መጠን ዘርኢ ወዲተባዕታይ ንምውሳኽ ዝምከሩ ዘለዉ ልምድታትን መድሓኒትን

ኣብ እንዳ ሳውና ፓንት ገይሩ ዝረአ፡ ወዲ 28 ዓመት ሳይሞን፡ ፍርያምነቱ ንምሕላው ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ
መግለጺ ስእሊ, ወዲ 28 ዓመት ሳይሞን፡ ፍርያምነቱ ንምሕላው ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ይወስድ
    • Author, ጃኪ ዋክፊልድ
    • Role, ተንታኒት ጉዳያት ጥዕና
  • Published
  • ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሳይሞን፡ ኵሉ ግዜ ንግሆ ናብ ሳውና ይኸይድ፣ እቲ ሙቐት [ሳውና ኣብ ሰብነቱ ዝርከብ መርዛም ነገራት ንምውጋድ ይሕግዞ፤ እዚ ድማ ንንጥፈት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘመሓይሽ ይዛረብ፤ ካብቲ ሓያል ሙቐት ግን ተወሳኺ መከላኸሊ የድልዮ።

"ዕሹግ በረድ ይጥቀም፡ ቺል ናትስ ይበሃል፤ ልዑል መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምዕቃብ ኣብ ጥቓ ፍረ-ነፍሰይ ቀርቂረ አቐምጦ" ክብል ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ተዛሪቡ።

እዚ ዅሉ ኣካል ናይቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምምሕያሽ ዝጥቀመሉ መስርሕ እዩ፤ ሓቂ እዩ እዚ ኣገባብ ከም ዝሰርሕ፡ ዘረጋግጽ ሕክምናዊ መርትዖ የለን።

እዚ ወዲ 28 ዓመት ቬነዝወላዊ ኣመሪካዊ፡ ካብ ሚያሚ-ፍሎሪዳ ዝመጸ ኰይኑ፡ እኹል መዓልታዊ ፀሓይ ብርሃን ከም ዝረክብን ምንቅስቓስ ኣካላት ከም ዝገብርን'ውን የረጋግጽ።

ካብቲ ፕላስቲክ ብርጭቇኡ ማይ ይሰቲ፡ መርዛም ነገራት ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋ ንምክልኻል ድማ፡ ካብ ጡጥ ዝተሰርሐ ፓንቲ ይለብስ።

ሳይሞን ግን ኣብ ቀረባ እዋን ቈልዑ ክወልድ መደብ የብሉን፣ መጻምድቲ'ውን የብሉን።

እንተዀነ፡ ትሑት መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ጥዕናኡ ብኸመይ ክጸልዎ ከምዝኽእል ዝያዳ የሻቕሎ።

"ትሑት ፍርያምነት ንስራሕ ኢንዶክራይን፡ ደረጃ ቴስቶስትሮን ወይ ካልኦት ሆርሞናት ክጸልዎ ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ ዓቢ ዘፍርሕ'ዩ" ይብል።

ንጥፈታት ኢንዶክራይን ኣብ ብዝሒ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጽልዋ እንተሃለዎ'ኳ፡ ትሑት ፍርያምነት ግን ብቐጥታ ንስራሕ ኢንዶክራይን ወይ ደረጃ ቴስቶስትሮን ኣይዘርግን እዩ።

ሳይሞን፡ ሓደ ካብቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምዕባይ ልዑል ተገዳስነት ዝሓደሮም ደቂ ተባዕትዮ እዩ።

ብደረጃ ዓለም ምስ ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ዝተኣሳሰሩ ሃሽታጋት [መለለዪታት] ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ኣማኢት ሚልዮናት ተራእዮም ኣለዉ።

እቶም ዝዓበዩ ኣብ ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ዘተኮሩ ዝርርባት ድማ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ኣብ ማእከል መረብኡ ከፍ ኢሉ ካሜራ ዝርኢ ዘሎ ሳይመን፡ ድብን ዝበለ እርሳስ ዝሕብሩ ቲሸርት ደሪቡ ዘሎ ዀይኑ፡ ፀሊም ሕብሪ ጭሕምን ፀጉሪ ርእስን ኣለዎ።
መግለጺ ስእሊ, ሳይሞን ኣብ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይነቱ ብምትኳር ጥዕንኡ ይሕሎ ከምዘሎ ይዛረብ

