ኤርትራ፡ ምሩጽ ኣሳእል ጽንብል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት

ሰማያዊ ሪቺታት
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለያ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ተጸንቢሉ ኣሎ። ንገለ ካብኡ ዝውክል ኣሳእል ኣብ ታሕቲ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ብሰንበት 24 ግንቦት ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብመንግስቲ ዝተዳለወ ወግዓዊ ጽንብል ግን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ምዝዛም ናይቲ ስነስርዓት ዝተወልዐን ንልዕሊ 15 ደቒቕ ዝቐጸለን ሪቺታት ነቲ ጽንብል ፍሉይ ደምቀት ሂቡዎ ኣምስዩ።

ኣብ ወጻኢ'ውን ዝበዝሕ ብወከልቲ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱ ዝኾኑ ማሕበረኮማትን ዝተወደበ ጽንብላት ክካየድ ቀንዩ እዩ።

ካብ 1.5 ክሳብ 2 ሚልዮን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ከምዝነብሩ ይፍለጥ። ኣስታት 700 ሽሕ ካብኦም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ዝፈልጦም እዮም።

ገለ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ግን፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣትያ፡ ብዙሕ ካብ ህዝባ ናብ ስደት ፋሕ ኣብ ዝበለሉን፡ ምግሃስ መሰላት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋንን ነቲ ጽንብል ከም ዘይድግፍዎ ይገልጹ።

'ግሎባል ይኣክል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ንለውጢ ዝቃለስ ምንቅስቓስ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምኽባር መዓልቲ ናጽነት "ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ወለዶታት እትህቦ ክብርን ድምቀትን፡ ፍሉይን ልዑልን እዩ" ብምባል፡ "ን35 ዓመታት ክትደሚ፡ ህዝባ ዋና ስኢኑ ፈቐድኡ ክብተን፡ መንእሰያታ መጻኢ ጸልሚትዎም ገዲፎምዋ ክዕዘሩ፡ ኣባይታን ፋብሪካታታን ዓንዮም ናብ ሓመድ ክቕየሩ፡ ኣቤት ዝብላ ሰብ ኣይረኸበትን" ይብል።

እንተኾነ፡ ብሰንኪ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ "ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይተኸብረ፡ ናይ መን ናጽነት ክኽበር ይከኣል፧" ብምባል ነቲ ጽንብል ዘለዎ ደገፍ ኣነጺሩ።

