ሱዳን፡ መራሒ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ ንሞት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ቤትፍርዲ ሱዳን ንመራሒ ሓይልታት ዳዕመ ኣልሰሪዕ ሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ምስ ገበናት ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነት ብዝተሓሓዝ ንሞት ፈሪድዎ።
እቲ 'ሕመድቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጀነራል ምስቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ግፍዕታት'ዩ ብኣካል ኣብ ዘይተረኽበሉ ብሞት ክቕጻዕ ተወሲንሉ ዘሎ።
እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘሎ ቤትፍርዲ ንካልኦት 15 ላዕለዎት መራሕቲ እቶም ሓይልታት'ውን ንሞት ፈሪዱ ኣሎ።
ነቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዘጠቓለለ መስራቲ ምሕዝነት ሱዳን (SFA) ዝተባህለ ምትእኽኻብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብይን "ርእይቶ ክወሃቦ ከማን ዘይግባእ . . . ትርጉም ዘይብሉ ፍርዲ" እዩ ክብል ነጺግዎ'ሎ።
እቲ ግፍዕታት ብቐንዱ ኣብታ ዞባዊት ርእሰከተማ ኢል-ጀነይና ኣብ ሰነ 2023 ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኻሚስ ኣባካር ዝተቐተለሉ እዩ።
እቲ ቤትፍርዲ፡ እዞም 16 ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን መጥቃዕቲ ክፍጸም ብምውህሃድ፡ ዕንወትን ዝምታን ንብረትን ብምውራድ፡ ንኣብያተ እምነታትን ትምህርቲን ከምኡ'ውን መንበሪ ኣባይቲ ዒላማታት ብምግባርን እዩ ገበነኛታት ኢሉዎም ዘሎ።
ካብቶም ተፈሪዶም ዘለዉ መራሕቲ፡ ምክትል ጀነራል ሕመድቲ ዝኾነ ሓዉ ዓብደልራሒም ሓምዳን ዳጋሎ፡ ካልእ ሓዉ ኣል-ቆኒ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዓብዱል ራሕማን ጁማ ባራካላህን ይርከብዎም።
ሓይልታት ኣልሰሪዕ ነቲ ፍርዲ ብቐጥታ'ኳ ምላሽ እንተዘይሃብሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ነቲ ገበናት ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም ምንባሮም ይፍለጥ።
ፍሉይ ዳኛ ናይቲ ቤትፍርዲ መሓመድ ኣል-ኣሚን፡ ኩሉ ንብረት ናይቶም ሓይልታት ክህገርን፡ ኣብ ቀይዲ ንምእታዎም ሰብመዚ ደገፍ ኢንተርፖል (ውድብ ፖሊስ ዓለም) ክጠልቡን እውን ኣዚዙ ኣሎ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እቶም ሓይልታት ዝተዋህበ ፍርዲ'ኳ እንተኾነ፡ ተፈጻምነቱ ግን ቀሊል ኣይክኸውንን'ዩ። ምኽንያቱ እቶም ሓይልታት ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ሰፋሕቲ ከባቢታት ተቖጻጺሮም፡ መራሕቶም ድማ ካብ ሰራዊት ሱዳን ርሒቖም ስለዝርከቡ።
ሕመድቲ ብወገኑ'ውን ኣበይ ከምዘሎ ፍሉጥ ኣይኮነን።
ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰባዊ መሰላትን፡ እቶም ሓይልታትን መሻርኽቶም ዝኾኑ ዓረብ ሚሊሻን ኣብ ዳርፉር ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ማሳሊት ብፍሉይ ዒላማ ብምግባር ከምዘጥቅዑ ይኸስሱ።
ምክትል ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ'ውን፡ መራሕቲ ኣልሰሪዕ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ "ጭቡጥ መርትዖ" ከምዘሎ ተዛሪባ ነይራ።
ኣብ 2024 ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሕዳር 2023 ኣብ ውሽጢን ከባቢን ከተማ ኢል-ጀነይና ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕትታት ኣሽሓት ሰባት ከምዝቐተሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ከምዘፈናቐሉን ይጠቅስ።
እቲ ሽዑ ኣንጻር ማሕበረሰብ ማሳሊትን ካልኦት ዓረባዊ መበቆል ዘይብሎም ማሕበረሰባትን ዝተፈጸመ ግፍዕታት ምስ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝዳረግ ምዃኑ'ውን ይኸስስ።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዞም ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ክኽሰሱ ምጽንሐም ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ኣልሰሪዕን ብፍላጥ ንሲቪላውያን ዒላማ ከምዝገበሩን ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝርከብዎም ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጺታት መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ከሲሶም ነይሮም።
እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት-ሓድሕድ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ጀነራል ሕመድትን ዝተፈጥረ ቊርቊስ ስልጣን ዝተበገሰ'ዩ።
ዛጊት ኣብቲ ግጭት ልዕሊ 150,000 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 12 ሚልዮን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተፈናቂሎም ይርከቡ።
ኣስታት 28 ሚልዮን ሰባት ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዎም ከምዘሎ'ውን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት የመልክቱ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