ክኢላታት ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ፡ ቍጽሪ ናይቶም ንመጠን ዘለዎም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝሓተቱን ብዛዕባ መጻኢ ስክፍታኦም ዝገልጹን ደቂ ተባዕትዮ፡ ብደረጃ ዓለም ወሰኽ ከምዝረአየ ይዛረቡ።

እቶም ክኢላታት፡ እዚ ብኸፊል ብሰንኪ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ፡ ፍወሳታት ቴስቶስትሮን (TRT)ን ስቴሮይድን ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ መርዛም ከባቢ፡ ምስ ፍርያምነት ዝተኣሳሰሩ ሆርሞናት ክዘርጉ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ክኢላ ፍርያምነት ፕሮፌሰር ሱክስ ሚንሃስ፡ እዚ ሓያል ተገዳስነት፡ ዝተሓዋወሰ ውፅኢት የስዕብ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ኣፍልጦ መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ምዕባይ ኣገዳሲ እዩ። ግን ነቲ ስክፍታ ልዕሊ መጠንዶ የጋድዶ ይህሉ?" ክብል ይሓትት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነዚ ሻቕሎት ብምምዝማዝ፡ ጸለውቲ ሰባትን ገለ መድሓኒት ዘፍርዩ ኢንዱስትሪታትን ይቀላቐሉ ከምዘለዉ እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ ይዛረብ።

ሳይሞን፡ ከም ብዙሓት ካልኦት ሰባት፡ ነቲ ኣርእስቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዩ ርእዩዎ።

እንተዀነ፡ ናቱ መጠን ፍረ-ወዲ ተባዕታይ ኣብ ሕክምና ኣየርአየን፤ ብዛዕባ ጥዕናኡ ዝጭነቐሉ ፍሉይ ምኽንያት እውን የብሉን።

"ብሓፈሻ ስቕ ኢለ ዝፈርሖ ነገር'ዩ፡ ስለዚ ፍርያምነተይ ክከላኸል እመርጽ" ይብል።

ብራያን ጆንሰን ኣብ 2021 ዝተልዓሎ ስእሊ፡ ለማሽ ፀሊም ሕብሩ ፀጉሩ፡ በዓል ሰማዊ ዓይንን ዀይኑ፡ ቅልል ዝበለ ዓጓ ጃኬት ደሪቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢልዮነር ሲሊኮን ቫሊ-ነበር ብራያን ጆንሰን፡ ካብቲ ማእከላይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዘለዎ ይገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሳይሞን ብዛዕባ ፍርያምነቱ "ብሓቂ ክግደስ" ዝደረኾ ካብ ካብ ጽልዋ ብራያን ጆንሰን ዝመጸ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ቢልዮነር ሲሊኮን ቫሊ ነበር፡ ካብቲ ማእከላይ ቍጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዘለዎ ይዛረብ።

ንሱ፡ ከም ኣጠቓቕማ ሳውናን [ኣብ ፍረ-ነፍስኻ ዕሹግ በረድ ገይርካ] ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ጥዕና - ንብዝሒ ቴስቶስትሮንን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ንምዕባይ ከም ዝሓገዘ ይዛረብ።

ሳይሞን ድማ ነዚ ሓቂ ኣሚኑ ይኽተሎ ኣሎ።

ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ዝረአዩዎ ትሕዝቶ፡ ጆንሰን፡ ዓማዊል ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ናብቲ ተወሳኺ ጉልበት ዝህቡ ቅመማት [ሳፕሊመንት] ዝሸጠሉ መርበብ ሓበሬታኡ 'ብሉፕሪንት' ይመርሖም።

