመት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።
ኣማኑኤል ኣስራት፡ ብግጥምታቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንገዲ ንሱ ዘሰናድኣ ዝነበረ ጋዜጣ "ዘመን" (ኣብ ስነጥበብ ሓለፋ ኣተኵሮ ስለ ዝነበራ) ከምኡ'ውን ንሱን ብጾቱን ዝመርሑዎ መድረኻት ስነጽሑፍ ኣብ ምቕላስ ዘመናዊ ስነግጥሚ ትግርኛ መሪሕ ተራ ከም ዝተጻወተ ብኽኢላታት እቲ ዓውዲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተጠቒሱ'ዩ።
ምናልባት ከም ውጽኢቱ'ዩ ድማ ዛጊት ሓያሎ ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ክረክብ በቑዑ ዘሎ። ኣማኑኤል፡ ኣብ 2016 ብመንገዲ ኦክስፋም ኣብ ዝተዳለወ "ተባዕ ጸሓፊ" ዝተሰየመ ምስ ካልኦት ቱርካዊን ግብጻዊን ጸሓፍቲ ክሽለም እንከሎ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020'ውን ብተመሳሳሊ - ኣብ ዘይተረኽቦ - ተኻፋሊ ሽልማት ሃሮልድ ፒንተር ኰይኑ'ዩ።
እዚ ነቲ በብእዋን ኣብ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም፡ ምስ ካልኦት መተኣስርቲ ብጾቱ፡ ዝግበር ቀጻሊ ጐስጓስን ኣፍልጦን ከይጠቐስካ'ዩ።
ሕትመት መጽሓፍቲ ኣብ ስደት

ምንጪ ስእሊ, EMKULU
ብሰንኪ ኣብ እዋን ማሕተም ዝህሉ ምምያን ውጽኢት ሰግለለት ፍርሕን፡ ሕትመት መጽሓፍቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከቢድ ማሕለኻ'ዩ ክገጥሞ ጸኒሑን ዘሎን።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ስእነት ኣማራጺታት ማሕተምን ዋሕዲ ወረቐትን እቲ በብእዋኑ ዝሕተም መጽሓፍቲ'ውን ኣብ ዓይነት ሕትመትን ደረጃኡ ብመጠኑ ዝጐደለ'ዩ።
እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብመንገዲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ዝሕተም መጽሓፍቲ ገዲፍካ፡ ሓያሎ ደረስቲ፡ ኣማራጺታት'ውን ስለ ዝጽገሙ ናብ ስነልቦናን ምኽርታትን ዘተኰረ ትርጕማዊ ስራሓት ኣመልኪቶም'ዮም ብዝያዳ ከፍርዩ ጸኒሖምን ዘለዉን።
ኣብ ስደት እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርአ ሃጓፋት ብብዙሕ መንገዱ ዝመልእን ዝትክእን ተበግሶታት ይርአ ኣሎ። ሓደ ካብዚ ልሉይ ስራሕ ኣብ ፈለማ 2019 ኣብ ሽወደን ዝጀመረ ኣሕታሚ እምኵሉ'ዩ። እዚ ኣሕታሚ ን"ኣበሳ ኲናት" ሓዊሱ ሓያሎ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ደረስቲ ዝተዳለወ መጽሓፍቲ ኣሕቲሙ ኣሎ።
ኪንዮ ማሕተም፡ ኣብ ጽፈት ኣሰራርዓ፡ ኣርትዖት፡ ንድፊ መጽሓፍቲን መሕተሚ ወረቐትን እቲ ስራሕ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ'ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ብተሪር ገበር (hardcover) የሕትም ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሃጓፍ ብዓቢ ክመልእ ዝበቕዐ ይመስል።
ብሳላ'ዚ ተበግሶ ከኣ ብመንገዲ ኣሕታሚ እምኵሉ ዝፈርዩ ዘለዉ መጽሓፍቲ (ነዊሕ ዓለማዊ ተመኵሮ ዘለዎ ብካሳሁን ቸኮል ዝካይድ ኣሕታሚ ሬድሲ ከይጠቐስና)፡ ኣብ ቅጥዒ ጽፈቶም፡ ብልጸት ወረቐቶም፡ ኣርትዖቶምን ኣሰራርዓ ቤትንባብን ዓለማዊ ደረጃ ክሕዙ ክኢሎም'ዮም።
ኣብ ስደት ዝግበር መስርሕ ሕትመት ግን ምሉእ ብምሉእ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክህሉ ዝነበሮ ምቹእ መስርሕ ክትክኦ ኣይክእልን'ዩ።
ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ ዝርግሐ ዝህሉ ማሕለኻታት'ዩ። መጽሓፍቲን ካልእ ብማዕዶ (ኦንላይን) ምግዛእ ኣብቶም ተዛረብትን ኣንበብቲ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ባህሊ ስለ ዘይጸንሐ፡ ብመንጽር ዕድጋ ኣተባባዒ ዘይክኸውንን ኣብ ዝተናውሐ ድማ ውሕስነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱን ይኽእል።
ከም ካልእ ዓለማዊ ተርእዮ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍቲን ሕትመትን ዝርአ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ'ውን፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ምስቲ ኵሉ መሰናኽላት፡ ስነጽሑፍን ንባብን ኣብ ምድንፋዕ ሓያሎ ተበግሶታት ክወስዱ ይርኣዩ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, SEMAYAT
ኣብ በበይኑ ሃገራት ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ኤርትራ ብዝተሰደዱ ግዱሳት ዜጋታት ዝተበገሰ መሻጣ መጽሓፍቲ (ብኦንላይን)፡ ብሳላ መራኸቢታት ቴክኖሎጂ ተደጊፉ ቅልጡፍ ዝርግሐን ምብጻሕን ኣብ ምግባር ዓቢይ ተራ ይጻወት ኣሎ። ኣብ ቶሮንቶ ካናዳን ካልእ ብንኡስ ተበግሶታት ዝተኻየደ ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራውያን ደረስቲ'ውን ካልእ ዝጥቀስ ኣብነት'ዩ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ በብእዋኑ ብመንገዲ ማንዛን መርበባት ዩትዩብን ዝግበር ገምጋም መጽሓፍቲን መድረኻት መላልዪን ነቲ ኣካላዊ ርሕቀት ኣጽቢቡ፡ ግዱሳት ብቐሊሉ ንኽበሃሃሉ ኣኽኢሉ ኣሎ።
ኣብዚ መስርሕ ምልላይ፡ ምሻጥን ምውዕዋዕን መጽሓፍቲ ብንጥፈት ዝዋስኡ ብዙሓት እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበር መምህር መኰነን ተስፋይ ግን ዝያዳ ሓያሎ ኣብዚ መዳይ ጸብለል ይብል።
ብዘይካ'ቲ ብመንገዲ "ሰማያት" ዝገብሮ ዝርግሐን ሕትመትን መጽሓፍቲ ትግርኛ፡ "ሞዛይክ ባህሊ" ብዝተሰየመ ናይ ዩትዩብ መርበብ ኣቢሉ ዝገብሮ ቀጻሊ ገምጋም፡ ሌላን ዘተን ሓደስቲን ኣዝየን ኣገደስቲን መጽሓፍቲ (ዝያዳ ምስ ኤርትራውያን ደረስቲ ዝተኣሳሰር) ሕልፊ ካልኦት የጥቅሶ።
ኣተኵሮ ገምጋም እዚ ጽሑፍ ዝዀነት መጽሓፍ ኣማኑኤል ኣስራት እምበኣር፡ ብልጽቲ ኣብነት ናይዚ በብወገኑ ኣብ ስደት ዝሕይል ዘሎ መስርሕ ሕትመትን ዝርግሐን መበቈላውያን መጽሓፍቲ'ያ።
"ኣበሳ ኲናት" እምበኣር ውጽኢት ፍረ ብሉጽ ግን ከኣ ቀልጢፉ ዝተዀልፈ ገጣሚ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ልዑል ጻዕሪ ኣንጻር ስቕታን ነባሪ ሰነድን ዝሰርሑን ንማሕተም ዘብቅዑን ስድራቤቱ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበዀረ ብሉጽ ሕትመትን ምድላዋትን ኣብ ስደት ዘኽኣሉ ኣሕትምትን ዘርጋሕትን እያ።
ማዕረ'ቲ ንምጥርናፍ እዚ ስራሕ ዝወሰደ ግዜን ጸዓትን፡ ኣዝዩ ፍሉይ ኣገዳስነቱን ዝወሃቦ ትርጕምን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ መጽሓፍ "ኣበሳ ኲናት" ኣብ ቤት ብዙሕ ኣንባብን ግዱስን ክትኣቱ ትጽቢት ይግበራላ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