ነቲ ዝተኻየደ ጽንብላት ዝውክል ገለ ኣሳእል እንሆ፤

ንባንዴራ ኤርትራ ዝውክል ሕብርታት ዘለዎ ሪቺታት ናጽነት
ሪቺታት
ብምርኢት ሪቺታት ዝተሓጐሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍሽኽ ኢሉ፡ ምስ ዑስማን ሳልሕ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከይተረፈብምርኢት ሪቺታት ዝተሓጐሰ'ዩ ዝመሰል
በቲ ፍሉይ ምርኢት ሪቺታት ዝተሳሕቡ ነቲ ጽንብል ኣብ ምድማቕ ዝተሳተፉ መንእሰያት ነቲ ህሞት ብተለፎናቶም እናሰነዱ
መግለጺ ስእሊ, በቲ ፍሉይ ምርኢት ሪቺታት ዝተሳሕቡ ነቲ ጽንብል ኣብ ምድማቕ ዝተሳተፉ መንእሰያት ነቲ ህሞት ብተለፎናቶም እናሰነዱ
ንልዕሊ 15 ደቒቕ ዝቐጸለ ምርኢት ሪቺታት ሚልዮናት ዶላራት ዝወድአ ከይኮነ ኣይተርፍን
መግለጺ ስእሊ, ንልዕሊ 15 ደቒቕ ዝቐጸለ ምርኢት ሪቺታት ሚልዮናት ዶላራት ዝወድአ ከይኮነ ኣይተርፍን
ንዝተፈላለዩ ክንፍታትን እዝታትን ሰራዊት ኤርትራ ዝመርሑ ዝለዓሉ ጀነራላት
መግለጺ ስእሊ, ንዝተፈላለዩ ክንፍታትን እዝታትን ሰራዊት ኤርትራ ዝመርሑ ዝለዓሉ ጀነራላት'ውን ካብ ጽንብል ናጽነት ኣይበዅሩን እዮም
ምስሊ ባንዴራ ኤርትራ ዝገበሩ መንእሰያት ቅርጺ ልቢ እናሰርሑ
መግለጺ ስእሊ, 'ሓደ ህዝቢ ሃደ ልቢ' ዝብል ጭርሖ መንግስቲ'ውን ዳግማይ ዝተመለሰ'ዩ ዝመስል
ምስ ሕብሪ ባንዴራ ኤርትራ ዝመሳሰል ባናታት ሪቺታት
ባህላዊ ዙርያ ዝገበረት ኣስካሉ መንቀርዮስ ትርከቦም ዝበዝሑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሚኒስተራት መንግስቲ'ውን ኣብቲ ጽንብል ተረኺቦም ነይሮም
መግለጺ ስእሊ, ዝበዝሑ ብዕድመ ዝደፍኡ ምኒስተራት መንግስቲ'ውን ኣብቲ ጽንብል ተረኺቦም ነይሮም
ብተመሃሮን መንእሰያትን ዝቐረበ ምስልታት ንሜዳ ስታድዮም ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ብተመሃሮን መንእሰያትን ዝቐረበ ምስልታት ንሜዳ ስታድዮም ኣስመራ ብሒትዎ ኣምስዩ
ኣብቲ ክርስዕዎ ዘይክእሉ ድሙቕ ጽንብል ዝተሳተፉ መንእሰያት ሃገራዊ መዝምሮም እናዘመሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ክርስዕዎ ዘይክእሉ ድሙቕ ጽንብል ዝተሳተፉ መንእሰያት ሃገራዊ መዝምሮም እናዘመሩ
ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ደው ኢሎም
መግለጺ ስእሊ, ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ'ውን ካብቶም ኣውራ መናብር ሒዞም ነይሮም
ንዝተፈላለዩ ክንፍታት ሰራዊት ዝውክል ወተሃደራዊ ምርኢት
መግለጺ ስእሊ, ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሃንጸ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ከምቲ ልሙድ ነቲ ጽንብል ብወተሃደራዊ ሰልፊ ኣሰንይዎ ውዒሉ
ዝተፈላለየ ሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝውክል ክዳን ዝለበሱ መንእሰያት
መግለጺ ስእሊ, ተመሃሮ መንእሰያት ነቲ ምርኢት ንምድማቕ ዝተፈላለየ ምስልታት ኣቕሪቦም
ሰልፊ ዘርእዩ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርረራ
መግለጺ ስእሊ, ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ'ውን ብዓቕማ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዝተሳተፍዎ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣቕሪባ ነይራ
ሳዕስዒት ብሄራት
መግለጺ ስእሊ, ንብሄራት ኤርትራ ዝወክል ባህላዊ ምርኢት'ውን ኣካል ናይቲ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ዝተኻየደ ጽንብል'ዩ
ደረፍትን ሳዕሳትን ብሄረ ኩናማ ኣብ ትልሂት
መግለጺ ስእሊ, ሰፊሕ ሕርሻዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ዝካየደላ ጋሽ-ባርካ ብተመሳሳሊ ኣገባብ'ያ ነቲ መዓልቲ ጸንቢላቶ
ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተሳተፍዎ ጽንብል ዞባ ደቡብ ኣብ ከተማ መንደፈራ
መግለጺ ስእሊ, ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተሳተፍዎ ጽንብል ዞባ ደቡብ ኣብ ከተማ መንደፈራ
ምርኢት ሰርከስ ዞባ ደቡብ ሰማያዊ ላዕሊን ጸሊም ስረን ብዝገበሩ መንእሰያት
መግለጺ ስእሊ, ምርኢት ሰርከስ ዞባ ደቡብ
ካለ ካብ ነበርቲ ጀርመን ዝኾኑ ኤርትራውያን'ውን ነቲ መዓልቲ ብጓይላን ትልሂትን ጸንቢሎሞ
መግለጺ ስእሊ, ካለ ካብ ነበርቲ ጀርመን ዝኾኑ ኤርትራውያን'ውን ነቲ መዓልቲ ብጓይላን ትልሂትን ጸንቢሎሞ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ዘይዓገቶን ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ተኸቢሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ዘይገደቦ ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ
ኣብታ መዲና ዲፕሎማሲ ዓለም ዝኾነት ኣመሪካዊት ከተማ ኒው ዮርክ'ውን ዲፕሎማሰኛታትን ኤርትራውያንን ነቲ ድግስ ተሳቲፎሞ እዮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብታ መዲና ዲፕሎማሲ ዓለም ዝኾነት ኣመሪካዊት ከተማ ኒው ዮርክ'ውን ዲፕሎማሰኛታትን ኤርትራውያንን ነቲ ድግስ ተሳቲፎሞ ነይሮም
ጐደና ሓርነት ኣብ ድሮ መዓልቲ ናጽነት
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ እታ ብ24 ግንቦት 1991 ሓርነታ ዝተጓናጸፈት ርእሰከተማ ኣስመራ ግን ነቲ ጽንብል ኣቐዲሞም'ዮም ጀሚሮሞ ቀንዮም
ብክልተ ኣንፈት ዝርአ ዓንዲ ሓዊ ሪቺታት
መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ብሚልዮናት ዶላራት ክግመት ዝኽእል ሪቺታት