ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ሞስኮ ኣቐኒዑ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 28 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ ሰሉስ ወጋሕታ ናብ ሞስኮ ከም ዝገሸ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግብን ጸጥታውን ምትሕብባር ዘተኰረ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
እዚ ሩስያ እተካይዶ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጉር እናዓበየ ብዝመጽእ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምዕማቝ ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንምጥንኻርን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ንምዝታይን፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘተ ከካይድ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ መገሻ ኣሰንይዎ ከም ዘሎ እውን ተፈሊጡ።
እዚ ዑደት እዚ ዝካየድ ዘሎ፡ ኤርትራን ሩስያን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታተን እናኣስፍሓኦ ኣብ ዝመጻሉ ዘለዋ እዋን እዩ።
ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ብ1993 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣስመራ ምስ ሞስኮ ጽቡቕ ዝምድና ኣለዋ። ብ2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈጸመቶ ወራር ዝዅንን ውሳነ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝተቓወማ ሒደት ሃገራት ሓንቲ እያ ነይራ።
ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ካብ 2023 ኣትሒዙ ዝያዳ እናደልደለ መጺኡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዓመት እቲ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ዑደቱ ናብ ሩስያ ብምግባር፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ሞስኮ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዓውድታት ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ቃል ኣትዮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሓደ ካብቶም ብሓምለ 2023 ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነይሩ። እቲ ኣኼባ፡ ልኡኻት 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘዋሰአ ኰይኑ፡ ብመንጽር ሞስኮ፡ ከም ሓደ ቀንዲ መድረኽ ምስፋሕ ፖለቲካውን ቍጠባውን መሻርኽቲ ኣብ ምሉእ እቲ ኣህጉር ገይርካ እዩ ዝውሰድ ነይሩ።
ኣብ ጐድኒ እቲ ዋዕላ፡ ፑቲንን ኢሳይያስን ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዶም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሩስያ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት "ዕርክነታዊ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ንግዳውን ቍጠባውን ምትሕብባር ከተዕቢ ትደሊ ምህላዋ ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ናይ ሕጂ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሞስኮ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት እናዛየደ ኣብ ዝመጸሉን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ኣህጉራውን ዓለማውን ኣቓልቦ ይስሕብ ኣብ ዘለወሉን እዋን እዩ።
ነዚ ኣመልኪቱ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ኣሊሞቭ ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን - ኤርትራን ኢትዮጵያን - ፍቓደኛታት እንተዀይነን፡ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ንምዝርራበን ሃገሩ ድልውቲ ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ኣሊሞቭ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገሩ "እሙናት መሓዙት ሃገራት" ኢላ እትገልጸን ክልቲአን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ንሩስያ ዘተሓሳስብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ሩስያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጽልዋኣ ንምዕባይ ትጽዕር ኣላ። ኤርትራ ብወገና፡ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ብዘለዋ ነዊሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ቍሩቍስ፡ መሻርኽቲ ንምብዛሕ ትደሊ ኣላ።
እዚ ዋዕላ እዚ፡ ክልቲኦም መንግስታት ፖለቲካዊ ስምረቶም ንምድልዳልን ዝያዳ ዕሙቝ ቍጠባዊ ምትሕብባር ዝህልወሉ መዳያት ንምድህሳስን ካልእ ዕድል ክፈጥረሎም ትጽቢት ይግበር።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
