ብዕራይ በረኻ ንሓደ ኣቦሓጐ ወጊኡ ናብ ኣየር ደርብዩዎ፡ ንበጻሕቲ መጠንቀቕታ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Mike MacLeod/Newsflare
ኣብ ዋዮሚንግ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ የሎውስተን፡ 900 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተባዕታይ ብዕራይ በረኻ፡ ናብ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ብምጕያይ ብርእሱ ወቒዑ ናብ ኣየር ደርብይዎ።
ብብዝሒ ኣብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይቲ ፍጻመ ቪድዮ ከም ዝርአ፡ ሓደ ቈልዓን ኣቦሓጐኡን ነቲ ኣብቲ ሳዕሪ ተጋዲሙ ዝነበረ ብዕራይ በረኻ ክስእልዎ ከለዉ፡ እቲ ዓቢ እንስሳ ሃንደበት ተንሲኡ ከጓይዮም ይጅምር።
ካርል ኢሶም-ማክዳንኤል ዝተባህለ ወዲ 65 ዓመት ሰብኣይ ምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ዝተገልጸ እቲ ግዳይ፡ ሓያል መጕዳእቲ ከም ዝበጽሖን ኣብ ብርቱዕ ቃንዛ ከም ዝነበሮን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ብመሰረት ጸብጻብ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ እቲ ሰብኣይ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ። ኣገልግሎት ሃገራዊ ፓርክ ግን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንኣገልግሎት ሃገራዊ ፓርክ ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፡ "ብዕራይ በረኻ ህዱኣት ኰይኖም ክስምዑኻ ይኽእሉ እዮም፤ ይዅን'ምበር እዞም ዓበይቲ እንስሳታት ኣብ የሎውስተን ካብ ዝዀነ ካልእ እንስሳ ንላዕሊ ንሰባት መጕዳእቲ የውርዱ እዮም፡" ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ "ካብ ሰባት ብሰለስተ ዕጽፊ ብዝቐልጠፈ ክጐዩ ስለ ዝኽእሉ፡ እኹል ርሕቀት ምግዳፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ክብል የጠንቅቕ።
ኣገልግሎት ሃገራዊ ፓርክ ንበጻሕቲ የሎውስተን፡ ኵሉ ግዜ ካብ ብዕራይ በረኻ እንተ ወሓደ 23 ሜትሮ ርሒቖም ክጥንቀቑን፡ "ስእሊ ንምልዓል ኢልካ ፈጺምካ ናብ ብዕራይ በረኻ ክትቀርብ ከም ዘይብልካን፡" ይመክር።
እቲ ፍጻመ ዝተኸሰተ ዓርቢ ምሸት፡ ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ፡ ኣብ ጥቓ ቀላይ የሎውስተን ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ብሪጅ በይ እዩ።
ኢሶም-ማክዳንኤልን ወዲ ወዱን ካብቲ እንስሳ ርሕቀቶም ዝሓለዉ ይመስሉ ነይሮም፤ ስጕምቶም ኣዝሒሎም ደው ብምባል ድማ ክስእሉ ካሜራታቶም ኣልዒሎም። እቲ ብዕራይ በረኻ ግን ቅድሚ ምትስኡ፡ ብዝተረበሸ መንፈስ ደጋጊሙ ንጐድኒ ይገላበጥ ነይሩ።
ሓንቲ ጻዕዳ መኪና ናብቲ ቦታ ቀስ ኢላ ክትቀርብ ከላ፡ እቲ ብዕራይ በረኻ ናብታ መኪና ምስ ኣምርሐ እቲ መራሕ ማኪና ቀልጢፉ ኣልጊሱ። እቲ እንስሳ ግን ናብቲ ኣቦሓጐን ወዲ ወዱን ምጕያይ ቀጺሉ፤ ኣብ መንገዱ ድማ ብሰንኪ እቲ ጕያ ሓመድ ይጽሕትር ነይሩ።
እቶም ክልተ ሰባት ብጽዑቕ ኣግራብ ኣቢሎም ብምጕያይ ካብቲ ብዕራይ በረኻ ከምልጡ እኳ እንተ ፈተኑ፡ እቲ እንስሳ ግን ንኢሶም-ማክዳንኤል ኣርኪብዎ።
ነቲ ፍጻመ ብቪድዮ ዝቐረጾ ማይክ ማክሊዮድ ንሓደ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ክዛረብ ከሎ፡ "እቲ ብዕራይ በረኻ ብጸጋማይ ቀርኑ ኣብ ሕቘኡ ኣልዒሉ ናብ ኣየር ደርብይዎ። ተገልቢጡ ድማ ብጐድኑ ወዲቑ፡" ኢሉ።
ማክሊዮድ ወሲኹ፡ "ኣብ እግሩ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዖ ነይሩ፤ ብዘይካ እዚ ግን ምሉእ ብምሉእ ነብሱ ይፈልጥ ነይሩ፤ ብጽቡቕ መንፈስ ድማ ይዋዘ፡" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ሃገራዊ ፓርክ፡ እዋን ሓጋይ ኣብ የሎውስተን ሰብ ዝበዝሓሉ ወቕቲ እዩ። ዳርጋ 60% ናይቲ ዓመታዊ ምብጻሕ ኣብ ኣዋርሕ ሰነ፡ ሓምለ፡ ከምኡ'ውን ነሓሰ ጥራይ እዩ ዝፍጸም።
ሓምለ ምስቲ ናይቶም እንስሳታት ወቕቲ ምርባሕ ዝገጣጠም ኰይኑ፡ እዚ ድማ "ናይ ምርባሕ ጥርዚ" ዝርኣየሉን ኣብ ተባዕታይ ብዕራይ በረኻ ልዑል መጠን ቴስቶስትሮን ዝህልወሉን እዋን ምዃኑ፡ ኣብ ኮሎራዶ ናይቲ እንስሳ ክንክን ክኢላ ዝዀነት ጀኒፈር ባርፊልድ ገሊጻ።
"እዚ (ሆርሞን) ንባህርያቶም ይቐርጾ እዩ፤ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ድማ ባህርያቶም ክግመት ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ክትብል ኣስሚራቶ።
ባርፊልድ ወሲኻ ከም ዝገለጸቶ፡ ንሳን ጋንታኣን ኣብ ወቕቲ ምርባሕ ካብ ብዕራይ በረኻ ይርሕቁ እዮም፤ ምልከታ ክገብሩ ከለዉ ድማ ካብ ውሽጢ መኪና ኰይኖም ጥራይ እዮም ዝገብርዎ።
ብእግሮም ንዝንቀሳቀሱ ሰባት ድማ፡ "እቲ 23 ሜትሮ ንደሕንነትካ ክሕለወሉ ዝግባእ ዝተሓተ ርሕቀት ምዃኑ ኵሉ ግዜ ምዝካር ጽቡቕ እዩ፡" ክትብል መኺራ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