ከምኡ ዝገብር ዘሎ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን።

ካልኦት ብዘይ ዝዀነ ሕክምናዊ መርትዖ፡ ጸለውቲ ሰባት ዘወዓውዕዎ ኣገባባት ኣሎ።

ገለ መመላእታታት [ሳፕሊመንት]፡ ፍወሳ ጸሐይ ብርሃንን፡ ውሽጣዊ 'ጽሬት' ንምሕላው ልግሲ ደም ዘጠቓልሉ እዮም።

ትሕዝቶታት፡ እቶም ጸለውቲ ሰባት፡ ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ምንካይ መጠን ውልደት ብዝምልከት ሰፊሕ ተገዳስነት ድሕሪ ምፍጣሩ 'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጥዕና ኣመሪካ፡ ኣር.ኤፍ.ኬ ጁንየር - ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ "ቅልውላው ፍርያምነት" ኣልዒሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 1970 "ደቂ ተባዕትዮ ካብቶም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያትና፡ ዕጽፊ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ነይርዎም" ክብል ሞጒቱ።

እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ካብቶም ኣብ 1970 ዝነበሩ ዝወሓደ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘለዎም ዝሕብር ሳይንሳዊ መርትዖ ግን የለን።

ርግፅ እዩ፡ ገለ መጽናዕትታት ካብ 1970ታት ጀሚሩ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ የመልክቱ እዮም፤ እቲ ዛዕባ ግን ገና ሰፊሕ መጽናዕቲ የድልዮ።

እዚ ማለት፡ ጠንቂ ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ኣብ ሓፈሻዊ መጠን ውልደት ዘስዕቦ ጽልዋን፡ ንጹር ኣይኮነን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከም በዓል ኣንድሩ ሁበርማን ዝኣመሰሉ ምስ 'ማኖስፊየር' ዝቐረቡ ጸለውቲ፡ ኣብ ፖድካስታቶም መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምንካይ ከምዘሎ ይዛረቡ፣ ጆ ሮጋን ድማ ብዛዕባ ሓደጋ "ህልቀት ህዝቢ" ኣጠንቂቑ።

ብዘይካ ስነ-ህይወታዊ፡ ካልእ ብዙሕ ጠንቅታት ምንቁልቋል መጠን ወሊድ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም ካብ ሸውዓተ መጻምድቲ ኣብ ሓደ ጽልዋ ኣለዎ። ቍጠባውን ሕብረተሰባውን ጉዳያት ንሰባት ቈልዑ ከይወልዱ ምኽንያት ከምዝዀነ ይጥቀስ።

ንሱ እዚ ስክፍታ ምኽኑይ ምዃኑ'ኳ እንተኣመነ፡ ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ - ኢንዶክሪኖሎጂስት- ፍርያምነት፡ ፕሮፌሰር ቻና ጃያሰና ግን እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወዓዋዕ ዘሎ ወግዒ፡ ልዕሊ ዓቐን ምዃኑ ይኣምን።

"ልክዕ እዩ፡ ዝተወሰኑ ደጋዊ ብድሆታት ኣለዉ፣ እንተዀ እቶም ጠንቅታት እንታይ ምዃኖም ገና ንጹር ኣይኮነን" ይብል።

እቲ ሓፂር ፀሊም ፀጉሩ ሎቋስ፡ እቲ 'ቀይሕ-ብርሃን' ብዘብል ዝፍለጥ ቴራፒ ንምግባር ደው ኢሉ ኣሎ።

ናቱሮፓት ሉካስ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ መጠን ፍርያምነት መጠንቀቕታታት ዝህብ ጓስጓሲ ጥዕና እዩ።

"ዓለምለኻዊ ለበዳ፡ ኣብ ምንካይ ፍርያምነት ጽልዋ ከም ዘለዎ ንርኢ ኣለና" ክብል ንቢቢሲ ይዛረብ።

ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ 33 ዓመት ክመኽኑ ይኽእሉ እዮም፣ ዝብል መደናገሪ ኣበሃህላ ንተዓዘብቲ ዩትዩብ ቻነሉ እውን ሓቢሩ ኣሎ።

