እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ምስ ልዑል ሙቐት ብዝተኣሳሰር ኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጠሞ ክቱር ዋዒ ንሞት ልዕሊ 1,300 ሰባት ምኽንያት ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብቲ ልሙድ እዋን ኣቐዲሙ ዝመጽአ ናይ ሓጋይ ዋዒ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዝገደደ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንምምዝጋብ ኣማኢት ሞት ቀንዲ ምኽንያት እቲ ልዑል ዋዒ ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩዎ ኣሎ።
ትማሊ ሰንበት ኣብ መላእ እታ ክፍለ-ዓለም ዝተመዝገበ ሙቐት ክብረ-ወሰናት ዝሰበረ እዩ። ጀርመን፡ ፖላንድን ቸክ ሪፓብሊክን ካብተን ብርቱዕ ዋዒ ዘጋጠመለን ሃገራት ቀንዲ ተጠቀስቲ እየን። እቲ ናይ ሙቐት ማዕበል ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ እውን እናኣስፋፍሐ ይርከብ።
ዋና ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ካብ 21 ሰነ ጀሚሩ መጠን ሞት ምውሳኹ "ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ልዑል ዋዒ ምትእስሳር ኣለዎ፡" ኢሉ።
"እቲ ዋዒ ዘሕደሮ ጸቕጢ መብዛሕትኡ ግዜ 'ሰላሕታዊ ቀታሊ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እንተዀነ፡ ኣባይቲ፡ ኣብያተ-ዕዮን ኣብያተ-ትምህርትን ኤውሮጳ ነዚ ብርቱዕ ሙቐት ክጻወሩ ብዝኽእሉ መንገዲ ኣይተሃንጹን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ጥዕና ፈረንሳ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ጀሚሩ ካብቲ ዝጽበዩዎ ንላዕሊ ኣስታት 1,000 ተወሰኽቲ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ካብቶም ዘይተጸበዩዎም ዝተመዝገቡ ሞት፡ ዕድመኦም 65ን ካብኡ ንላዕልን ዝዀኑ ሰባት ይርከቡዎም።
ኣብ ኣባይቶም ከለዉ ዝመቱ ሰባት መጠን ብ40% ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ "ኣብ ምድሪ ብልዑል ደረጃ እናመቘት እትኸይድ ዘላ ኣህጉር ኤውሮጳ እያ። እቲ ዋዒ ድማ ካብቲ ናይ ዓለም ማእከላይ ገምጋም ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ፡" ኢሉ።
እቲ ዳይረክተር፡ ኣብ ኤውሮጳ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ "ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ዋዒ ይነብሩ ከም ዘለዉ" ብምግላጽ፡ "ኣማኢት ሞይቶም፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ተዓጽዮም ኣለዉ፡" ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣረዲኡ።
ኣብ ጀርመን ትማሊ ሰንበት ሓዊሱ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝለዓለ ናይ ሙቐት ማዕበል ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ድማ እቲ ዋዒ 41.7 ደረጃ ሰልሰስ በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ፖላንድ ዝርከብ መለክዒ ማእከል እውን ተመሳሳሊ መጠን ሙቐት መዝጊቡ።
ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ ንኽልተ ተኸታተልቲ መዓልታት እቲ ሙቐት 41.1 ደረጃ ሰልሰስ በጺሑ።
ኣብ ፖላንድ ዝተመዝገበ ሙቐት እውን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረ-ወሰን ሰይሩዎ። ኣብ ከተማ ስሉባይስ 40.5 ደረጃ ሰልሰስ ሙቐት ተመዝጊቡ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ንምውሳኽ እዚ ብርቱዕ ዋዒ ምኽንያት ዝዀነ ለውጢ ክሊማ ምዃኑ ገሊጹ።
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኣብ ኤውሮጳ ካብቲ ዓለምለኻዊ ማእከላይ ገምጋም ብዕጽፊ ዝዓቢ ዋዒ ከም ዘጋጠመ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ሓደ ወለዶ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘጋጥም ዝነበረ ማዕበል ረስኒ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ዳርጋ ዓመታዊ ክኽሰት ጀሚሩ ኣሎ፡" ኢሉ።
ለውጢ ክሊማ ኣብ ጥዕና ዘሕድሮ ጸቕጢ ንምክልኻል፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ "ነቲ ዋዒ ኣብ ግምት ዘእተወ ስጕምቲ መደብ ጥዕና፡" ኣብ ግብሪ ከውዕላ ኣተሓሳሲቡ።
ሃገራት ኤውሮጳ ምስቲ ናይ ረስኒ ማዕበል ዝተኣሳሰሩ ናይ ጥዕና ጸገማት ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጕምታት ይወስዳ ኣለዋ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ክካየድ ዝነበሮ 'ዳፍቀን.1' ዝተባህለ ፈስቲቫል ሙዚቃ ተሰሪዙ እዩ።
ኣብ ፓሪስ፡ ድግስ ሙዚቃን ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ተኸልኪሉ ኣሎ።
እቲ ልዑል ሙቐት ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ፈረንሳ 74 ሰባት ኣብ ማይ ጠሒሎም ሞይቶም ኣለዉ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ሎረንት ኑኔዝ፡ መብዛሕትኦም እቶም ሰባት ዝሞቱ፡ "ቍጽጽር ኣብ ዘይግበረሎም ወሓይዝን ቀላያትን እዩ፡" ክብል ገሊጹ።