ብኢንተርነት ገለ ትምህርታዊ ሓገዝቲ 'ኮርስ' ይሸይጥ፡ 1:1 ስልጠና ይህብ፣ ቴስቶስትሮንን ፍርያምነትን ንምውሳኽ ንዝደልዩ ደቂ ተባዕትዮ ሓገዝቲ [ሳፕሊመንት] ይሸይጥ።

ገለ ዘይተረጋገጸ መስርሕ ፍርያምነት ዘስፋሕፍሕ ትሕዝቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ይምህር ኣሎ።

ገለ ሰዓብቱ እውን ኣብ ልዕሊ ፍረ-ነፍሶም ወይ ከባቢኡ ቀይሕ-ብርሃን ዘመንጩ መሳርሒ ይጥቀሙ።

"እዚ ዝያዳ መባእታዊ'ዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ክሳብ ዘየለ፡ ተግባራዊ ስትራተጂ'ዩ ዝመስለኒ" ይብል።

ሉካስ ብዛዕባ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ምኽሩ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ ኣብ ፍረ-ነፍስኻ ዕሹግ በረድ ምግባር "ተስፋ ዝህብ ምትእትታው" ምዃኑ ከም ዝኣምን እኳ እንተ ተዛረበ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ግን ኣሚኑ።

ሉካስ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ፡ ድቃስን ምንቅስቓስ ኣካላትን እውን ይመክር፡ እዚኦምን መሰል ልምድታትን ጽኑዕ ሳይንሳዊ መርትዖ ዘለዎም እዮም።

ኢንዶክሪኖሎጂስት- ፍርያምነት፡ ፕሮፌሰር ቻና ጃያሰና ፡ ብዘይ ትእዛዝ በዓል ሞያ መድሃኒት ፍርያምነት ምውሳድ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ፡ ኣብ መደያይብ ሆስፒታል ኰይኑ እዩ ዝረአ።
መግለጺ ስእሊ, ኢንዶክሪኖሎጂስት - ፍርያምነት፡ ፕሮፌሰር ቻና ጃያሰና፡ ብዘይ ትእዛዝ በዓል ሞያ መድሓኒት ፍርያምነት ምውሳድ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ

መጠን ቴስቶስትሮን ዝውስኹ መድሓኒታት ዝወስዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ይበዝሑ ኣለዉ።

ስቴሮይድን ቴስቶስትሮንን ምውሳድ ግን ንፍርያምነት ይሃስዮ እዩ።

ካብዚ ጉድኣት ንምድሓን፡ ጸለውቲ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት 'ስታክስ'፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መርበብ ሓበሬታታቶም ይሸጡ።

እዚኦም ድማ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንሆርሞናት ፍርያምነትንምንቅቓሕ ዝጥቀሙሉ መድሓኒታት ፍርያምነት HCGን HMGን ይርከብዎም።

እዚኦም ግን ሓደገኛ ጎናዊ ሳዕቤናት ክህልዎም፣ ብዘይ ሕክምናዊ መምርሒ ምስ ዝውሰዱ ድማ ነባሪ ጉድኣት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም።

ፕሮፌሰር ጃያሰና፡ "ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ'ዩ" ይብል።"[ገሊኦም] ምርጋእ ደም፣ ልዑል ዕብየት ጡብ ከስዕቡ ይኽእሉ፤ እዚ ድማ ብቕልጡፍ እንተዘይተሓኪሙ መልክዕ ክቕይር ይኽእል'ዩ" ይብል።

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ኣዘራሪብናዮም፣ ኵሎም ድሕሪ ምውሳድ TRT ፍርያምነቶም ንምምላስ "ስታክስ" ይወስዱ ነይሮም።

'ጀማል' [ስሙ ዝተቐየረ] ኣብ መጀመርታ ጭዋዳታቱ ንምዕባይ ስቴሮይድን ቴስቶስትሮንን ይወስድ ነይሩ፡ ሰብነቱ ዓርፃም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Contributor

መግለጺ ስእሊ, 'ጀማል' [ስሙ ዝተቐየረ] ኣብ መጀመርታ ጭዋዳታቱ ንምዕባይ ስቴሮይድን ቴስቶስትሮንን ይወስድ ነይሩ